ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታቦት ኪዳን እንታይ እዩ፧

ታቦት ኪዳን እንታይ እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ታቦት ኪዳን፡ ጥንታውያን እስራኤላውያን ብመሰረት እቲ ኣምላኽ ዝሃቦም መምርሕን ንድፍን ዝሰርሕዎ ቕዱስ ሳጹን እዩ ነይሩ። እቲ “ምስክር፡” ማለት እቲ ኣብ ክልተ ጽላት እምኒ እተጻሕፈ ዓሰርተ ትእዛዛት ድማ ኣብኡ ተነቢሩ ነይሩ።—ዘጸኣት 25:8-10, 16፣ 31:18

  •   ኣሰራርሓኡ። እቲ ታቦት፡ ንውሓቱ 2.5 እመት፡ ግፍሑ ኸኣ 1.5 እመት፡ ቍመቱ ድማ 1.5 እመት (111 x 67 x 67 ሰ.ሜ.) እዩ ነይሩ። ካብ ዕንጨይቲ ሰራው እተሰርሐ ዀይኑ፡ ውሽጡን ግዳሙን ብወርቂ እተለበጠን ብውሕሉል መገዲ እተገብረ መኽፈፍ ዝነበሮን እዩ ነይሩ። እቲ መኽደኒ ኻብ ወርቂ እዩ ተሰሪሑ፣ ኣብ ክልቲኡ ወሰኑ ኸኣ ካብ ወርቂ እተገብሩ ኽልተ ኪሩቤል ነይሮምዎ። ገጾም ናብቲ መኽደኒ ኣቢሉ ፊት ንፊት እዮም ነይሮም፣ ኣኽናፎም ድማ ናብ ላዕሊ ኣቢሎም ብምዝርጋሕ ነቲ መኽደኒ ብኣኽናፎም የጽልልዎ ነይሮም። እቲ ታቦት፡ ኣብ ልዕሊ እግሩ ኣርባዕተ ቐለቤት ወርቂ ነይርዎ። ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ተሰሪሑ ብወርቂ እተለበጠ ዘንግታት ድማ ኣብቲ ቐላብቲ ይኣቱ እሞ ነቲ ታቦት ንምጻር የገልግል ነይሩ።—ዘጸኣት 25:10-21፣ 37:6-9

  •   ቦታ። እቲ ታቦት፡ ፈለማ ቕድስተ ቕዱሳን ኣብ እትብሃል ኣብቲ ማሕደር እትርከብ ክፍሊ እዩ ተነቢሩ ነይሩ። እቲ ማሕደር ድማ ምስቲ ታቦት ኣብ ሕደ እዋን እተሰርሐ ዀይኑ፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኺግዕዝ ዚኽእል ድንኳን ኣምልኾ እዩ ነይሩ። ቅድስተ ቕዱሳን፡ ካህናት ኰኑ ህዝቢ ምእንቲ ኸይርእይዎ እተጋረደ እዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 40:3, 21) ሊቀ ኻህናት ጥራይ እዩ ኣብ መዓልቲ ዕርቂ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ናብዛ ኽፍሊ እዚኣ ዚኣቱን ነቲ ታቦት ዚርእዮን ነይሩ። (ዘሌዋውያን 16:2፣ እብራውያን 9:7) ድሕሪ ግዜ፡ እቲ ታቦት ናብ ቅድስተ ቕዱሳን እታ ብሰሎሞን እተሃንጸት ቤተ መቕደስ ግዒዙ እዩ።—1 ነገስት 6:14, 19

  •   ዕላማ። እቲ ታቦት ንእስራኤላውያን፡ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ከረን ሲና ምሳታቶም ዝኣተዎ ኺዳን ወይ ውዕል ዜዘኻኽሮም ቅዱስ ነገራት እተዓቝረሉ ሳጹን እዩ ነይሩ። ኣብ መዓልቲ ዕርቂ ድማ ኣገዳሲ ግደ ነይርዎ እዩ።—ዘሌዋውያን 16:3, 13-17

  •   ትሕዝቶ። መጀመርታ ኣብቲ ታቦት ዝኣተወ፡ እቲ ዓሰርተ ትእዛዛት እተቐርጾ ኽልተ ጽላት እምኒ እዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 40:20) ጸኒሑ ድማ፡ ማና ዝሓዘት ፍዮ ወርቅን “ዝጠጥዐት በትሪ ኣሮንን” ተወሲኽዎ እዩ። (እብራውያን 9:4፣ ዘጸኣት 16:33, 34፣ ዘሁልቍ 17:10) ድሕሪ ግዜ፡ እታ ፍዮን እታ በትርን ካብኡ ተኣልየን ኪዀና ኣለወን፣ ከመይሲ፡ እቲ ታቦት ናብ ቤተ መቕደስ ኪግዕዝ ከሎ ኣብኡ ኣይነበራን።—1 ነገስት 8:9

  •   መጐዓዝያ። ሌዋውያን በቲ ኻብ ዕንጨይቲ ሰራው እተሰርሐ ዘንግታት ገይሮም ነቲ ታቦት ኣብ መንኵቦም ይጾርዎ ነይሮም። (ዘሁልቍ 7:9፣ 1 ዜና መዋእል 15:15) እቶም ሌዋውያን ነቲ ታቦት ምእንቲ ኸይትንክይዎ፡ እቲ ዘንግታት ካብቲ ታቦት ፈጺሙ ኣይፍለን እዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 25:12-16) እቲ ንቕድስትን ንቕድስተ ቕዱሳንን ዚፈላሊ ዝነበረ “ዚጋርድ መጋረጃ” ድማ፡ እቲ ታቦት ኣብ ዚጽወረሉ እዋን ነቲ ታቦት ንምኽዳኑ ይጠቅም ነይሩ።—ዘሁልቍ 4:5, 6 a

  •   ምልክት። እቲ ታቦት፡ ኣምላኽ ኣብኡ ኸም ዘሎ ዚሕብር እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ እቲ ኣብ ቅድስተ ቕዱሳን ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦትን ኣብ ሰፈር እስራኤላውያንን ዚርአ ዝነበረ ደበና፡ ምልክት ህላወን በረኸትን ኣምላኽ እዩ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 16:2፣ ዘሁልቍ 10:33-36) ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ኣብ መኽደን እቲ ታቦት ዝነበሩ ኽልተ ኪሩቤል ኣመልኪቱ፡ የሆዋ “ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ኣብ ዝፋን ዚቕመጥ” ምዃኑ ይገልጽ እዩ። (1 ሳሙኤል 4:4፣ መዝሙር 80:1) ስለዚ፡ እዞም ኪሩቤል እዚኦም ‘ምስሊ ሰረገላ’ የሆዋ እዮም ነይሮም። (1 ዜና መዋእል 28:18) ንጉስ ዳዊት፡ እቲ ታቦት ንምንታይ ከም ዜመልክት ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ታቦት ናብ ጽዮን ምስ ገዓዘ፡ የሆዋ ‘ኣብ ጽዮን ከም ዚቕመጥ’ ኪጽሕፍ ክኢሉ እዩ።—መዝሙር 9:11

  •   ስያመታት። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ቕዱስ ሳጹን እዚ ብእተፈላለየ ስያመታት ይጽውዖ እዩ፣ ገለ ኻብዚ፡ “ታቦት ምስክር፡” “ታቦት ኪዳን፡” ‘ታቦት የሆዋ፡’ “ታቦት ብርታዐኻ [ብርታዐ የሆዋ]” ዚብል እዩ።—ዘሁልቍ 7:89፣ እያሱ 3:6, 13፣ 2 ዜና መዋእል 6:41

     መኽደን ታቦት፡ “መኽደን መተዓረቒ” ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ። (1 ዜና መዋእል 28:11) እዚ ስያመ እዚ፡ ነቲ እዚ መኽደን ኣብ መዓልቲ ዕርቂ ዝነበሮ ፍሉይ ኣገልግሎት እዩ ዜመልክት፣ ኣብ መዓልቲ ዕርቂ፡ ሊቀ ኻህናት እስራኤል ንደም እቶም እተሰውኡ እንስሳታት ናብቲ መኽደንን ኣብ ቅድሚ እቲ መኽደንን ይነጽጎ ነይሩ እዩ። እዚ ሊቀ ኻህናት ዚገብሮ ዝነበረ ነገራት፡ “ንርእሱን ንቤቱን ንብዘሎ ጉባኤ እስራኤልን” ዜተዓርቕ፡ ወይ ድማ ንሓጢኣቶም ዚኸድን እዩ ነይሩ።—ዘሌዋውያን 16:14-17

ታቦት ኪዳን ሎሚ ኣሎ ድዩ፧

 ታቦት ኪዳን ከም ዘሎ ዜረጋግጽ መርትዖ የልቦን። መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ታቦት ደጊም ኣድላዪ ኸም ዘይኰነ ይሕብር እዩ፣ ከመይሲ፡ እቲ ምስኡ ዚተኣሳሰር ኪዳን በቲ ኣብ መስዋእቲ የሱስ እተመስረተ “ሓድሽ ኪዳን” ተተኪኡ እዩ። (ኤርምያስ 31:31-33፣ እብራውያን 8:13፣ 12:24) በዚ ምኽንያት እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ታቦት ኪዳን ዘይህልወሉ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ድማ ዘየድልየሉ እዋን ከም ዚመጽእ ተነብዩ እዩ።—ኤርምያስ 3:16

 ሓድሽ ኪዳን ድሕሪ ምቛሙ ንሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ እተዋህቦ ራእይ፡ ታቦት ኪዳን ኣብ ሰማይ ተራእዩ እዩ። (ራእይ 11:15, 19) እዚ ምሳልያዊ ታቦት እዚ፡ ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ህላወን በረኸትን ኣምላኽ ከም ዘሎ ዜመልክት እዩ።

እቲ ታቦት፡ ዓወት ዜምጽእ ልዕለ ባህርያዊ ሓይሊ ነይርዎ ድዩ፧

 ኣይፋልን። ታቦት ምውናን ጥራይ ዓወት ከም እትረክብ ዚገብር ኣይነበረን። ንኣብነት፡ እስራኤላውያን ምስ ከተማ ዓይ ኪዋግኡ ኸለዉ እቲ ታቦት ኣብቲ ሰፈሮም እኳ እንተ ነበረ፡ ብሰሪ ዘይተኣማንነት ሓደ እስራኤላዊ ግና ስዕረት ኣጋጢምዎም እዩ። (እያሱ 7:1-6) ጸኒሖም ምስ ፍልስጥኤማውያን ኪዋግኡ ኸለዉ ድማ ነቲ ታቦት ናብቲ ዓውደ ውግእ እኳ እንተ ወሰድዎ፡ ተሳዒሮም እዮም። ብሰንኪ እቲ ሆፍኒን ፊንሃስን ዚብሃሉ ኻህናት እስራኤል ዝፈጸምዎ እኩይ ተግባራት ከኣ እዮም ተሳዒሮም። (1 ሳሙኤል 2:12፣ 4:1-11) እቶም ፍልስጥኤማውያን ኣብቲ ውግእ ነቲ ታቦት ማሪኾምዎ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣምላኽ ግና ናብ እስራኤል ክሳዕ ዚመልስዎ ብመዓት ወቒዕዎም እዩ።—1 ሳሙኤል 5:11–6:5

ታሪኽ ታቦት ኪዳን

ዓመት (ቅ.ክ.)

ፍጻመ

1513

በሳልኤልን ሓገዝቱን በቲ እስራኤላውያን ዝወፈይዎ ነገራት ገይሮም ሰሪሖምዎ።—ዘጸኣት 25:1, 2፣ 37:1

1512

እቲ ታቦት፡ ምስኡ ድማ እቲ ማሕደርን ስርዓት ክህነትን ብሙሴ ተመሪቑ።—ዘጸኣት 40:1-3, 9, 20, 21

1512—ድሕሪ 1070

ናብ እተፈላለየ ቦታታት ግዒዙ።—እያሱ 18:1፣ መሳፍንቲ 20:26, 27፣ 1 ሳሙኤል 1:24፣ 3:3፣ 6:11-14፣ 7:1, 2

ድሕሪ 1070

ንጉስ ዳዊት ናብ የሩሳሌም ኣምጺእዎ።—2 ሳሙኤል 6:12

1026

ኣብ የሩሳሌም ናብ ዝነበረት ቤተ መቕደስ ሰሎሞን ግዒዙ።—1 ነገስት 8:1, 6

642

ንጉስ ዮስያስ ናብ ቤተ መቕደስ መሊስዎ።—2 ዜና መዋእል 35:3 b

ቅድሚ 607

ካብ ቤተ መቕደስ ወጺኡ። እታ ቤተ መቕደስ ብ607 ድ.ክ. ክትዓኑ ኸላ ናብ ባቢሎን ምስ እተወስደ ዝርዝር ኣቓሑ፡ ወይ እውን ምስቲ ጸኒሑ ናብ የሩሳሌም እተመልሰ ነገራት ኣይተጠቕሰን።—2 ነገስት 25:13-17፣ እዝራ 1:7-11

63

ሮማዊ ጀነራል ፖምፐይ ንየሩሳሌም ምስ ወረራን ንቕድስተ ቕዱሳን እታ ቤተ መቕደስ ምስ መርመሮን ነቲ ታቦት ከም ዘይረኸቦ ገሊጹ። c

a እስራኤላውያን ነቲ ንምጕዕዓዝን ንምኽዳንን እቲ ታቦት ዚምልከት ሕጊ ኣምላኽ ኪጥሕስዎ ኸለዉ ሕማቕ ሳዕቤን ይዓጽዱ ነይሮም እዮም።—1 ሳሙኤል 6:19፣ 2 ሳሙኤል 6:2-7

b መጽሓፍ ቅዱስ መዓስን ስለምንታይን ብመንን ካብቲ ቤተ መቕደስ ከም ዝወጸ ኣይሕብርን እዩ።

c ኣብታ ብታሲተስ እተጻሕፈት ዘ ሂስቶሪስ እትብሃል መጽሓፍ፡ መጽሓፍ 5፡ ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ።