ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

ጽሙም ክነሰይ፡ ንኻልኦት ክምህር ክኢለ

ጽሙም ክነሰይ፡ ንኻልኦት ክምህር ክኢለ

ብ1941፡ ወዲ 12 ዓመት ከለኹ እየ ተጠሚቐ። ክሳዕ 1946 ግና፡ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ገይሩ ኣይተረድኣንን ነይሩ። ከመይ ኢሉ ኸምዚ ኪኸውን ክኢሉ፧ ዛንታይ እስከ ኸዘንትወልኩም።

ብ1910 ወለደይ ካብ ቲቢሊሲ፡ ጆርጅያ ናብ ካናዳ ገዓዙ፣ ኣብ ምዕራባዊ ካናዳ ኣብ እትርከብ ኣውራጃ ሰስካችወን፡ ኣብ ሓደ ጥቓ ፐሊ ኣብ እትብሃል ቍሸት ዚርከብ ሕርሻ ድማ ሰፈሩ። ኣነ ብ1928 እየ ተወሊደ፣ ካብቶም ሽዱሽተ ውሉዳት ድማ ሕሳስ ልደ እየ ነይረ። ኣቦይ ካብቲ ኣነ እተወለድኩሉ ሽዱሽተ ወርሒ ኣቐዲሙ ሞተ፣ ኣደይ ከኣ ኣነ ገና ሕጻን ከለኹ ሞተት። ሉሲ ዝስማ በዅሪ ሓብተይ ድማ ነዊሕ ከይጸንሐት ጓል 17 ዓመት ከላ ሞተት። ድሕሪኡ፡ ኒክ ዝስሙ ኣኮይ ንዓይን ንኣሕዋተይን ንኣሓተይን ኬዕብየና ጀመረ።

ሓደ መዓልቲ፡ ገና እግሪ ተኽሊ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ንሓደ ኣርሓ ፈረስ ብጭራኡ ኽጐትቶ ኸለኹ ኣባላት ስድራ ቤትና ረኣዩኒ። እቲ ፈረስ ከይረግሓኒ ስለ ዝፈርሁ፡ ‘ሕደግ’ እናበሉ እኳ እንተ ጨደሩለይ፡ ኣይሰማዕክዎምን። ዝባነይ ሂበዮም ስለ ዝነበርኩ፡ ነቲ ጭድርታኦም ኣይሰማዕክዎን። እቲ ዜሐጕስ፡ ዋላ ሓንቲ ጕድኣት ኣይበጽሓንን፣ ስድራ ቤተና ግና በቲ ኣጋጣሚ እቲ ጸማም ምዃነይ ፈለጡ።

ድሕርዚ፡ ሓደ ፈታዊ ስድራ ቤትና፡ ምስ ካልኦት ጽሙማት ቈልዑ ኽምሃር ሓሳብ ሃበ፣ ስለዚ፡ ኣኮይ ኒክ ኣብቲ ኣብ ሳስካቱን፡ ሰስካችወን ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ጽሙማት ኣመዝገበኒ። በዚ ኸምዚ፡ ካብ ስድራ ቤትና ናይ ሰዓታት ጕዕዞ ርሒቑ ናብ ዚርከብ ቦታ ገዓዝኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ገና ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ስለ ዝነበርኩ፡ ብዙሕ ፈሪሀ ነይረ። ኣብ በዓላትን ኣብ ናይ ክረምቲ ዕረፍትን ጥራይ እየ ንስድራና ዝበጽሖም ነይረ። በዚ ኸምዚ፡ ቋንቋ ምልክት ክምሃር ክኣልኩ፡ ምስ ካልኦት ቈልዑ ኽጻወት ብምኽኣለይ እውን ሓጐስ ረኸብኩ።

ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ተምሃርኩ

ብ1939፡ ማሪዮን ዝስማ ዓባይ ሓብተይ፡ ቢል ዳኒልቹክ ንዝስሙ ሰብኣይ ተመርዓወት፣ ንዓይን ፍራንሰስ ንዝስማ ሓብተይን ድማ ኪናብዩና ጀመሩ። ካብ ስድራ ቤትና ንፈለማ ግዜ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ርክብ ዝመስረቱ ንሳቶም እዮም ነይሮም። ኣብ ናይ ክረምቲ ዕረፍተይ፡ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምሃርዎ ዝነበሩ ብእተኻእሎም መጠን የካፍሉኒ ነበሩ። ከም ሓቂ፡ ቋንቋ ምልክት ዘይክእሉ ስለ ዝነበሩ፡ ሓሳባቶም ብዙሕ ኣይርድኣንን እዩ ነይሩ። ግናኸ፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ልባዊ ፍቕሪ ኸም ዝነበረኒ ርእዮም ኪዀኑ ኣለዎም። ኣነ ድማ ኣብ መንጎ እቲ ንሳቶም ዚገብርዎን መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎን ምትእስሳር ከም ዘሎ ተረዲኡኒ ስለ ዝነበረ፡ ኪሰብኩ ኪኸዱ ኸለዉ ምሳታቶም እኸይድ ነይረ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ክጥመቕ ደለኹ፣ ብ5 መስከረም 1941 ከኣ ቢል ካብ ዒላ ብእተገለለ ማይ ኣብ ዝመልኣ በርሚል ኣጠመቐኒ። እቲ ማይ ኣዝዩ ዝሑል እዩ ነይሩ!

ብ1946፡ ኣብ ክሊቭላንድ፡ ኦሃዮ ኣብ እተገብረ ኣኼባ ምስ ገሊኦም ጽሙማን

ብ1946 ንናይ ክረምቲ ዕረፍቲ ናብ ገዛና ምስ ተመለስኩ፡ ኣብ ክሊቭላንድ፡ ኦሃዮ፡ ሕ.መ.ኣ. ኣብ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ኽንእከብ ከድና። ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ እቲ ኣኼባ፡ ነቲ ኣብቲ ኣኼባ ዚቐርብ ዝነበረ ትምህርቲ፡ ኣሓተይ እናተበራረያ ይጽሕፋለይ ነይረን። ኣብታ ኻልአይቲ መዓልቲ ግና፡ ጕጅለ ጽሙማን ከም ዘለዉ፡ ቋንቋ ምልክት እትትርጕም ድማ ከም እተመደበት ፈለጥኩ። ስለዚ፡ ብታሕጓስ ነቲ ኣኼባ ኽከታተል ከኣልኩ፣ ድሕሪ ኽንደይ ግዜ፡ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ክርዳእ ምኽኣለይ እውን ዜሐጕስ እዩ ነይሩ!

ሓቂ ኽምህር ጀመርኩ

ሽዑ፡ ካልኣይ ውግእ ዓለም እተወድኣሉ እዋን ስለ ዝነበረ፡ ሃገራውነት ኣስፋሕፊሑ ነይሩ። ካብቲ ኣኼባ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንእምነተይ ጽኑዕ መትከል ክሕዝ ቈሪጸ እየ ተመሊሰ። ስለዚ፡ ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ምሃብን ኣብ ሃገራዊ መዝሙር ምስታፍን ሓደግክዎ። ኣብ በዓላትን ብግዲ ኽንሳተፍ ኣብ እንሕተተሉ ቕዳሰ ቤተ ክርስትያንን እውን ምክፋል ኣበኹ። ሰራሕተኛታት እቲ ቤት ትምህርቲ በዚ ስለ ዘይተሓጐሱ፡ ኬፈራርሁንን ሓሳባይ ኬቐይሩንን ፈተኑ። እዚ ዅሉ ድማ ኣብቶም መማህርተይ ዓብዪ ጕዳይ ኰነ፣ ንዓይ እውን ክምስክር ኣጋጣሚ ፈጠረለይ። ከም እኒ ላሪ ኣንድሮሶፍን ኖርማን ዲትሪክን ኢሚል ሽናይደርን ዝኣመሰሉ ተምሃሮ ኸኣ ጸንሖም ሓቂ ተቐበሉ፣ ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ ድማ ንየሆዋ ብተኣማንነት የገልግልዎ ኣለዉ።

ናብ ካልኦት ከተማታት ክኸይድ ከለኹ፡ ኵሉ ሳዕ ንጽሙማን ክምስክረሎም እጽዕር እየ። ንኣብነት፡ ኣብ ሞንትርያል ኣብ ዚርከብ ክበብ ጽሙማን፡ ንሓደ ኣባል ጕጅለ ጽሙማን ዝነበረ ኢዲ ቴገር ዝስሙ መንእሰይ መስከርኩሉ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ፡ ዓሚ ኽሳዕ ዚመውት፡ ኣባል ሓንቲ ኣብ ላቫል፡ ኲበክ እትርከብ ጉባኤ ቛንቋ ምልክት ዀይኑ ነበረ። ዃን ኣርድነዝ ንዝስሙ መንእሰይ ምስ ኣዘራረብክዎ ኸኣ፡ ንሓቅነት መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ዜረጋግጽ፡ ከም ሰብ ቤርያ ብትግሃት ምርምር ገበረ። (ግብ. 17:10, 11) ድሕሪኡ፡ ናብ ሓቂ መጸ፡ ኣብ ኦታዋ፡ ኦንታርዮ ድማ ክሳዕ ዕለተ ሞቱ ሽማግለ ዀይኑ ብተኣማንነት ኣገልገለ።

ብ1950 ናብ ቫንኮቨር ገዓዝኩ። ንጽሙማን ምስባኽ እፈቱ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ክሪስ ስፓይሰር ዝስማ ኣብ መገዲ ዝመስከርኩላ እትሰምዕ ሰበይቲ ግና ኣይትርስዓንን እያ። ንሳ ኵንትራት መጽሔት ኣተወት፡ ጌሪ ምስ ዝስሙ ሰብኣያ ድማ ከተራኽበኒ ደለየት። ስለዚ፡ ናብ ገዛኦም ከድኩ፣ ኣብ ደብተር እናጸሓፍና ድማ ነዊሕ ምይይጥ ገበርና። ድሕሪኡ ንገለ ዓመታት ከይተራኸብና ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ቶሮንቶ፡ ኦንታርዮ ኣብ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ረኸቡኒ። በታ መዓልቲ እቲኣ ጌሪ ይጥመቕ እዩ ነይሩ። እዚ ዜሐጕስ ተመክሮ፡ ሓቂ ኣበይ ወይ መዓስ ሱር ከም ዚሰድድ ስለ ዘይንፈልጥ፡ ወትሩ ኽንሰብኽ ከም ዘሎና እዩ ምሂሩኒ።

ኣብ መጀመርታ 1950ታት፡ ኣብ ናይ መገዲ ምስክርነት

ጸኒሐ፡ ናብ ሳስካቱን ገዓዝኩ። ኣብኡ ድማ ሓንቲ ኣደ፡ ጂን ሮተንበርገርን ጆኣን ሮተንበርገርንን ምስ ዚብሃላ ጽሙማን ማንታ ኣዋልዳ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ሓተተትኒ፣ ንሳተን ድማ ኣብቲ ኣነ ዝምሃረሉ ዝነበርኩ ቤት ትምህርቲ ጽሙማን እየን ዚምሃራ ነይረን። እተን ኣዋልድ ነዊሕ ከይጸንሓ ነቲ እተማህርኦ ንደቂ ኽፍለን ከካፍላ ጀምራ። ሓሙሽተ ኻብ ደቂ ኽፍለን ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰና። ሓንቲ ኻባታተን ዩኒስ ኮሊን እያ ነይራ። ኣብታ ኣነ ኻልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝወዳእኩላ ዓመት፡ ምስ ዩኒስ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ጽሙማን ተራኺብና ኔርና። ሽዑ፡ ካራሜላ ሂባ ኽንምሓዞ ሓቲታትኒ ነይራ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ደሓር ኣገዳሲት ክፍሊ ህይወተይ፡ ማለት ሰበይተይ ኰይና እያ!

ካብ ጸጋም፦ ብ1960ን ብ1989ን ምስ ዩኒስ

ኣደ ዩኒስ ጓላ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተጽንዕ ምስ ፈለጠት፡ ንርእሰ መምህራን እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ንዩኒስ ኬፈራርሃ ነገረቶ። ንሱ ድማ ነቲ መጽናዕቲ እተገብረሉ ጽሑፋት ኣሕደጋ። ይኹን እምበር፡ ዩኒስ ኣትኵሮኣ ኣብ የሆዋ ኽትገብር ወሲና እያ ነይራ። ክትጥመቕ ምስ ደለየት ድማ ወለዳ፡ “ናይ የሆዋ ምስክር እንተ ዄንኪ፡ ካብ ገዛ ኽትውጺ ኢኺ!” በልዋ። ስለዚ፡ ኣብ 17 ዓመት ዕድሚኣ ኻብ ገዛ ወጸት፣ ምስ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነት ስድራ ቤት ተጸጊዓ ኽትነብር ከኣ ጀመረት። መጽናዕታ ቐጺላ ድማ ጸኒሓ ተጠምቀት። ብ1960 ክንምርዖ ኸለና፡ ወለዳ ናብ መርዓና ኣይመጹን። ድሕሪ ዓመታት ግና ብምኽንያት እምነትናን ብምኽንያት ኣተዓባብያ ደቅናን ኣኽቢሮምና እዮም።

የሆዋ ተኸናኺኑኒ እዩ

ኒኮላስ ወደይን ብዓልቲ ቤቱ ዴቦራን ኣብ ለንደን ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል የገልግሉ

ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ጽሙማን ክነስና፡ ሸውዓተ ዚሰምዑ ኣወዳት ኢና ኣዕቢና። እዚ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ፣ ምስ ደቅና ምንእቲ ኽንረዳዳእን ሓቂ ምእንቲ ኽንምህሮምን ግና ኵሎም ደቅና ቛንቋ ምልክት ተማሂሮም እዮም። ኣብ ጉባኤና ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ብዙሕ እዮም ሓጊዞምና። ንኣብነት፡ ሓደ እዋን ሓደ ወድና ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ሕማቕ ቃላት ይዛረብ ከም ዘሎ፡ ሓደ ወላዲ ብጽሑፍ ነገረና። ስለዚ፡ ሽዑሽዑ ኽንእርሞ ኸኣልና። ጄምስ፡ ጀሪ፡ ኒኮላስ፡ ስቲቨን ዚብሃሉ ኣርባዕተ ደቅና ምስ ኣንስቶምን ስድራ ቤቶምን ንየሆዋ ብተኣማንነት የገልግሉ ኣለዉ። ኣርባዕቲኦም ደቅና፡ ሽማግለታት ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ኒኮላስን ዴቦራ እትብሃል ብዓልቲ ቤቱን ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ብሪጣንያ፡ ኣብ ትርጉም ቋንቋ ምልክት ይሕግዙ ኣለዉ፣ ስቲቨንን ብዓልቲ ቤቱ ሻናን ድማ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ኣብ ክፍሊ ትርጉም ቋንቋ ምልክት የገልግሉ ኣለዉ።

ጄምስን ጀሪን ስቲቨንን መምስ ኣንስቶም ኣብ ዕዮ ስብከት ቋንቋ ምልክት ብእተፈላለየ መገዲ ይድግፉ

ካብ እምንርዖ 40 ዓመት ኪመልኣና ሓንቲ ወርሒ ምስ ተረፈና፡ ዩኒስ ብሰንኪ ሕማም መንሽሮ ሞተት። ኣብቲ ሓሚማ ዝነበረትሉ ኣጸጋሚ እዋናት፡ ኣዝያ ተባዕ እያ ነይራ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ተስፋ ትንሳኤ ሓያል እምነት እዩ ነይርዋ። እንደገና ኽሳዕ ዝረኽባ ተሃንጥየ እየ ዘለኹ።

ፋየን ጄምስን፡ ጀሪን ኤቨሊንን፡ ሻናንን ስቲቨንን

ኣብ ለካቲት 2012 ወደቕኩ እሞ ምሕኵልተይ ተሰብረ፣ ድሕሪኡ ሓገዝ ከም ዜድልየኒ ንጹር ኰነ። ስለዚ፡ ምስ ወደይን ሰበይቱን ክነብር ጀመርኩ። ሕጂ፡ ኣብታ ኣብ ካልጋሪ እትርከብ ጉባኤ ቛንቋ ምልክት ሽማግለ ዀይነ አገልግል ኣለኹ። እቲ ዜገርም ከኣ፡ ኣብ ህይወተይ ንፈለማ ግዜ እየ ኣባል ጉባኤ ቛንቋ ምልክት ኰይነ። እሞ ደኣ ኻብ 1946 ኣትሒዘ እዚ ዅሉ ዓመታት ኣብ ጉባኤ እንግሊዝኛ ኸለኹ፡ ከመይ ገይረ መንፈሳውነተይ ክሕሉ ኽኢለ፧ የሆዋ ንዘኽታም ኪከናኸን ዝኣተዎ ቓል ፈጺሙለይ እዩ። (መዝ. 10:14) ብዘይካዚ፡ ንዚቐርብ ትምህርቲ ጽሒፎም ዝሃቡኒ፡ ቋንቋ ምልክት እተማህሩ፡ ብእተኻእሎም መጠን ዝተርጐሙለይ ሰባት ከየመስገንክዎም ክሓልፍ ኣይደልን እየ።

ኣብ 79 ዓመት ዕድመይ፡ ብቛንቋ ምልክት ኣመሪካ ኣብ እተገብረ ቤት ትምህርቲ ፈለምቲ ኣብ እተኻፈልኩሉ እዋን

ከም ሓቂ እኳ፡ እቲ ዚብሃል ዝነበረ ኺርድኣኒ ስለ ዘይከኣለ ወይ ንጽሙማን ቈላሕታ ዘይግበረሎም ኰይኑ ይስምዓኒ ስለ ዝነበረ፡ ተባሳጭየ ተስፋ ዝቘረጽኩሉ እዋናት ነይሩ እዩ። ኣብቲ እዋናት እቲ ግና፡ ብዛዕባ እተን ጴጥሮስ ንየሱስ እተዛረበን፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ቃል ኣሎካ፡ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧” ዚብላ ቓላት እሓስብ ነይረ። (ዮሃ. 6:66-68) ከምቶም መዛኑአይ ዝዀኑ ኻልኦት ጽሙማን ኣሕዋተይን ኣሓተይን፡ ትዕግስቲ ተማሂረ እየ። ንየሆዋን ንውድቡን ክጽበ ተማሂረ እየ፣ ከምኡ ብምግባረይ እውን ተጠቒመ እየ። ሕጂ ብቛንቋይ ብዙሕ መንፈሳዊ ምግቢ ኣሎኒ፣ ብቛንቋ ምልክት ኣብ ዚግበር ኣኼባታት ጉባኤን ዓበይቲ ኣኼባታትን ምእካብ የሐጕሰኒ እዩ። ነቲ ዓብዪ ኣምላኽና የሆዋ ብምግልጋለይ፡ ሓጐስን ዕግበትን ዝመልኦ ህይወት እዩ ዘሎኒ።