መእተዊ ኣገልግሎት

ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ንምጅማር እተዳለዋ ቪድዮታት።

መእተዊ ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ

ኣብ ልዕሊ ሓዳርን ስድራ ቤትን መጥቃዕቲ ይወርድ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ስድራ ቤትና ሕጕስቲ ንኽትከውን ዚሕግዘና ምኽርታት ይህብ።

ብስራት ክትሰምዕ ትደሊዶ፧

ኣብ ኢሳይያስ 52:7 ከም ዚገልጾ፡ መጽሓፍ ቅዱስ “ዝሓሸ ብስራት” የበስር እዩ። እዚ ብስራት እዚ ድማ፡ ዜሐጕስ ናብራ ስድራ ቤት፡ ናይ ሓቂ ዕርክነት፡ ውሽጣዊ ሰላም ኪህልወካ ይሕግዘካ እዩ።

ንምዉታት ተስፋ ኣለዎምዶ፧

ሞይቶም ዘለዉ ሰብካ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኽትረኽቦም ከም እትኽእል፡ መጽሓፍ ቅዱስ የተስፉ እዩ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር—እንታዎት ኢና፧

ብዙሓት ሰባት፡ እንታይነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪፈልጡ ይደልዩ እዮም። ብዛዕባ እንታይነቶም ብቐጥታ ኻብኦም ስማዕ።