ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | ሓዳር

ቅንኢ ኣብ ሓዳርካ ምእንቲ ኸይኣቱ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ቅንኢ ኣብ ሓዳርካ ምእንቲ ኸይኣቱ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

 ጥርጣረን ዘይምእትእምማንን እንተ ኣልዩ፡ ንሓዳር ንፋስ እዩ ዚኣትዎ። ስለዚ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ኻብ ሕማቕ ቅንኢ ኽትርሕቕ እትኽእል፧

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ

 ቅንኢ እንታይ እዩ፧

 እታ “ቕንኢ” እትብል ቃል፡ እተፈላለየ ትርጉም ዝሓዘለት ክትከውን ትኽእል እያ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካልእ ሰብ ንመጻምድትና ብዘይግቡእ ዓይኒ ኺጥምቶ ኸሎ ወይ መጻምድትና ንኻልእ ሰብ ብዘይግቡእ ዓይኒ ኺጥምት ከሎ ንዚስምዓና ስምዒት እያ እተመልክት። ሓዳርና ኣብ ሓደጋ ኸም ዘሎ ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን። ብሓቂ ኸምዚ ዝበለ ዅነታት እንተ ኣጋጢሙና፡ ቅንኢ ንቡርን ግቡእን እዩ። ስለምንታይሲ፡ ሓዳር ኣብ መንጎ ኽልተ ሰባት ዚፍጠር ጥቡቕ ዝምድና እዩ፣ ሰብ ሓዳር ድማ ንሓዳሮም ንምዕቋብ ዚከኣሎም ኵሉ ኺገብሩ ኣለዎም።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። . . . ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶስ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፍለዮ።”—ማቴዎስ 19:6

 “ንሓዳርካ ዜስግእ ነገር እንተ ኣልዩ፡ ቅንኢ ኸምቲ ትኪ ምስ ጨነዋ መጠንቀቕታ እትህብ መሳርሒ ብምዃን ንሓደጋ ኼንቅሓካን ስጕምቲ ኽትወስድ ኬለዓዕለካን ይኽእል እዩ።”—በንጃሚን።

 ሕማቕ ቅንኢ ግና መሰረት ካብ ዘይብሉ ጥርጣረን ፍርህን እዩ ዚልዓል። ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኻብ ከምዚ ዝበለ ጐዳኢ ቕንኢ ተዕቍበና እያ። (1 ቈረንቶስ 13:4, 7) ዶ/ር ሮበርት ሌሂ፡ “[መሰረት ኣብ ዘይብሉ ቕንኢ እተመስረተ] ተግባራት ነቲ ኸተዕቅቦ እትደሊ ርክብ ኣብ ሓደጋ ኼእትዎ ይኽእል እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። a

 ጠንቂ ሕማቕ ቅንኢ እንታይ እዩ፧

 ኣብ ሕሉፍ ብመጻምድትኻ እንተ ተጠሊምካ፡ ብቐሊሉ ሕማቕ ቅንኢ ኸተሕድር ትኽእል ኢኻ። ወይ ከኣ ሓዳር ወለድኻ ብሰንኪ ጥልመት እንተ ተበቲኑ፡ ንዓኻ እውን ከምኡ ኸየጋጥመካ ትፈርህ ትኸውን።

 “ብንእስነተይ ኣቦይ ንኣደይ ጠሊምዋ፣ ስለዚ፡ ወትሩ ተጠራጣሪት ኰይነ። እዚ ስምዒታዊ በሰላ እዚ፡ ሓሓሊፉ ኣብ ሓዳረይ ይቕልቀል እዩ።”—መሊሳ።

 ካልእ ረቛሒ፦ ብቐሊሉ ስግኣት ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ንኻልኦት ሰባት ሓዳርካ ኺብትኑ ኸም እተላዕሉ ጌርካ ኽትርእዮም ትኽእል ኢኻ። ብዘይካዚ፡ ‘መጻምድተይ ኣጋጣሚ እንተ ረኺቡ፡ ሓዲጉኒ ምስ ካልእ ኪኸይድ እዩ’ ኢልካ ትኣምን ትኸውን።

 “ሰብኣየይ ኣብ ሓደ መርዓ፡ ዓርኪ መርዓዊ ኪኸውን ሕቶ ቐረበሉ። እዚ ኸኣ ምስ ሓንቲ ኻብተን መሓዙት ተጸሚዱ ይውዕል ማለት እዩ ነይሩ። ነዚ ኣነ ኣይተቐበልክዎን። ስለዚ፡ ይትረፈኒ ኺብል ተገዲዱ።”—ኔኦሚ።

 ባህሊ መርዓ ኻብ ዓዲ ናብ ዓዲ ይፈላለ እዩ፣ ክርስትያናት ድማ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሑ ይግባእ። እንተዀነ ግና፡ ኔኦሚ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ድዩ ነይርዋ፧ ምልስ ኢላ ኽትሓስበሉ ኸላ፡ ቅንኣ መሰረት ዘይብሉ ምንባሩ እያ እትእመን። ብዛዕባኡ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብቲ ግዜ እቲ ስግኣት ሓዲሩኒ ነይሩ። ሰብኣየይ ምስ ካልኦት ኣንስቲ ዜወዳድረኒ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ፣ እዚ ዅሉ ግና ኣብ ርእሰይ ዝፈጠርክዎ ነገር እዩ ነይሩ።”

 ዝዀነ ዀይኑ፡ ዘይግቡእ ቅንኢ ናብ ጥርጣረ ኺመርሓካ፡ ንመጻምድትኻ ብዘይወዓሎ ኸም እትኸስሶ ድማ ኪገብረካ ይኽእል እዩ። እቲ ነዚ ስዒቡ ዚፍጠር ናይ ዘይምትእምማን ሃዋህው ንሓዳር ኪጐድእ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ጥዕና ኼስእነካ ይኽእል እዩ።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ቅንኢ . . . ንኣዕጽምቲ ቝንቍነ እዩ።”—ምሳሌ 14:30

 ንቕንእኻ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፧

 እምነት ኣሕድር። ንመጻምድትኻ ኸም እትጥርጥሮ ኣብ ዚገብረካ ነገራት ዘይኰነስ፡ ከም እትኣምኖ ኣብ ዚገብረካ ነገራት ኣተኵር።

 “ብዛዕባ ሰብኣየይ ዘለዎ ጽቡቕ ባህርያት እሓስብ እየ። ንሓንቲ ሰብ ቈላሕታ ዚገብረላ፡ ክፉእ ሓሲቡ ዘይኰነስ፡ ብሓቂ ስለ ዚሓሊ እዩ። ሓዳረይ ከም ናይ ወለደይ ዘይምዃኑ ገዛእ ርእሰይ ከዘኻኽር ኣሎኒ።”—መሊሳ።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ፍቕሪ . . . ኵሉ ትኣምን።”—1 ቈረንቶስ 13:4, 7

 ንጥርጣረኻ ጠርጥሮ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ዶ/ር ሌሂ፡ “መብዛሕትኡ ግዜ ንሓሳባትና ኸም ሓቂ ጌርና ኢና እንርእዮ። ንሕና ቕኑዓት ከም ዝዀንና ስለ እንተኣማመን፡ ነዚ ኸም መርትዖ ጌርና ኢና እንወስዶ። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ነገር ሓቂ ምዃኑ ስለ ዝኣመንካ ጥራይ ሓቂ ኣይከውንን እዩ፣ ርእሰ ምትእምማንና ኸኣ መርትዖ ኣይከውንን እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። b

 “ንዅነታት ትርጉም ከተውጽኣሉ ምጽዓርን ኣብ ግምታዊ ሓሳባት ምትኳርን ዘይነበረ ጸገም ኪፈጥር ይኽእል እዩ።”—ኔዲን።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሚዛናውያን ምዃንኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ።”—ፊልጲ 4:5፡ እግረ ጽሑፍ።

 ነቲ ዘተሓሳሰበካ ነገር ተመያየጡሉ። ጠንቂ ቕንእኻ ብዘየገድስ፡ ብዛዕባ እቲ ዘተሓሳሰበካ ነገር ምስ መጻምድትኻ ተመያየጡሉ። በዚ ኸምዚ፡ ምስ ካልኦት ብዛዕባ ዘሎኩም ርክብ ሚዛናዊ ሕግታት ከተውጽኡ ትኽእሉ ኢኹም።

 “ምስ መጻምድትኻ ኽትዛራረብ ከለኻ፡ መጻምድትኻ ኺጐድኣካ ኸም ዘይደሊ፡ የግዳስ ከማኻ ጽቡቕ ውሳነታት ኪገብር ከም ዚደሊ ጌርካ ሕሰብ። ጽቡቕ ሓሊኑ ኸም እተላዕለ ጌርካ ሕሰብ። ምናልባት ንስኻ ኣመና ተኣፋፍን ብዙሕ እትጽበን ትኸውን። ወይ ከኣ መጻምድትኻ ግቡእ ቈላሕታ ይህበካ ኸም ዘየሎ ኣይፈልጥን ይኸውን።”—ሲያራ።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ነፍሲ ወከፍ፡ ጥቕሚ ኻልእ ደኣ እምበር፡ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ።”—1 ቈረንቶስ 10:24

a b The Jealousy Cure ካብ እትብሃል መጽሓፍ።