ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ኣብ ቱሪን ዘሎ መግነዝ፡ የሱስ እተገንዘሉ ድዩ፧

እቲ ኣብ ቱሪን ዘሎ መግነዝ፡ የሱስ እተገንዘሉ ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 እቲ ኣብ ቱሪን ዘሎ መግነዝ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ኣይርከብን እዩ። የሱስ ክርስቶስ እተገንዘሉ መግነዝ፡ ዓለባ በፍታ ኸም ዝነበረ እዩ ዚእመነሉ። ስለዚ፡ ገሊኦም ነቲ መግነዝ ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ቕዱስ ቅርስታት ህዝበ ክርስትያን ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ኣብ ቱሪን፡ ኢጣልያ ኣብ ዚርከብ ካቴድራል፡ ብልዑል ተክኖሎጂ ኣብ ዚሕሎ መቐመጢ እተነብረ መግነዝ ኣሎ።

 ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ቱሪን ዘሎ መግነዝ ይድግፎ ድዩ፧ ኣይፋልን።

 እዚ መግነዝ እዚ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ ዘሎ ዘይተቓደወሉ ሰለስተ መዳይ እስከ ንርአ።

  1.   እቲ መግነዝ 442 ሰንቲሜተር ዝንውሓቱ 113 ሰንቲሜተር ዝጐድኑ ዀይኑ፡ 8 ሰንቲሜተር ትልታል ከኣ ብንውሓቱ እተሰፍየሉ ሓደ ዓለባ እዩ።

     መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ ሬሳ የሱስ ብሓደ ዓለባ ኣይኰነን ተገኒዙ፣ የግዳስ፡ ብዓለባታት እዩ ተገኒዙ። ርእሱ ንበይኑ እዩ ተገኒዙ። የሱስ ምስ ተንስአ፡ ሓደ ኻብ ሃዋርያቱ ናብቲ ጥራዩ መቓብር ከይዱ እዩ፣ ብዛዕባ ሽዑ ድማ፡ “ነቲ በፍታ . . . ተነቢሩ ረኣዮ” ዚብል ነንብብ ኢና። እታ “በፍታ” ተባሂላ እተተርጐመት በዅሪ ቓል ንብዙሕ እያ እተመልክት፣ ብሓፈሻኡ ድማ ንዓለባታት ወይ ንኣጭርቕቲ ተመልክት። መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ጨርቂ ኸኣ፡ ንበይኑ ተጠቕሊሉ ነበረ እምበር፡ ምስቲ ኻልእ መግነዝ ኣይነበረን።”—ዮሃንስ 20:6, 7

  2.   እቲ መግነዝ ብደም እተጸየቐ እዩ፣ እቲ ደም ከኣ ኣብ ዘይተሓጽበ ሬሳ ዝነበረ ደም ከም ዝዀነ ይእመነሉ።

     መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ የሱስ ምስ ሞተ፡ ደቀ መዛሙርቱ ንሬሳኡ፡ “ከምቲ ኣይሁድ ንቐብሪ ንምድላው ዝነበሮም ልምዲ” ገይሮም እዮም ገኒዞምዎ። (ዮሃንስ 19:39-42) እዚ ልምዲ እዚ ኸኣ ንሬሳ ቕድሚ ቐብሪ ምሕጻብ፡ ዘይትን ሽቱን እውን ምልካይ የጠቓልል። (ማቴዎስ 26:12፣ ግብሪ ሃዋርያት 9:37) ስለዚ፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንሬሳ የሱስ ቅድሚ ምግናዞም፡ ሓጺቦምዎ ኪዀኑ ኣለዎም።

  3.   እቲ መግነዝ ምስሊ ሰብ ዝሓዘ እዩ፣ ‘እቲ መግነዝ ከም እተነጽፈ እሞ ኣብ ልዕሊኡ ሬሳ ምስ ተነብሮ፡ ብልዕሊ ርእሱ ተዓጺፉ ንቕድሚት ሸነኽ ሰብነት ከም ዝሸፈኖ’ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ይሕብር።

     መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብዛዕባ ሞት የሱስን ብዛዕባ እቲ ጥራዩ ዝጸንሖም መቓብሩን ብዛዕባ እቲ “መላእኽቲ ብራእይ” ንኣንስቲ እተራእዩሉ ኣጋጣምን ተዛራሪቦም እዮም። (ሉቃስ 24:15-24) እዚ እተጠቕሰ መግነዝ ምስ ምስሉ ኣብ መቓብር የሱስ እንተ ዚጸንሖም ነይሩ፡ ብርግጽ ምተዛራረቡሉ ነይሮም። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኸምዚ ዝበለ ዝርርብ ኣይገልጽን እዩ።

እቲ መግነዝ ፍሉይ ኣኽብሮት ይግብኦ ድዩ፧

 ኣይፋልን። ብሓቂ የሱስ እተገንዘሉ እንተ ዚኸውን እውን፡ ንዕኡ ፍሉይ ኣኽብሮት ምሃብ ጌጋ እዩ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዚብል እስከ ንርአ።

  1.   ዘየድሊ እዩ። የሱስ፡ “ኣምላኽ መንፈስ እዩ፣ እቶም ዜምልኽዎ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኬምልኽዎ ይግብኦም” ኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 4:24) ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ፡ ሃይማኖታዊ ቕርስታት ወይ ምስልታት ቦታ የብሉን።

  2.   ክልኩል እዩ። ብመሰረት እተን ዓሰርተ ትእዛዛት፡ ኣምልኾ ጣኦት ክልኩል እዩ። (ዘዳግም 5:6-10) ኣብ ርእሲ እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት፡ “ደቀየ፡ ካብ ጣኦታት ተሓለዉ” ኢሉ ይእዝዞም እዩ። (1 ዮሃንስ 5:21) ገሊኦም ሰባት ነቲ መግነዝ ከም ምስሊ ወይ ምልክት ሃይማኖታዊ እምነቶም ደኣ እምበር፡ ከም ጣኦት ገይሮም ኣይርእይዎን እዮም። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ሃይማኖታዊ ምስሊ ነቲ ፍሉይ ኣኽብሮት ዚህቦ ሰብ፡ ጣኦት እዩ ዚዀኖ። a ስለዚ፡ ንኣምላኽ ባህ ኬብል ዚድሊ ሰብ፡ ንዝዀነ ይኹን ነገር፡ እንተላይ ንመግነዝ ፍሉይ ተወፋይነት ወይ ኣኽብሮት ኣይህብን እዩ።

a ጣኦት ኪብሃል ከሎ፡ ሰባት ፍሉይ ተወፋይነት ዚህብዎ ምስሊ ወይ ምልክት እዩ።