ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ብግዜ ጥንቲ ሰባት ኣብ ግራት ሰብ ብሓቂዶ ኽርዳድ ይዘርኡ ነይሮም እዮም፧

እዚ ብ1468 ዝወጸ ቕዳሕ እቲ ሃጸይ ጀስቲንያን ዘዳለዎ ዳይጀስት ዘርእስቱ ጽሑፍ፡ ሓደ ኻብቲ ብግዜ ጥንቲ ብዛዕባ ዝነበረ ምስ ሕጊ ዚተሓሓዝ ዝርዝር ጕዳያት ዚገልጽ መዛግብቲ እዩ

የሱስ ኣብ ማቴዎስ 13:​24-26፡ “መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘርአ ሰብ ትመስል። ሰባት ደቂሶም ከለዉ፡ ጸላኢኡ መጺኡ ኣብ መንጎ እቲ ስርናይ ክርዳድ ዘርአ። እቲ ብቝሊ ዓብዩ ፍረ ምስ ፈረየ፡ ሽዑ እቲ ኽርዳድ እውን ተራእየ” ኢሉ ኣሎ። እተፈላለዩ ጸሓፍቲ፡ እዚ ምሳሌ እዚ ኣብ ናይ ሓቂ ፍጻመ እተመስረተ እንተ ዀይኑ ይጠራጠሩ እዮም። ሕጊ ሮማውያን ዝሓዘ ጥንታዊ ጽሑፋት ግና ከምዚ ኼጋጥም ከም ዚኽእል ይእምት እዩ።

ሓደ መዝገበ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝገለጾ፡ “ሕነ ኽትፈዲ ኢልካ . . . ኣብ ግራት ክርዳድ ምዝራእ ብሕጊ ሮሜ ዜቕጽዕ እዩ ነይሩ። ነዚ ዚምልከት ሕጊ ምንባሩ ድማ እዚ ተግባር እዚ ዘይተለምደ ኸም ዘይነበረ እዩ ዜርኢ።” ኣላስተር ኬር ዝስሙ ምሁር ሕጊ ድማ፡ እቲ ሮማዊ ሃጸይ ዝነበረ ጀስቲንያን፡ ብ533 ድ.ክ. ጽማቝ ነጥብታት ሕጊ ሮሜን ቍንጽለ ጽሑፋት እቶም ኣብ ክላሲካዊ ዘመን (ከባቢ 100-250 ድ.ክ.) ዝነበሩ ምሁራት ሕግን ዝሓዘ ዳይጀስት ዘርእስቱ ጽሑፍ ኣውጺኡ ኸም ዝነበረ ገሊጹ ኣሎ። እቲ ጽሑፍ (Digest, 9.2.27.14)፡ እቲ ኽኢላ ሕጊ ዝነበረ ኡልፒን ብዛዕባ እቲ ኣብ ካልኣይ ዘመን ሮማዊ ብዓል ስልጣን ዝነበረ ሰልሰስ ዝዳነዮ ጕዳይ ከም ዝጠቐሰ ይገልጽ። እቲ ጕዳይ፡ ኣብ ግራት ሰብ ተዘሪኡ እኽሊ ብዛዕባ ዘበላሸወ ኽርዳድ ዚገልጽ እዩ ነይሩ። እቲ ጽሑፍ ከኣ፡ እቲ እተጐድአ ሓረስታይ ካብቲ ገበነኛ ኻሕሳ ንምርካብ ኪወስዶ ብዛዕባ ዚኽእል ሕጋዊ ስጕምትታት ይገልጽ።

እዚ ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ እተፈጸመ ገበን እዚ፡ እቲ የሱስ ዝጠቐሶ ዅነታት ብሓቂ ኼጋጥም ዚኽእል ምዃኑ ይሕብር።

ሮሜ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ሰበ ስልጣን ኣይሁድ ክሳዕ ክንደይ እያ ናጽነት ሂባቶም ነይራ፧

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ይሁዳ ብሮማውያን እያ እትግዛእ ነይራ፣ ንሳቶም ከኣ ኣብ ትሕቲ ትእዛዙ ዝዀኑ ወተሃደራት ዘለውዎ ሹም ይሸሙ ነይሮም። እቲ ሹም ብቐንዱ ዚዓይዮ ዕዮ፡ ንሮሜ ዚኸውን ግብሪ ምእካብ፡ ሰላምን ስርዓትን ድማ ከም ዚሕሎ ምግባር እዩ ነይሩ። ሮማውያን ንዕልዋታት ይጭፍልቑ፡ ህውከት ንዚፈጥር ዘበለ ድማ ይቐጽዑ ነበሩ። በብመዓልቱ ዚግበር ምምሕዳራዊ ንጥፈታት ግና ንመራሕቲ እቲ ኸባቢ ይገድፉሎም ነበሩ።

ዋዕላ ኣይሁድ

ዋዕላ ኣይሁድ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድን ንሕጊ ኣይሁድ ዚምልከት ጕዳያት ዚኣሊ ቤት ምኽሪ ምምሕዳርን እዩ ነይሩ። ኣብ መላእ ይሁዳ ታሕተዋይ ኣብያተ ፍርዲ እውን ነይሩ እዩ። ሲቪላውን ገበናውን ጕዳያት ኣብዚ ኣብያተ ፍርዲ እዚ ይቐርብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ሰበ ስልጣን ሮሜ ኸኣ ኣብዚ ኢዶም ኣየእተዉን ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣብያተ ፍርዲ ኣይሁድ ንገበነኛታት ሞት ኪፈርዱ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም፣ እዚ ፍርዲ እዚ፡ ሮማውያን ባዕሎም እዮም ዚፍጽምዎ ነይሮም። ምስናይዚ ግና፡ ኣባላት ዋዕላ ኣይሁድ ንእስጢፋኖስ ብኢደ ወነኖም ፈሪዶም ብዳርባ እምኒ ኸም ዚቕተል ገይሮምዎ እዮም።—ግብ. 6:8-15፣ 7:​54-60

ስለዚ፡ ዋዕላ ኣይሁድ ካብ ዚግብኦ ንላዕሊ ስልጣን ይጥቀም ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኤሚል ሹረር ዝስሙ ምሁር ከም ዝገለጾ፡ ‘ስልጣን ዋዕላ ኣይሁድ ኣዝዩ ድሩት እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ሰበ ስልጣን ሮሜ ኣብ ዝደለይዎ እዋን ብናይ ገዛእ ርእሶም ተበግሶ ስጕምቲ ኺወስዱ ይኽእሉ ነይሮም እዮም፣ ፖለቲካዊ ገበን ከም እተፈጸመ ምስ ዚጥርጥሩ ኸምኡ ይገብሩ ነይሮም እዮም።’ ንኣብነት፡ ሓለቓ ሽሕ ቅላውዴዎስ ሊስያስ ነቲ ሮማዊ ዜግነት ዝነበሮ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣእትይዎ ነይሩ እዩ።—ግብ. 23:​26-30