ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ብዛዕባ ስነ ጥዕና ዝሃቦ ሕግታት ቅድሚ ዘመኑ እዩ ነይሩ

ኣምላኽ ብዛዕባ ስነ ጥዕና ዝሃቦ ሕግታት ቅድሚ ዘመኑ እዩ ነይሩ

 ኣስታት 35 ዘመን ይገብር ህዝቢ እስራኤል ናብ ምድሪ ተስፋ ቐቅድሚ ምእታዎም፡ ኣምላኽ ካብቲ ኣብ ግብጺ ዚፈልጥዎ “ኽፉእ ሕማማት” ከም ዜዕቍቦም ነጊርዎም እዩ። (ዘዳግም 7:15) ሓደ ኻብቲ ኸምኡ ዝገበረሉ መገዲ ድማ፡ ብዛዕባ ቝጽጽር ሕማማትን ስነ ጥዕናን ዝርዝር መምርሒ ብምሃብ እዩ። ንኣብነት፦

  •   ነቲ ህዝቢ እተዋህበ ሕግታት፡ ሰብነቶምን ክዳውንቶምን ኪሓጽቡ ይእዝዝ ነይሩ።—ዘሌዋውያን 15:4-27

  •   ብዛዕባ ቐልቀል ድማ፡ ኣምላኽ ከምዚ ኢልዎም ነይሩ፦ “ኣብ ወጻኢ ሰፈር፡ ደገ እትወጸሉ ብሑት ቦታ ይሃሉኻ። ምስ መሳርሒኻ ድማ ሓንካሾ ሓዝ። ኣብ ወጻኢ ኾፍ ምስ በልካ፡ ብእኡ ጕድጓድ ኵዓት፡ ነቲ ቐልቀልካ ኸኣ መሊስካ ኽደኖ።”—ዘዳግም 23:12, 13

  •   ተመሓላላፊ ሕማም ዘለዎም ሰባት ይውሸቡ፡ ማለት ንእተወሰነ ግዜ ኻብ ካልኦት ይፍለዩ ነይሮም እዮም። እቶም ካብ ሕማሞም ዝሓወዩ ናብቲ ህዝቢ ቕድሚ ምሕዋሶም ከኣ፡ ክዳውንቶምን ሰብነቶምን ብማይ ኪሕጸቡ ነይርዎም፣ ድሕሪኡ እዮም ‘ዚነጽሁ።’—ዘሌዋውያን 14:8, 9

  •   ሬሳ ዝተንከየ ዘበለ ኺውሸብ ነይርዎ።—ዘሌዋውያን 5:2, 3፣ ዘሁልቍ 19:16

 ሕግታት እስራኤላውያን ምስቲ ሽዑ ብዛዕባ ሕክምናን ጽሬትን ዝነበረ ኣረኣእያ ኺነጻጸር ከሎ፡ ቅድሚ ዘመኑ እዩ ነይሩ።

 ኣብ ካልእ ዓድታት፡ ዘይስልጡን ኣገባብ ስነ ጥዕና እዩ ዚዝውተር ነይሩ። ንኣብነት፦

  •   ኣብ ጐደናታት ብዙሕ ርስሓት ይእከብ ነይሩ። እተበከለ ማይን እተመረዘ ምግብን ካልእ ዓይነት ጐሓፍን ከኣ ንልዑል መጠን ሕማምን ሞት ሕጻናትን ኣበርክቶ ይገብር ነይሩ።

  •   ጥንቲ ዝነበሩ ሓካይም ብዛዕባ ጀርምታትን ጠንቂ ሕማማትን ብዙሕ ፍልጠት ኣይነበሮምን። ግብጻውያን “ፈውሲ” ይኸውን ኢሎም ደም ጠበቕ፡ ሓርኢ ሓሓት፡ ምውትቲ ኣንጭዋ፡ ሽንቲ፡ ዝዓሰወ እንጌራ ይጥቀሙ ነይሮም እዮም። ቀልቀል ሰባትን ሓርኢ እንስሳታትን እውን ኣብ ሕክምና የዘውትርዎ ነይሮም እዮም።

  •   ጥንታውያን ግብጻውያን ካብቲ እተበከለ ማያት ፈለግ ኒልን መትረባት መስኖን ይሰትዩ ብምንባሮም፡ እተፈላለየ ዓይነት ብጽግዕተኛታት ዚመጽእ ሕማማት ይሓምሙ ነይሮም እዮም። ብዙሓት ሕጻናት ግብጺ ድማ ብውጽኣትን እተበከለ ምግቢ ብዜምጽኦ ሕማማትን ይሞቱ ነይሮም እዮም።

 እስራኤላውያን ግና ነቲ ኣብ ሕጊ ኣምላኽ እተሰርዓሎም ሕጊ ብምስዓቦም፡ ይጥቀሙን ዝሓሸ ጥዕና ይረኽቡን ነይሮም እዮም።