ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት እንታይ እዩ፧

መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት እንታይ እዩ፧

እንታይ ይመስለካ፧

  • ፍቕሪ

  • ገንዘብ

  • ካልእ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ሕጉሳትሲ እቶም ቃል ኣምላኽ ዚሰምዑን ዚሕልዉን ደኣ እዮም!”​—ሉቃስ 11:28ትርጉም ሓዳስ ዓለም።

እዚ ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧

ናይ ሓቂ ፍቕሪ ትረክብ።​—ኤፌሶን 5:28, 29

ልባዊ ኣኽብሮት ይህልወካ።​—ኤፌሶን 5:33

ናይ ሓቂ ሓድነት ይህልወካ።​—ማርቆስ 10:6-9

ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ብሓቂ ኽንኣምኖ ንኽእልዶ፧

እወ ንኽእል ኢና፣ እንተ ወሓደ ብኽልተ ምኽንያት።

  • መስራቲ ስድራ ቤት ኣምላኽ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵሉ ዓሌት” ወይ ስድራ ቤት፡ ‘ካብ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዚስመ’ እዩ ዚገልጽ። (ኤፌሶን 3:14, 15) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ስድራ ቤት ኪህሉ ዝኸኣለ፡ ኣምላኽ ስለ ዝፈጠሮ እዩ። እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

    ነዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰበሉ፦ ጥዑም ምግቢ ትበልዕ እንተ ኣሊኻ፡ እቲ ምግቢ ኻብ ምንታይ ከም እተሰርሐ ድማ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ንመን ኢኻ እትሓትቶ፧ ነቲ ዝሰርሖ ሰብ ኢኻ እትሓትቶ።

    ብተመሳሳሊ፡ መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ እንተ ደሊና፡ ነቲ መስራቲ ስድራ ቤት ዝዀነ የሆዋ ኢና ኽንሓትቶ ዘሎና።—ዘፍጥረት 2:18-24

  • ኣምላኽ ይሓልየልካ እዩ። ስድራ ቤታት ነቲ የሆዋ ብቓሉ ኣቢሉ ዚህቦ ምኽሪ ኺስዕባኦ ኣለወን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ‘ንሱ ይሓልየልና እዩ።’ (1 ጴጥሮስ 5:6, 7) የሆዋ ጽቡቕና እዩ ዚደሊ፣ ምኽሩ ኸኣ ወትሩ ግብራዊ እዩ።—ምሳሌ 3:5, 6፣ ኢሳይያስ 48:17, 18

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦

ንፉዕ ሰብኣይ፡ ንፍዕቲ ሰበይቲ፡ ወይ ንፉዓት ወለዲ ኽትኰኑ እትኽእሉ ብኸመይ ኢኹም፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብ ኤፌሶን 5:1, 2፣ ቈሎሴ 3:18-21 ይምልሳ እዩ።