ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | ኣተዓባብያ ውሉዳት

ንደቅኻ ትሕትና ምሃሮም

ንደቅኻ ትሕትና ምሃሮም

ጸገም

  • ወድኻ ትዕቢት ኬርኢ ጀሚሩ፣ ገና ድማ ወዲ ዓሰርተ ዓመት እዩ።

  • ኵሉ ሰብ ኬቀባጥረሉ እዩ ዚደሊ።

ንስኻ ድማ፡ ‘እዚ ቘልዓ እንታይ እዩ ዀይኑ፧ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ጽቡቕ ኪስምዖ እኳ እንተ ደለኹ፡ ንርእሱ ኻብ ኵሉ ሰብ ንላዕሊ ኺገብራ ግና ኣይደልዮን እየ’ ኢልካ ኽትሓስብ ትጅምር።

እሞኸ ንውሉድካ፡ ርእሰ ምትእምማኑ ብዘይጐድእ መገዲ ኸመይ ጌርካ ትሕትና ኽትምህሮ ትኽእል፧

ክትፈልጦ ዘሎካ

ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ወለዲ ንደቆም፡ ዚደልይዎ ዘበለ ኼማልኡሎም፡ ዚንኣድ ነገር እውን ከይገበሩ ብዙሕ ኪውድስዎም፡ መአረምታን ተግሳጽን ድማ ካብ ምሃብ ኪቝጠቡ ምትብባዕ ተዋሂብዎም እዩ። ውሉዳት ፍሉያት ከም ዝዀኑ ዀይኑ እንተ ተሰሚዕዎም፡ ንገዛእ ርእሶም ኣኽብሮት ከም ዜሕድሩ ጌርካ ይሕሰብ ነይሩ። እዚ ኣረኣእያ እዚ ግና እንታይ ኣፍርዩ፧ ጀነሬሽን ሚ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ርእሰ ኣኽብሮት ንምትብባዕ ዚግበር ምንቅስቓስ፡ “እዱባትን ሕጉሳትን ቈልዑ ዘይኰነስ፡ ፈተውቲ ርእሶም ዝዀኑ ብዙሓት ቈልዑ ኸም ዚፍጠሩ እዩ ገይሩ” ትብል።

ካብ ግቡእ ንላዕሊ እናተናእዱ ዚዓብዩ ብዙሓት ቈልዑ፡ ነቲ ዝሓሰብዎ ኸይሰለጦም ምስ ተረፈ ዚስምዖም ጓህን ነዚ ዚውሃቦም ነቐፌታን ኣይዳለዉን እዮም። ኣብቲ ንሳቶም ዚደልይዎ ነገራት ጥራይ ኬተኵሩ ስለ ዚምሃሩ፡ ምስ ዓበዩ ምስ ካልእ ሰብ ነባሪ ርክብ ኪምስርቱ የጸግሞም እዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ብዙሓት ካባታቶም ብሻቕሎትን ብሕዱር ጭንቀትን ይሳቐዩ።

ቈልዑ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ናይ ሓቂ ኣኽብሮት ኬማዕብሉ ዚኽእሉ፡ ፍሉያት ምዃኖም ወትሩ ምስ ዚንገሮም ዘይኰነስ፡ ብሓቂ ሓደ ቑም ነገር ምስ ዚዓምሙ እዩ። እዚ ድማ ብርእሶም ዚኣምኑ ኻብ ምዃን ንላዕሊ እዩ ዚሓትት። ብጥንቃቐ እተመርጸ ኽእለት ኪምሃሩን ኪዓይዩሉን ኬማዕብሉን ኣለዎም። (ምሳሌ 22:29) ብዘይካዚ፡ ንጥቕሚ ኻልእ ሰብ እውን ኪሓልዩ ኣለዎም። (1 ቈረንቶስ 10:24) ነዚ ዅሉ ምግባር ድማ ትሕትና ዚሓትት እዩ።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ግቡእ ኣብ ዝዀነ እዋን ጥራይ ንኣድ። ጓልካ ኣብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ እተዋህባ ፈተና ጽቡቕ ነጥቢ እንተ ኣምጺኣ፡ ንኣዳ። ትሑት ነጥቢ እንተ ኣምጺኣ ኸኣ፡ ተሃዊኽካ ንመምህራ ኣይትውቀሶ። ከምኡ ምስ እትገብር፡ ንጓልካ ትሕትና ኽትምሃር ኣይሕግዛን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ዚቕጽል እዋን ብኸመይ ከም እተመሓይሽ ሓግዛ። ኣብ ግቡእ እዋን ጥራይ ንኣድ።

ኣገዳሲ ኪኸውን ከሎ፡ መአረምታ ሃብ። ይኹን እምበር፡ ውሉድካ ኣብ ዚጋገየሉ ዘበለ እዋን ክትነቕፎ ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። (ቈሎሴ 3:21) ከቢድ ጌጋ ኺገብር ከሎ ግና ክትእርሞ ኣሎካ። ግጉይ ኣመለኻኽታ ኼማዕብል ከሎ እውን ክትእርሞ ይግባእ። ከምኡ እንተ ዘይጌርካ፡ እቲ ግጉይ ኣመለኻኽታ ሱር ኪሰድድ ይኽእል እዩ።

ንኣብነት፡ ውሉድካ ኺጅሃር ጀሚሩ ንበል። ነዚ ባህርይ እዚ እንተ ዘይኣሪምካዮ፡ ትዕቢተኛ ኪኸውንን ንገዛእ ርእሱ ኻብ ካልኦት ኪፈልን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ንውሉድካ ጃህራ ሕማቕ ባህርይ ከም ዝዀነን ውዒሉ ሓዲሩ ኼዋርዶ ኸም ዚኽእልን ግለጸሉ። (ምሳሌ 27:2) ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ ዘለዎ ሰብ፡ ብዛዕባ ኽእለቱ ኼውሪ ኸም ዘየድልዮ ሓብሮ። ካብ ፍቕሪ ተበጊስካ ኸምዚ ዝኣመሰለ መአረምታ ምሃብ፡ ንውሉድካ ርእሰ ምትእምማኑ ብዘይጐድእ መገዲ ትሕትና ኺምህሮ እዩ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ማቴዎስ 23:12

ንውሉድካ ነቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ነገራት ኣዳልዎ። ንውሉድካ ዝሓተቶ ዘበለ ትህቦ እንተ ዄንካ፡ ዝደለዮ ነገር ምርካብ መሰሉ ዀይኑ ኺስምዖ ይኽእል እዩ። ነዚ ንምእራም፡ ንኣብነት ልዕሊ ዓቕምኻ ዝዀነ ነገር ክትዕድገሉ እንተ ሓቲቱካ፡ ብዓቕምኻ ምንባር ስለምንታይ ኣገዳሲ ምዃኑ ግለጸሉ። ዙረት ወይ ዕረፍቲ ኽትስርዝ እንተ ተገዲድካ፡ ሓድሓደ ሳዕ ከምቲ ዝሓሰብካዮ ኸም ዘይሰልጥ ንገሮ፣ ንኸምዚ ዓይነት ኣጋጣሚታት ንስኻ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ ድማ ክትሕብሮ ትኽእል ኢኻ። ንውሉድካ ኻብ ኵሉ ሽግር ከተዕቍቦ ኣብ ክንዲ እትጽዕር፡ ነቲ ምስ ዓበየ ኼጋጥሞ ዚኽእል ጸገማት ኣዳልዎ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 29:21

ንውሉድካ ለጋስ ኪኸውን ኣተባብዓዮ። ንውሉድካ፡ ‘ካብ ምቕባል፡ ምሃብ ከም ዜሐጕስ’ ኣርእዮ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ብኸመይ፧ ኣስቤዛ ንምግባር፡ መጐዓዝያ ንምርካብ፡ ወይ ቤት ንምጽጋን ሓገዝ ናይ ዜድልዮም ሰባት ስም ዝርዝር ብሓባር ኴንኩም ጽሓፉ። ንገለ ኻባታቶም ክትሕግዞም ክትከይድ ከለኻ ድማ ንውሉድካ ምሳኻ ተማልኣዮ። ነቲ ንኻልኦት ዜድልዮም ነገራት ክትገብር ከለኻ ንስኻ ዚስምዓካ ሓጐስን ዕግበትን ውሉድካ ኸም ዚርእዮ ግበር። ከምኡ ብምግባር፡ ንውሉድካ በቲ ልዕሊ ዅሉ ውጽኢታዊ ዝዀነ መገዲ፡ ማለት ኣብነት ብምዃን ትሕትና ኽትምህሮ ኢኻ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ሉቃስ 6:38