ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጥንታዊ ቕሩጽ ምስሊ ግብጻውያን ንዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ ይድግፍ

ጥንታዊ ቕሩጽ ምስሊ ግብጻውያን ንዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ ይድግፍ

 እዚ ሸሞንተ ሜተር ዝቝመቱ ሃይረግሊፋዊ ቕሩጽ ምስሊ፡ ኣብ ካርናክ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ጥንታዊ ቤተ መቕደስ ኣሙን ዚብሃል ኣምላኽ እዩ ዚርከብ። ምሁራን ከም ዚብልዎ፡ እዚ ቕሩጽ ምስሊ እዚ ነቲ ሺሻቅ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ግብጺ፡ እንተላይ ኣብ ይሁዳን ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤልን ዝረኸቦ ዓወታት ይገልጽ።

ቅሩጽ ምስሊ ካርናክ፣ ኣብታ ኣጕሊሓ እተርኢ ስእሊ፡ እተኣስሩ ምሩኻት ይረኣዩ

 እቲ ቕሩጽ ምስሊ፡ ኣሙን ልዕሊ 150 እተኣስሩ ምሩኻት ንሺሻቅ ወይ ንሺሾንቅ ኪህቦ ኸሎ የርኢ። a ነፍሲ ወከፍ ምሩኽ ከኣ ንእተሳዕራ ኸተማታት ወይ ንእተሳዕሩ ህዝብታት ዚውክል እዩ። ስማት እተን ከተማታት ኣብ ሰብነት ነፍሲ ወከፍ ምሩኽ፡ ኣብ እንቋቝሓዊ ቕርጺ ተቐሪጹ ኣሎ። ሓያሎ ስማት ሕጂ እውን ኪንበብ ይከኣል እዩ፣ ገለ ኻብኡ ድማ፡ ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቖም ዚፈልጥዎ ስማት እዩ። ከም ኣብነት ከኣ፡ ቤት-ሸኣን፡ ጊብዖን፡ መጊዶ፡ ሹነም ኪጥቀስ ይከኣል።

 እቲ ናብ ይሁዳ እተገብረ ወፈራ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ኣሎ። (1 ነገስት 14:25, 26) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ወራር ሺሻቅ ዝርዝር ሓበሬታ ይህብ እዩ። ብዛዕባኡ ኸምዚ ዚብል ነንብብ፦ “ኣብ ሓምሸይቲ ዓመት ንጉስ ሮብዓም፡ ሺሻቅ ንጉስ ግብጺ ኣንጻር የሩሳሌም ደየበ። ንሱ ኸኣ 1,200 ሰረገላን 60,000 ፈረሰኛታትን ምስኡ ኻብ ግብጺ ዝመጹ ቝጽሪ ዘይብሎም ሰራዊትን . . . ነበርዎ። ነተን እተዓርዳ ኸተማታት ይሁዳ ሒዙ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም መጸ።”—2 ዜና መዋእል 12:2-4

 ሺሻቅ ናብ ግዝኣት እስራኤል ወፈራ ኸም ዝገበረ ዜረጋግጽ ስነ ጥንታዊ መርትዖ፡ እቲ ኣብ ካርናክ ዚርከብ ቅሩጽ ምስሊ ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳ ኣብ ዘላ ከተማ መጊዶ እተረኽበ ስባር ሓወልቲ፡ “ሺሾንቅ” ዚብል ስም ሒዙ ኣሎ።

 መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ሺሻቅ ንይሁዳ ኸም ዝወረራ ዚገልጽ ዛንታ ብልክዕ ምምዝጋቡ፡ ንቕንዕና ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዜረጋግጽ ሓደ ኣብነት እዩ። ንዓወትን ንስዕረትን ህዝቦም ብልክዕ ሰኒዶምዎ እዮም። ከምዚ ዝበለ ቕንዕና፡ ብሓፈሻኡ ኣብ ካልኦት ጥንታውያን ጸሓፍቲ ኣይርከብን እዩ።

a እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ “ሺሻቅ” ዚብል ፊደላት፡ ንናይ እብራይስጢ ኣደማምጻ እቲ ስም እዩ ዜንጸባርቕ።