ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነነዌ ዜደንቕ ህንጻታትን ሓወልትታትን ዝነበራ ኸተማ እያ ነይራ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ድሕሪ ግዜ ዮናስ፡ ነነዌ እንታይ እያ ዀይና፧

ኣብ ሻውዓይ ዘመን ቅ.ክ.፡ ኣሶር “ካብታ ብምዕራብ ዘላ ቆጵሮስ ክሳብ እታ ብምብራቕ ዘላ ኢራን እትዝርጋሕ፡ ኣብ ሓደ እዋን ከኣ ንግብጺ እውን እተጠቓልል” ኣብ ዓለም ካብ ኵሉ ዝዓበየት ሃጸያዊት ግዝኣት ኰይና ኸም ዝነበረት ዘ ብሪቲሽ ሙዝየም ብሎግ ይሕብር እዩ። እታ ርእሲ ኸተማኣ ዝነበረት ነነዌ ድማ፡ ኣብ ዓለም ካብ ኵሉ ዝዓበየት ከተማ እያ ነይራ። ኣብታ ኸተማ፡ ዜደንቕ ሓወልትታት፡ መስተንክር ስፍራ ኣታኽልቲ፡ ምሾቱ ዜደንቕ ኣብያተ መንግስቲ፡ ሰፋሕቲ ኣብያተ መጻሕፍቲ ነይሩ እዩ። ኣብ ጥንታዊት ነነዌ፡ ኣብ መንደቕ እተጻሕፈ ጽሑፍ፡ ንጉስ ኣሹርባኒፓል ከም ካልኦት ነገስታት ኣሶር፡ “ንጉስ ዓለም” ኢሉ ገዛእ ርእሱ ኸም ዝጸውዐ ይሕብር እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣሶርን ነነዌን ዚስዓራ ኣይመስላን እየን ነይረን።

ሓይሊ ዓለም ዝነበረት ኣሶር፡ ብግዜኣ ኻብ ዓለም ዝዓበየት ሃጸያዊት ግዝኣት እያ ነይራ

እንተዀነ ግና፡ ኣሶር ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ምስ በጽሐት፡ ብየሆዋ እተላእከ ነብዪ ጸፎንያስ፡ “[የሆዋ] ንኣሶር . . . ኬጥፍኣ እዩ፣ ንነነዌ ድማ ኬባድማ፡ ከም ምድረ በዳ እውን ደረቕ ኪገብራ እዩ” ኢሉ ተነብዩ ነይሩ እዩ። ካልእ ብየሆዋ እተላእከ ነብዪ ናሆም እውን፡ “ብሩር ዝመቱ፡ ወርቂ ዝመቱ! . . . እታ ኸተማ ባዶ ዀይና፡ ባዲማ፡ ጠፊኣ! . . . ዚርእየኪ ዘበለ ኻባኺ ኺሃድም፡ ‘ነነዌ ባዲማ!’ . . . ድማ ኪብል እዩ” ኢሉ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ጸፎ. 2:13፣ ናሆ. 2:9, 10፣ 3:7) ሰባት ነዚ ትንቢታት እዚ ምስ ሰምዑ፡ ‘እዝስ ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧ እታ ሓያል ኣሶርሲ ኽትሰዓር ትኽእል ድያ፧’ ኢሎም ሓሲቦም ይዀኑ እዮም። ዘይእመን እዩ ዚመስል ነይሩ።

ነነዌ ባዲማ ኣላ!

ይኹን እምበር፡ እቲ ዘይሕሰብ ተፈጺሙ እዩ! ኣብ መወዳእታ ሻውዓይ ዘመን ቅ.ክ.፡ ኣሶር ብባቢሎናውያንን ብሜዶናውያንን ተሳዕረት። ውዒላ ሓዲራ፡ ነነዌ ሰብ ዘይነብረላ ዀነት፡ ካብ ተዘክሮ እውን ተሓክከት። ኣብ ኒው ዮርክ ዚርከብ ዘ ሜትሮፖሊታን ሙዝየም ኦቭ ኣርት ዚብሃል ቤተ መዘክር፡ “ኣብ ማእከላይ መዋእል፡ እቲ ቦታ ባዲሙን ተቐቢሩን ብምንባሩ፡ ነነዌ ብቐንዱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እያ እትዝከር ነይራ” ይብል። ብመሰረት ቢብሊካል ኣርኪዮሎጂ ሶሳይቲ ኦንላይን ኣርካይቭ ድማ፡ ኣብ መጀመርታ 1800ታት “እታ ናይታ ዓባይ ኣሶር ርእሲ ኸተማ ብሓቂ ነይራ እንተ ዀይና ዚፈልጥ ዋላ ሓደ ኣይነበረን።” ብ1845 ግና፡ ኦስተን ሄንሪ ለያርድ ዚብሃል ተመራማሪ ስነ ጥንቲ፡ ኣብቲ ነነዌ ዝነበረትሉ ቦታ ኺፍሕር ጀመረ። እቲ ኣብቲ ቦታ እተረኽበ ዑናታት ከኣ፡ ነቲ ዝሓለፈ ግርማ ነነዌ ይምስክር እዩ።

ብዛዕባ ነነዌ እተነግረ ትንቢታት ብልክዕ ተፈጺሙ ምርኣይና፡ ኣብቲ ብዛዕባ መወዳእታ እዚ ሕጂ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይልታት እተነግረ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና እምነት የደልድለልና እዩ።—ዳን. 2:44፣ ራእ. 19:15, 19-21