ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | ሓዳር

ቅጭ ንዜምጽኣልካ ጠባይ ከመይ ጌርካ ብጽቡቕ ዓይኒ ትርእዮ፧

ቅጭ ንዜምጽኣልካ ጠባይ ከመይ ጌርካ ብጽቡቕ ዓይኒ ትርእዮ፧
  •   ንስኻ ወዝባዊ ነገራት ትፈቱ፣ መጻምድትኻ ግና ንዅሉ ነገራት ብደቂቕ መደብ ምግባር ትፈቱ።

  •   ንስኻ ስቕተኛን ቍጡብን ኢኻ፣ መጻምድትኻ ግና ሕውስትን ፈታዊት ጸወታን እያ።

 መጻምድትኻስ ቅጭ ዜምጽኣልካ ጠባይ ኣለዎዶ፧ ኣብቲ ጠባዩ እንተ ኣተኲርካ፡ እዚ ንሓዳርካ ኺጐድኦ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንነገር መመሊሱ ዜልዕሎ . . . ናይ ቀረባ ፈተውቲ ይፈላሊ” ይብል።—ምሳሌ 17:9

 ቅጭ ዜምጽኣልካ ጠባይ ኣብ ሓዳርኩም ንፋስ ኬእትወልኩም ኣብ ክንዲ ምፍቃድ፡ ምናልባት ነቲ ጠባይ እቲ ብጽቡቕ ዓይኒ ኽትርእዮ ትኽእል ትኸውን።

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦

 ነቲ ቕጭ ዜምጽኣልካ ጠባይ ብጽቡቕ ዓይኒ ርኣዮ

 እቲ ቕጭ ዜምጽኣልካ ጠባይ መጻምድትኻ ምስቲ እተድንቖ ጠባይ ምትእስሳር ዘለዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነዚ ዚስዕብ ሰለስተ ኣብነታት እስከ ርአ፦

 “ሰብኣየይ ሓደ ነገር ንምግባር ወይ ንጕዕዞ ንምድላው ጐተት እዩ ዚብል። እዚ ጠባይ እዚ ግና ምስ ካልኦት ሰባት ኰነ ዋላ እውን ምሳይ ዕጉስ እዩ ዚገብሮ። ሓድሓደ ግዜ፡ ቀስ ዚብል ምዃኑ ቕጭ የምጽኣለይ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ሓደ ኻብቲ ዝፈትዎ ባህርያቱ እውን እዩ።”—ቸልሲ።

 “ሰበይተይ ብደቂቕ መደብ ምግባር እያ እትፈቱ፣ ንዅሉ ነገራት ክትቈጻጸሮ እያ እትደሊ፡ እዚ እውን ቅጭ የምጽኣለይ እዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ብደቂቕ ነገራት ትግደስ ብምዃና፡ ንኣጋጣሚ እትሓድጎ ነገር የብላን።”—ክሪስቶፈር።

 “ሰብኣየይ ዘይግድሶ እዩ ዚመስል፣ እዚ እውን የበሳጭወኒ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ መጀመርታ ናብኡ ዝሰሓበኒ ባህርያት፡ ቅሱን ምዃኑ እዩ። ውጥረት ኣብ ዝሰፈኖ ዅነታት፡ ህዱእ ምዃኑ አድንቖ እየ።”—ዳንየል።

 ከምቲ ቸልሲን ክሪስቶፈርን ዳንየልን ዝበልዎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብርታዐን ድኽመትን መጻምድቲ ናይ ሓደ ባህርይ እተፈላለየ መዳያት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ከምቲ ንሓደ ገጽ ናይ ሳንቲም ካብቲ ሓደ ኽትንጽሎ ዘይትኽእል፡ ነቲ ድኽመት ካብቲ ብርታዐ ነጺልካ ኸተወግዶ ኣይትኽእልን ኢኻ።

 ልክዕ እዩ፡ ገሊኡ ጠባያት ኣወንታዊ ሸነኽ የብሉን። ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰባት ‘ቍጡዓት’ ከም ዝዀኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። (ምሳሌ 29:22) ሓደ ሰብ ቍጡዕ እንተ ዀይኑ፡ “ኵሉ ምረትን ቍጥዓን ነድርን ታዕታዕን ጸርፍን” ካብኡ ንምርሓቕ ዚከኣሎ ኺጽዕር ኣለዎ። aኤፌሶን 4:31

 እንተዀነ ግና፡ ሓደ ጠባይ ቅጭ ዜምጽኣልካ ጥራይ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ “ሓደ ኣብቲ ሓደ ቕር ዜብል ነገር እንተ ኣልይዎ፡ ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱ” ዚብል ምኽሪ ስዓብ።—ቈሎሴ 3:13

 ብተወሳኺ፡ ኣወንታዊ ሸነኽ እቲ ጠባይ ክትርኢ ጽዓር፣ ምናልባት በቲ ጠባይ እቲ እውን ተሳሒብካ ትኸውን። ጆሴፍ ዝስሙ ሰብኣይ፡ “ቅጭ ኣብ ዜምጽኣልካ ጠባይ ምትኳር፡ ብሰንኪ እቲ ሓንቲ ኣልማዝ ዘለዋ በሊሕ ጫፍ ንጽባቐኣ ኸም ዘይምድናቕ እዩ” ዚብል ሓሳብ ሂቡ ኣሎ።

 መምርሒ ምይይጥ

 ፈለማ፡ በበይንኹም ኴንኩም ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕሰቡሉ። ድሕሪኡ፡ ነቲ መልስታትኩም ሓቢርኩም ተመያየጡሉ።

  •   መጻምድትኻ ንሓዳርኩም ዚርብሽ ጠባይ ኣለዎዶ፧ እንተ ኣልይዎ፡ እቲ ጠባይ እንታይ እዩ፧

  •   እቲ ጠባይ ከቢድ ጕድለት ድዩ፡ ወይስ ቅጭ ዜምጽእ ጥራይ እዩ፧

  •   ነቲ ጠባይ ኣወንታዊ ሸነኽ ኣለዎዶ፧ እንተ ኣልይዎ፡ እንታይ እዩ፧ ነቲ ናይ መጻምድትኻ ባህርይ እትፈትዎኸ ስለምንታይ ኢኻ፧