ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” እንታይ ማለት እዩ፧

“ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” እንታይ ማለት እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 “ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” ዚብል ሕጊ፡ ክፍሊ እቲ ኣምላኽ ብሙሴ ኣቢሉ ንጥንታውያን እስራኤላውያን ዝሃቦ ሕጊ እዩ ነይሩ፣ የሱስ እውን ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ ጠቒስዎ እዩ። (ማቴዎስ 5:38፣ ዘጸኣት 21:24, 25፣ ዘዳግም 19:21) በደልቲ ኪቕጽዑ ኸለዉ፡ እቲ መቕጻዕቲ ማዕረ እቲ ገበኖም ኪኸውን ከም ዚግባእ ድማ ይሕብር። a

 እቲ ሕጊ ነቲ ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ኻልእ ሰብ ብፍላጥ ዜውርዶ ጕድኣት ዚምልከት እዩ ነይሩ። ሕጊ ሙሴ ብዛዕባ እቲ ደይ መደይ ኢልካ ዚግበር በደል፡ “ኣብ ክንዲ መስበርቲ፡ መስበርቲ፣ ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ፣ ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ስኒ። ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ጕድኣት፡ ይገበር” ይብል።—ዘሌዋውያን 24:20

 ዕላማ እቲ “ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” ዚብል ሕጊ እንታይ እዩ ነይሩ፧

 እቲ “ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” ዚብል ሕጊ፡ ውልቀ ሰባት ባዕሎም ሕነ ኺፈድዩ ዜፍቅድ ኣይነበረን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እተሸሙ ፈራዶ ኺፈርዱ ኸለዉ፡ ከየኽበዱ ወይ ከየፍኰሱ ግቡእ መቕጻዕቲ ኪቐጽዑ ዚእዝዝ እዩ ነይሩ።

 ብዘይካዚ፡ እቲ ሕጊ ንዝዀነ ይኹን ደይ መደይ ኢሉ ጕድኣት ዜውርድ ወይ ኬውርድ ዚሓስብ ሰብ፡ ከምኡ ኸይገብር ብኣጋኡ ይዓግቶ ነይሩ እዩ። እቲ ሕጊ፡ “እቶም ዝተረፉ ድማ [እቶም ፍትሒ ኣምላኽ ኪፍጸም ዝረኣዩ ሰባት] ኪሰምዑን ኪፈርሁን እዮም፣ ደጊም ከኣ ከምዚ ዝበለ ኽፉእ ኣብ መንጎኻ ኣይኪገብሩን እዮም” ይብል።—ዘዳግም 19:20

 እቲ “ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” ዚብል ሕጊ ንክርስትያናት ይምልከቶም ድዩ፧

 ኣይፋልን፡ ክርስትያናት በዚ ሕጊ እዚ ኣይቅየዱን እዮም። እዚ ኽፍሊ ሕጊ ሙሴ እዩ ነይሩ፣ ሕጊ ሙሴ ኸኣ ብመስዋእቲ የሱስ ተሳዒሩ እዩ።—ሮሜ 10:4

 ይኹን እምበር፡ እቲ ሕጊ ብዛዕባ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ከነስተውዕል የኽእለና እዩ። ንኣብነት፡ ኣምላኽ ፍትሒ ኸም ዚፈቱ ይሕብረና እዩ። (መዝሙር 89:14) ብዛዕባ መለክዒ ፍትሑ እውን ይሕብረና እዩ፣ ማለት፡ በዳሊ “ብልክዕ” ኪግሰጽ ኣለዎ።—ኤርምያስ 30:11

 ብዛዕባ እቲ “ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” ዚብል ሕጊ ዘሎ ግጉይ ርድኢት

 ግጉይ ርድኢት፦ “ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” ዚብል ሕጊ እምብዛ ኸቢድ እዩ።

 ሓቂ፦ እቲ ሕጊ፡ ኣፈጻጽማ እቲ ፍትሒ ኸቢድን ሕሱምን ኪኸውን ስልጣን ዚህብ ኣይነበረን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብግቡእ እንተ ተዓይዩሉ፡ ብቕዓት ዘለዎም ፈራዶ እዮም ንበዳሊ ግቡእ መቕጻዕቲ ዚቐጽዕዎ ነይሮም፣ ንሳቶም እውን ነቲ ጕዳይ ድሕሪ ምርኣዮምን እቲ በደል ክሳዕ ክንደይ ደይ መደይ ኢልካ ኸም እተገብረ ድሕሪ ምምርማሮምን እዮም መቕጻዕቲ ዚውስኑ ነይሮም። (ዘጸኣት 21:28-30፣ ዘሁልቍ 35:22-25) እምበኣር፡ እቲ “ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” ዚብል ሕጊ፡ ሚዛኑ ዘይሓለወ መቕጻዕቲ ኸይውሃብ ዚኽልክል እዩ ነይሩ።

 ግጉይ ርድኢት፦ “ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” ዚብል ሕጊ፡ መወዳእታ ዘይብሉ ዓንኬል ምፍዳይ ሕነ ይፈቅድ እዩ።

 ሓቂ፦ ሕጊ ሙሴ፡ “ኣብ ልዕሊ ደቂ ህዝብኻ ሕነ ኣይትፍደን ኣይትቀየምን” ይብል እዩ። (ዘሌዋውያን 19:18) ሰባት ብውልቂ ሕነ ኺፈድዩ ኣብ ክንዲ ዚፈቅድ፡ ኣብ ኣምላኽን ኣብቲ ንሱ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ በደል ዝሰርዖ ስርዓትን እምንቶ ኼሕድሩ እዩ ዜተባብዕ ነይሩ።—ዘዳግም 32:35

a እዚ ሓድሓደ ብላቲን ለክስ ታሊዮኒስ ብዚብል ቃላት ዚጽዋዕ መሰረታዊ ሕጊ እዚ፡ ኣብ ሕጋዊ ስርዓት ገሊኦም ናይ ጥንቲ ሕብረተ ሰባት እውን ተንጸባሪቑ ነይሩ እዩ።