ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 12

ናብ ኣምላኽ ክትቀርብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ናብ ኣምላኽ ክትቀርብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

1. ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ይሰምዖ ድዩ፧

ኣምላኽ ንዅሎም ዓይነት ሰባት፡ ብጸሎት ኣቢሎም ናብኡ ኪቐርቡ ዓዲምዎም ኣሎ። (መዝሙር 65:2) ኰይኑ ግና፡ ንዅሉ ጸሎት ኣይኰነን ዚሰምዖ። ንኣብነት፡ ንሰበይቱ ዚገፍዕ ሰብኣይ ጸሎቱ ይዕገት እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:7) ብዘይካዚ፡ እስራኤላውያን ነቲ ሕማቕ ተግባሮም ስለ ዘየቋረጽዎ፡ ኣምላኽ ንጸሎቶም ኣይሰምዖን። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንጸሎት እቶም ካብ ዝፈጸምዎ ኸቢድ ሓጢኣት ዚንስሑ ሰባት ይሰምዖ እዩ። ስለዚ፡ ጸሎት ፍሉይ መሰል ምዃኑ ንጹር እዩ።—ኢሳይያስ 1:15፣ 55:7 ኣንብብ።

ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ይሰምዖ ድዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ

2. ብኸመይ ኢና ኽንጽሊ ዘሎና፧

ጸሎት ክፍሊ ኣምልኾና ስለ ዝዀነ፡ ናብቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ጥራይ ኢና ኽንጽሊ ዘሎና። (ማቴዎስ 4:10፣ 6:9) ብዘይካዚ፡ ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ብስም የሱስ ኢና ኽንጽሊ ዘሎና፣ ከመይሲ፡ ንሱ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞይቱ እዩ። (ዮሃንስ 14:6) የሆዋ፡ እተሸምደደ ወይ እተጻሕፈ ጸሎት ክንደጋግም ዘይኰነስ፡ ካብ ልብና ኽንጽሊ እዩ ዚደልየና።—ማቴዎስ 6:7፣ ፊልጲ 4:6, 7 ኣንብብ።

ፈጣሪና ነቲ ብልብና እነቕርቦ ጸሎት እውን ከይተረፈ ኺሰምዖ ይኽእል እዩ። (1 ሳሙኤል 1:12, 13) ንግሆን ምሸትን፡ ኣብ እዋን መኣዲ፡ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ኰታስ ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚ ኽንጽሊ ዓዲሙና ኣሎ።—መዝሙር 55:22፣ ማቴዎስ 15:36 ኣንብብ።

3. ክርስትያናት ብሓባር ዚእከቡ ስለምንታይ እዮም፧

ኣብ ኣምላኽ እምነት ምስ ዘይብሎምን ነቲ ኣብ ምድሪ ሰላም ንምምጻእ ዝሃቦ ተስፋ ምስ ዜላግጹሉን ሰባት ንነብር ስለ ዘለና፡ ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ቀሊል ኣይኰነን። (2 ጢሞቴዎስ 3:1, 4፣ 2 ጴጥሮስ 3:3, 13) ስለዚ፡ ምስቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ዜተባብዕ ምሕዝነት ኪህልወና ኣለዎ።—እብራውያን 10:24, 25 ኣንብብ።

ምስቶም ንኣምላኽ ዜፍቅርዎ ሰባት እንተ ተዓራሪኽና፡ ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ ንኽእል ኢና። ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ካብ እምነት ካልኦት ሰባት ክትጥቀም ዚሕግዝ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ይኸፍት እዩ።—ሮሜ 1:11, 12 ኣንብብ።

4. ናብ ኣምላኽ ክትቀርብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ብዛዕባ እቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እተምሃርካዮ ትምህርቲ ብምስትንታን፡ ናብ የሆዋ ኽትቀርብ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ግብርታቱን መምርሒታቱን መብጽዓታቱን እውን ሕሰብ። ብጸሎት እተሰነየ ኣስተንትኖ፡ ንፍቕርን ንጥበብን ኣምላኽ ካብ ልቢ ኸም እተማስወሉ እዩ ዚገብረካ።—እያሱ 1:8፣ መዝሙር 1:1-3 ኣንብብ።

ኣብ ኣምላኽ ትውከልን ብእኡ ትኣምንን እንተ ዄንካ ጥራይ ኢኻ ናብኡ ኽትቀርብ እትኽእል። ኰይኑ ግና፡ እምነት፡ ከምቲ ምክንኻን ዜድልዮ ህያው ነገር እያ። ስለዚ፡ ብዛዕባ መሰረት እምነትካ ብምስትንታን፡ ንእምነትካ ኣዘውቲርካ መግባ።—ማቴዎስ 4:4፣ እብራውያን 11:1, 6 ኣንብብ።

5. ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ዚጠቕመካ ብኸመይ እዩ፧

የሆዋ ነቶም ዜፍቅርዎ ይሓልየሎም እዩ። ንእምነቶምን ነቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋኦምን ኣብ ሓደጋ ኼእቱ ኻብ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገራት የዕቍቦም እዩ። (መዝሙር 91:1, 2, 7-10) ካብቲ ጥዕናን ሓጐስን ኬስእነና ዚኽእል ናብራ ኽንርሕቕ እውን የጠንቅቐና እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ዝበለጸ መገዲ ህይወት እዩ ዚምህረና።—መዝሙር 73:27, 28፣ ያእቆብ 4:4, 8 ኣንብብ።