ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቝጥዓ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቝጥዓ እንታይ ይብል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዘይ ቍጽጽር ዚፍኖ ቝጥዓ ነቲ ዚቝጣዕ ኰነ ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ጐዳኢ ኸም ዝዀነ ይምህር እዩ። (ምሳሌ 29:22) ሓድሓድ እዋን ምቝጣዕ ግቡእ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ብቐጻሊ “ቝጥዓ” ዘለዎም ሰባት ከም ዘይድሕኑ ግና መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ገላትያ 5:19-21) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንቝጥዓና ምእንቲ ኽንቈጻጸሮ ዚሕግዘና ስርዓታት ሒዙ ኣሎ።

 ቍጥዓ ወትሩ ጌጋ ድዩ፧

 ኣይኰነን። ቍጥዓ ግቡእ ዚዀነሉ ዅነታት ኣሎ። ንኣብነት ነህምያ፡ ኣይሁድ ብጾቱ ይግፍዑ ኸም ዘለዉ ምስ ሰምዐ፡ “ኣዝየ ተቘጣዕኩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።—ነህምያ 5:6

 ኣብ ገሊኡ እዋን፡ ኣምላኽ እውን ይቝጣዕ እዩ። ንኣብነት፡ እቶም ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቡ፡ ነቲ ንዕኡ ንበይኑ ኼምልኹ ዝኣተዉዎ ኪዳን ሓዲጎም ካልኦት ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ምስ ኣምለኹ፡ “ቍጥዓ የሆዋ” ኣባታቶም ነዲዱ እዩ። (መሳፍንቲ 2:13, 14) ይኹን እምበር፡ ቍጥዓ ዓብላሊ ባህርይ የሆዋ ኣምላኽ ኣይኰነን። ከመይሲ፡ የሆዋ እኹል ምኽንያት ኪህልዎ ኸሎ ጥራይ እዩ ዚቝጣዕ፡ ንቝጥዓኡ ድማ ይቈጻጸሮ እዩ።—ዘጸኣት 34:6፣ ኢሳይያስ 48:9

 ቍጥዓ ጌጋ ዚኸውን መዓስ እዩ፧

 ንቝጥዓና ምስ ዘይንቈጻጸሮን ብዘይ እኹል ምኽንያት ምስ እንቝጣዕን፡ ቍጥዓና ጌጋ ይኸውን። እዚ ድማ ኣብ ዘይፍጹም ሰባት ዚርአ ጸገም እዩ። ንኣብነት፦

  •   ኣምላኽ ንመስዋእቲ ቃየል ምስ ነጸጎ፡ ቃየል፡ “ኣዝዩ ተቘጥዐ።” ብቝጥዓ ስለ ዝነደደ ድማ፡ ንሓዉ ቐተሎ።—ዘፍጥረት 4:3-8

  •   ነብዪ ዮናስ፡ ኣምላኽ ንሰብ ነነዌ ኸም ዝመሓሮም ምስ ረኣየ፡ ‘ብቝጥዓ ነደደ።’ ኣምላኽ ንዮናስ፡ “ኣመና ምቝጣዕካስ ግቡእ ድዩ፧” ኢሉ ድሕሪ ምሕታት፡ ነቶም እተነስሑ ሓጥኣን ኪርሕርሓሎም ከም ዚግባእ ብምንጋር ኣረሞ።—ዮናስ 3:10–4:1, 4, 11 a

 እዚ ኣብነታት እዚ፡ ንሓቅነት እቲ፡ “ቍጥዓ [ዘይፍጹም] ሰብ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ” ዚብል ቃላት ዜረጋግጽ እዩ።—ያእቆብ 1:20

 ንቝጥዓኻ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፧

  •   ቍጥዓኻ ዘይምቍጽጻር ንዜስዕቦ ሓደጋ ተገንዘቦ። ገሊኦም ሰባት ቍጥዓ ምፍናው፡ ምልክት ብርታዐ ኸም ዝዀነ ይሓስቡ እዮም። ከም ሓቂ ግና፡ ከቢድ ድኽመት ዘለዎ ሰብ ጥራይ እዩ ቝጥዓኡ ኺቈጻጸር ዘይክእል። “ስምዒቱ ኺቈጻጸር ዘይክእል ሰብሲ፡ መካበብያ ኸም ዘይብላ ዝፈረሰት ከተማ እዩ።” (ምሳሌ 25:28፣ 29:11) ንቝጥዓና ምስ እንቈጻጸሮ ግና፡ ናይ ሓቂ ብርታዐን ምስትውዓልን ከም ዘሎና ኢና እነርኢ። (ምሳሌ 14:29) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንቝጥዓ ደንጓዪ፡ ካብ ጅግና . . . ይበልጽ” ይብል እዩ።​—ምሳሌ 16:32

  •   ጸኒሑ ዜጣዕሰካ ነገር ቅድሚ ምግባርካ፡ ቍጥዓኻ ተቘጻጸር። መዝሙር 37:8፡ “ቍጥዓ ሕደግ፡ ነድሪ ድማ ግደፍ፣ ሓሪቕካ እከይ ኣይትግበር” ትብል። ስለዚ፡ ዜቘጥዕ ነገር ምስ ዜጋጥመና፡ “እከይ” ምእንቲ ኸይንገብር፡ ቍጥዓና ኽንሓድጎ ንኽእል ኢና። ኤፌሶን 4:26 እውን “ተቘጥዑ፡ ግናኸ ኣይትሕጥኡ” ይብለና እዩ።

  •   ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ ቍጥዓ ኸይተላዕለ ኸሎ ርሓቕ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምጅማር ባእሲ ኸም ምኽፋት ኣፍ ደገ ውሒዝ እዩ፣ ቈየቛ ኸይተላዕለ ርሓቕ” ይብል። (ምሳሌ 17:14) ንፍልልያት ቀልጢፍካ ምድቃስ ጥበባዊ እኳ እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ብርግኣት ንምዝርራብ ግና ፈለማ ኽልቴኹም ክትሃድኡ ኣሎኩም።

  •    ቅኑዕ ሓበሬታ ይሃሉኻ። ምሳሌ 19:11፡ “ልቦና ንሰብ፡ ብርግጽ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይገብሮ” ትብል። ስለዚ፡ ኣብ መደምደምታ ቕድሚ ምብጻሕካ፡ እተማልአ ሓበሬታ ይሃሉኻ። ነቲ ጕዳይ ብዅሉ ሸነኹ ምስ እንምርምሮ፡ ብዘይ እኹል ምኽንያት ኣይንቝጣዕን ኢና።—ያእቆብ 1:19

  •    ናይ ኣእምሮ ሰላም ክትረክብ ጸሊ። ጸሎት ነቲ፡ “ካብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም” ኪህበካ ይኽእል እዩ። (ፊልጲ 4:7) ሓደ ኻብቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ እንረኽበለሉ ቐንዲ መገድታት ጸሎት እዩ፣ መንፈስ ቅዱስ ከኣ፡ ከም ሰላም፡ ዓቕሊ፡ ርእሰ ግትኣት ዝኣመሰለ ባህርያት ከነጥሪ ይሕግዘና እዩ።—ሉቃስ 11:13፣ ገላትያ 5:22, 23

  •   መዋዕልትኻ ተጠንቂቕካ ምረጽ። መብዛሕትኡ እዋን ከም መዋዕልትና ኽንከውን ኢና እንጽዕር። (ምሳሌ 13:20፣ 1 ቈረንቶስ 15:33) ስለዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምስ ቍጡዕ ሰብ ኣይትሕበር፣ ምስ ነዳሪ ድማ ኣይትቀራረብ። መገድታቱ ኸይትምሃር፡ ንርእስኻ ኸኣ ከይተፈንጥራስ፡ ከምኡ ኣይትግበር” ኢሉ ዜጠንቅቐና።—ምሳሌ 22:24, 25

a ዮናስ ነቲ እተዋህቦ መአረምታ ብምቕባል ካብ ቍጥዓኡ ተመሊሱ ኪኸውን ኣለዎ። ከመይሲ፡ ኣምላኽ ንዕኡ፡ ነታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ብስሙ እትጽዋዕ መጽሓፍ ኪጽሕፍ ተጠቒሙሉ እዩ።