ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | መውስቦ

ንፍልልያት እትሕዘሉ መገዲ

ንፍልልያት እትሕዘሉ መገዲ

ጸገም

ሓዴኹም ስፖርት ይፈቱ፡ እቲ ሓደ ግና ምንባብ ይፈቱ። ሓዴኹም ጥንቁቕን ስሉጥን እዩ፡ እቲ ሓደ ግና ብመደብ ኣይከይድን እዩ። ሓዴኹም ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ይፈቱ፡ እቲ ሓደ ግና ብሑትነት ይመርጽ።

‘ፈጺምና እኮ ኢና ዘይንቃዶ! ክንተዓራረኽ ከሎና ደኣ ስለምንታይ ኢና ነዚ ዘየስተብሃልናሉ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።

ይኹን እምበር፡ እንተ ወሓደ ብእተወሰነ ደረጃ ኣስተብሂልካሉ ኔርካ ትኸውን ኢኻ። ኣብቲ ግዜ እቲ ግና ሕድገታት ንምግባር ቅልጡፍ ኔርካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ፣ ሕጂ ኸም ብዓል ሓዳር መጠን ነቲ ዝነበረካ ጽቡቕ ልማድ እንደገና ኸተንጸባርቖ ኣገዳሲ እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ከምኡ ንኽትገብር ክትሕግዘካ እያ። ፈለማ ግና፡ ንገለ ኻብቲ ኸም ዘይትቃዶ ኺገብረካ ዚኽእል ዘይከሓድ ሓቅታት ንመርምር።

ክትፈልጦ ዘሎካ

ገሊኡ ፍልልያት ሸለል ዘይብሃል እዩ። ቀንዲ ዕላማ እቲ ምስ ኣንጻር ጾታ ዚግበር ምትዕርራኽ፡ ትቃዶ እንተ ዄንካ ንምፍላጥ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቶም ምስ ኣንጻር ጾታ ኺተዓራረኹ ኸለዉ ዓበይቲ ፍልልያት ከም ዘለዎም ዝፈልጡ ብዙሓት ሰባት፡ ኣብ ክንዲ ዓይኖም ዓሚቶም ኣብ ሓዳር ዚኣትዉ፡ ኪፈላለዩ እዮም ዚመርጹ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝዀነ ይኹን ሓዳር ዘሎ ኸተወግዶ ዘይትኽእል ንኣሽቱ ፍልልያትከ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧

ኣብ ኵሉ ነገር ዚሰማምዑ መጻምድቲ የለዉን። ስለዚ ኸኣ ሰብ ሓዳር ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ፍልልያት ኪህልዎም ንቡር እዩ።

ድሌታት። ኣና * እትብሃል ብዓልቲ ሓዳር፡ “ካብ ቤት ወጺእካ ዚግበር ንጥፈታት ፈጺሙ ኣይስሕበንን እዩ፣ ብዓል ቤተይ ግና ካብ ግዜ ቝልዕነቱ ኣትሒዙ ብበረድ ኣብ እተሸፈነ ኣኽራን ምሕኳርን ንመዓልትታት ዚኣክል ኣብ ጫካታት ምጕዓዝን ይፈቱ እዩ” ትብል።

ልምድታት። ብርያን ዝስሙ ሰብኣይ፡ “ብዓልቲ ቤተይ ዋላ እኳ ኣምስያ እንተ ደቀሰት፡ ሰዓት 5፡00 ንግሆ ኽትትንስእ ትኽእል እያ፣ ኣነ ግና ሸውዓተ ወይ ሸሞንተ ሰዓት እንተ ዘይደቂሰ ገንጨርጨር እየ ዝብል” ይብል።

ባህርያት። ንስኻ ስቕ በሃሊ ኽትከውን ከለኻ፡ ብዓልቲ ቤትካ ግና ስምዒታ እትገልጽ ክትከውን ትኽእል እያ። ዴቪድ ዚብሃል ብዓል ቤት፡ “ብዛዕባ ብሕታዊ ጸገማቶም ምዝራብ ኣብ ዘይፈትዉ ስድራ ቤት እየ ዓብየ፣ ብዓልቲ ቤተይ ግና ንዝዀነ ይኹን ነገር ብግልጺ ኣብ ዚዛራረቡሉ ስድራ ቤት እያ ዓብያ” በለ።

ፍልልያት ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሄለና ዝስማ ብዓልቲ ቤት፡ “ዋላ እኳ እቲ ኣነ ንነገራት ዚሕዘሉ መገዲ ጽቡቕ ኪኸውን ዚኽእል እንተ ዀነ፡ እቲ እንኮ ቕኑዕ መገዲ እዩ ማለት ኣይኰነን” በለት።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ደጋፊ ኹን። ኣዳም ዝስሙ ሰብኣይ፡ “ብዓልቲ ቤተይ ካረን ኣብ ስፖርት ተገዳስነት ዘይብላ እኳ እንተ ዀነት፡ ናብ ሓያሎ ጸወታታት ምሳይ ትኸይድ እያ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ካረን ናብ ኣብያተ መዘክር ስነ ጥበብ ምኻድ ስለ እትፈቱ፡ ምስኣ እኸይድን ሓቢርና እኹል ግዜ ነሕልፍን ኢና። ስነ ጥበብ ኣዝዩ ስለ ዜገድሳ ድማ ኣብኡ ተገዳስነት ከርኢ ዝከኣለኒ እየ ዚጽዕር” በለ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ቈረንቶስ 10:24

ኣረኣእያኻ ኣስፍሕ። ኣረኣእያ መጻምድትኻ ኻብ ናትካ እተፈልየ ስለ ዝዀነ ጥራይ ጌጋ እዩ ማለት ኣይኰነን። ኣሌክስ ነዚ ተመኪርዎ እዩ፣ ከምዚ ኸኣ ይብል፦ “ሓደ ነገር ብሓደ ኣስላጢ ዝዀነ መገዲ ጥራይ ኪዕየ ዚክኣል ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ ነይሩ። ብዓል ሓዳር ምስ ኰንኩ ግና ሓደ ነገር ብብዙሕ መገድታት ኪዕየ ኸም ዚክኣልን ነፍሲ ወከፍ መገዲ ኣስላጢ ኪኸውን ከም ዚኽእልን ተማሂረ እየ።”—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ጴጥሮስ 5:5

ሚዛናዊ ኹን። ትቃዶ ኢኻ ኺብሃል ከሎ ፍልልያት የብልካን ማለት ኣይኰነን። ስለዚ፡ ኣብ ሓዳርካ ገለ ፍልልያት ኪቕልቀል ምስ እትርኢ፡ ሓዳርካ ኺሰምር ከም ዘይክእል ጌርካ ኣይትደምድም። ዘ ኬዝ ኤጌንስት ዳይቮርስ እትብሃል መጽሓፍ፡ “ብዙሓት ሰባት ‘ብፍቕሪ ዓዊረ እየ ነይረ’ ዚብል መመኽነይታ እዮም ዜቕርቡ። እንተዀነ ግና፡ ዝዀነ ይኹን ናይ ባህርይ ፍልልይ ይሃሉኻ ብዘየገድስ፡ ምስ መጻምድትኻ ግዜ ምስ እተሕልፍ ንሓድሕድካ ኽትፋቐር ትኽእል ኢኻ” በለት። ነቲ “ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተ ኣለዎ፡ ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱ” ዚብል ምኽሪ ኽትዓይየሉ ፈትን።—ቈሎሴ 3:13

ነዚ ፈትኖ፦ ነቲ ብዛዕባ መጻምድትኻ እትፈትዎ ነገራትን ምስኡ እትቃደወሉ መዳያትን ጽሓፎ። ብድሕሪዚ፡ ነቲ ዘይትቃደወሉ መዳያት ጽሓፎ። ፍልልያትኩም ከምቲ ንስኻ እትሓስቦ ዝነበርካ ዘይኰነስ፡ ንኣሽቱ ዀይኑ ትረኽቦ ትኸውን። እቲ ዝጸሓፍካዮ ዝርዝር፡ ኣበየናይ መዳያት ንመጻምድትኻ ኽትጻወሮ ወይ ክትድግፎ ኸም ዜድልየካ ንኽትፈልጥ ኪሕግዘካ እዩ። ኬነት ዝስሙ ሰብኣይ፡ “ብዓልቲ ቤተይ ንዓይ ኢላ ሕድገታት ክትገብር ከላ አማስወሉ እየ፣ ኣነ ንዓኣ ኢለ ሕድገታት ኪገብር ከለኹ ድማ ከም እተማስወሉ እፈልጥ እየ። ዋላ እውን መስዋእቲ ኽገብር ዚሓትተኒ እንተዀነ፡ ንሳ ተሓጒሳ ኽርእያ ኸለኹ ኣነ እውን እሕጐስ እየ” በለ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ፊልጲ 4:5

^ ሕ.ጽ. 10 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዚርከብ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።