ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ምሩኻት ኣይሁድ ዚህቦ መግለጽስ ልክዕ ድዩ፧

እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ምሩኻት ኣይሁድ ዚህቦ መግለጽስ ልክዕ ድዩ፧

 ኣስታት 2,600 ዓመት ይገብር፡ ኣይሁድ ብግዲ ናብ ባቢሎን ተወስዱ፣ ኣብኡ ድማ ንኣስታት 70 ዓመት ምሩኻት ኰይኖም ጸንሑ። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ምሩኻት ኣይሁድ ኣብ ባቢሎን ዚህልዎም ናብራ ኸምዚ ኢሉ ገሊጹ ነይሩ፦ “ኣባይቲ ህነጹ እሞ ንበሩለን። ኣታኽልቲ ትኸሉ እሞ ፍሪኡ ብልዑ። ኣንስቲ ኣእትዉ እሞ ኣወዳትን ኣዋልድን ውለዱ። . . . ነታ ኣነ ናብኣ ተማሪኽኩም ከም እትውሰዱ ዝገበርኩኹም ከተማ ኸኣ ሰላማ ድለዩ።” (ኤርምያስ 29:1, 4-7) እሞ ደኣ ኣይሁዳውያን ብሓቂዶ ኸምዚ ዓይነት ናብራ ነይርዎም እዩ፧

 ተመራመርቲ ኣብ ጥንታዊት ባቢሎን ወይ ኣብ ጥቓኣ እተረኽበ ኪኸውን ዚኽእል ልዕሊ 100 ጽላታት ካይላ መርሚሮም እዮም። እቲ ጽላታት ከኣ፡ ምሩኻት ኣይሁድ ንግዝኣት ባቢሎናውያን ብሰላም እናተገዝኡ ባህሎምን ሃይማኖታዊ መንነቶምን ከም ዝዓቀቡ ይሕብር። እቲ ጽላታት፡ ካብ 572 ክሳዕ 477 ቅ.ክ. ዝዕለቱ ዀይኑ፡ ውዕል ክራይን ወፍርታት ንግድን መረጋገጺ ኽፍሊትን ካልእ መዛግብቲ ገንዘብን የጠቓልል። ብዛዕባ እዚ ድማ ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ከምዚ ይብል፦ “እቲ ሰነዳት፡ ኣብ ገጠር ህይወት ተራ ሰባት ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ ይሕብር፦ ነታ ምድሪ ይሓርስዋ፡ ኣባይቲ ይሃንጹ፡ ግብሪ ይኸፍሉ፡ ንንጉስ ድማ የገልግሉ ነይሮም።”

ጽላት ኲኒፎርም ካብ ከተማ ይሁዳ

 እዚ ሰነዳት እዚ ኣል ያሁዱ ወይ ከተማ ይሁዳ ኣብ እትብሃል ቦታ፡ ዓብዪ ማሕበረ ሰብ ኣይሁድ ከም ዝነበረ ይሕብር እዩ። ኣብቲ ጽላታት ድማ ኣርባዕተ ወለዶ ስማት ኣይሁድ ተመዝጊቡ ኣሎ፣ ገሊኡ ስማት ከኣ ብጥንታዊ ፊደላት እብራይስጢ እዩ ተጻሒፉ። እቲ ጽላታት እቲ ኸይተረኽበ ኸሎ፡ ምሁራት ብዛዕባ ህይወት እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ምሩኻት ኣይሁድ ብዙሕ ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። ኣባል ቦርድ ዳይረክተራት በዓል ስልጣን ቅርስታት እስራኤል ዝዀነ ዶ/ር ፊሊፕ ቩኮሳቮቪች፡ “ኣብ መወዳእታ፡ በዚ ጽላታት እዚ ኣቢልና ምስዞም ሰባት እዚኦም ተራኺብና፣ ስማቶምን ኣበይን መዓስን ከም ዝነበሩን እንታይ ከም ዝገበሩን ድማ ፈሊጥና” ይብል።

ምሩኻት ኣይሁድ ኣብ ባቢሎን እተወሰነ ናጽነት ነይርዎም

 እቶም ምሩኻት ኣይሁድ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንምንቅስቓስ ዜኽእል እተወሰነ ናጽነት ነይርዎም እዩ። ቩኮሳቮቪች ከም ዝገለጾ፡ “ኣብ ኣል-ያሁዱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ሓያሎ ኻልኦት ከተማታት” እውን ይነብሩ ነይሮም እዮም። ገሊኦም እተፈላለየ ሞያታት ኣጥርዮም ነይሮም እዮም፣ እዚ ድማ ደሓር ንዳግመ ህንጸት የሩሳሌም ጠቒሙ እዩ። (ነህምያ 3:8, 31, 32) እዋን ምርኮ ምስ ኣብቅዐ እውን እንተ ዀነ ብዙሓት ኣይሁድ ኣብ ባቢሎን ናብራኦም ከም ዝቐጸሉ፡ ጽላታት ኣል-ያሁዱ የረጋግጽ እዩ። እዚ ኸኣ ከምቲ ቓል ኣምላኽ ዝበሎ፡ ኣብ ባቢሎን ተዛማዲ ሰላም ከም ዝነበሮም ይሕብር።