ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ድዩ ዚርከብ፧

ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ድዩ ዚርከብ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ኣምላኽ ንዅሉ ነገር ኪርእን ኣብ ዝደለዮ ቦታ ስጕምቲ ኺወስድን ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 15:3፣ እብራውያን 4:13) ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ቦታን ኣብ ኵሉ ነገርን ከም ዚርከብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይምህርን እዩ። የግዳስ፡ ኣካል ከም ዝዀነን ኣብ ሓደ መንበሪ ቦታ ኸም ዚነብርን እዩ ዚገልጽ።

  •   መልክዕ ኣምላኽ፦ ኣምላኽ መንፈሳዊ ኣካል እዩ ዘለዎ። (ዮሃንስ 4:24) ሰባት ኪርእይዎ ኣይክእሉን እዮም። (ዮሃንስ 1:18) ኵሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጽ ራእያት፡ ኣምላኽ ፍሉይ ቦታ ኸም ዘለዎ እዩ ዚሕብር። ኣብ ኵሉ ቦታ ኸም ዚነብር ገይሩ ተገሊጹ ኣይፈልጥን እዩ።—ኢሳይያስ 6:1, 2፣ ራእይ 4:2, 3, 8

  •   መንበሪ ኣምላኽ፦ ኣምላኽ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም እዩ ዚነብር፣ እዚ ኻብቲ ግኡዝ ፍጥረታት ኣዝዩ እተፈልየ እዩ። ኣምላኽ ኣብዚ መንፈሳዊ ዓለም እዚ፡ ‘ኣብ ሰማያት ዚነብረሉ ቦታ’ ኣለዎ። (1 ነገስት 8:30) መጽሓፍ ቅዱስ፡ መንፈሳውያን ፍጡራት ‘ኣብ ቅድሚ የሆዋ a ዝቘሙሉ’ ኣጋጣሚ ኸም ዝነበረ ይጠቅስ እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣምላኽ ኣብ እተወሰነ ቦታ ኸም ዚነብር የርኢ።—እዮብ 1:6

ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ዚነብር እንተ ዘይኰይኑ፡ ብሓቂዶ ንዓይ ብብሕቲ ኺሓልየለይ ይኽእል እዩ፧

 እወ። ኣምላኽ ንውልቀ ሰባት ኣጸቢቑ ይሓልየሎም እዩ። ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ዚነብር እኳ እንተ ዀነ፡ ነቶም ብሓቂ ባህ ኬብልዎ ዚደልዩ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሰባት የስተብህለሎምን ምእንታኦም ስጕምቲ ይወስድን እዩ። (1 ነገስት 8:39፣ 2 ዜና መዋእል 16:9) የሆዋ ነቶም ቅኑዓት ኣምለኽቱ ዘለዎ ሓልዮት ብኸመይ ከም ዜርኢ እስከ ርአ፦

  •   ክትጽሊ ኸለኻ፦ የሆዋ ንእተቕርቦ ጸሎት ብኡብኡ ኺሰምዖ ይኽእል እዩ።—2 ዜና መዋእል 18:31

  •   ክትጭነቕ ከለኻ፦ “የሆዋ ነቶም ስቡር ዝልቦም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም መንፈሶም እተደቝሰ ኸኣ የድሕኖም።”—መዝሙር 34:18

  •   መምርሒ ኽትደሊ ኸለኻ፦ የሆዋ በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ፡ ‘ልቦና ኺህበካን ኪምህረካን’ እዩ።—መዝሙር 32:8

ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎ ግጉይ ምርዳእ

 ግጉይ ርድኢት፦ ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ፍጥረት ይርከብ እዩ።

 ሓቂ፦ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዀነ ኣብ ዝዀነ ኽፋል ግኡዝ ዩኒቨርስ ኣይነብርን እዩ። (1 ነገስት 8:27) ሓቂ እዩ፡ ከዋኽብትን ካልኦት ፍጥረታትን፡ ‘ክብሪ ኣምላኽ ይነግሩ’ እዮም። (መዝሙር 19:1) ግናኸ፡ ልክዕ ከምቲ ሓደ ሰኣሊ ኣብ ስእልታቱ ዘይነብር፡ ኣምላኽ እውን ኣብ ፍጥረታቱ ኣይነብርን እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ስእሊ ብዛዕባ ሰኣሊኡ ገለ ነገር ኪነግረና ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ዚርአ ፍጥረታት ብዛዕባ እቲ ንሓይልን ንጥበብን ንፍቕርን ዜጠቓልል ‘ዘይርአ ባህርያት’ ፈጣሪ ይነግረና እዩ።—ሮሜ 1:20

 ግጉይ ርድኢት፦ ኣምላኽ ኵሉ ዚፈልጥን ኵሉ ዚኽእልን ኪኸውን እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ኵሉ ዚርከብ ኪኸውን ኣለዎ።

 ሓቂ፦ መንፈስ ኣምላኽ፡ ወይ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ስጕምቲ ዚወስደሉ ሓይሊ እዩ። ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ዅሉ ነገር ኪፈልጥ፡ ኣብ ዝዀነ ቦታን ግዜን ድማ ዝደለዮ ኺገብር ይኽእል እዩ፣ ነዚ ንምግባር ኣብቲ ቦታ ብኣካል ኪርከብ ኣየድልዮን እዩ።—መዝሙር 139:7

 ግጉይ ርድኢት፦ መዝሙር 139:8፡ “ናብ ሰማይ እንተ ዝድይብ፡ ንስኻ ኣብኡ ምሃለኻ፣ ኣብ መቓብር ዓራተይ እንተ ዘንጽፍ እውን፡ እንሆ፡ ንስኻ ኣብኡ ምሃለኻ” ስለ እትብል፡ ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ዚርከብ ምዃኑ እያ እትምህር።

 ሓቂ፦ እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ዚርከበሉ ቦታ ኣይኰነትን እትዛረብ ዘላ። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ገይራ ኣምላኽ ምእንታና ስጕምቲ ንምውሳድ፡ ኪበጽሖ ዘይክእል ቦታ ኸም ዘየልቦ እያ እትምህር።

a የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።