ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ከተማ ራስቶቭ-ኣን-ዳኑ ኽትጽብቕ ሓጊዞም

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ከተማ ራስቶቭ-ኣን-ዳኑ ኽትጽብቕ ሓጊዞም

ብ20 ግንቦት 2015፡ ኣመሓዳሪ እታ ኣብ ደቡብ ሩስያ ዝዓበየት ከተማ ዝዀነት ራስቶቭ-ኣን-ዳኑ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ‘ነታ ኸተማ ንምጽባቓ ኣብ ጽድያ ኣብ እተኻየደ ዕዮ ብልዑል ንጥፈት ከም እተሳተፉ’ ብምንኣድ፡ ናይ ምስጋና ደብዳበ ሂብዎም።

ንኸተማ ራስቶቭ-ኣን-ዳኑ ንምጽባቕ ኣብ እተኻየደ ህዝባዊ ወፈራ፡ ካብ ኣርባዕተ ጉባኤታት እተዋጽኡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ መገድታትን ገማግም ፈለግን እታ ኸተማ ንእተዋህለለ ጐሓፍን ፍርስራሳትን ኣኪቦም እዮም። ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ከኣ ነቲ ጸኒሑ ብማካይን ጽዕነት እተወስደ ኣስታት 300 ኸረጺት ጐሓፍ መልእዎ።

እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንማሕበረሰብ ኪሕግዙ ህንጡያት ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧ ጓል 67 ዓመት ራይሳ ኸምዚ ትብል፦ “ግዲ ዘይብላ ሰብ ክኸውን ኣይደልን እየ። ኵሉ ሰብ ኣብ ጽሩይ ከባቢ ምእንቲ ኺነብር፡ ከተማና ጽርይቲ ኽትከውን እየ ዝደሊ። እንዓይዮ ዕዮ ሒደት ሰባት ጥራይ ዚፈልጥዎ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ዕዮ ተሓጒሰ እየ ዝገብሮ። ከመይሲ፡ የሆዋ ኣምላኽ ይርእዮ እዩ።” ኣሌክሳንደር ከኣ፡ “ንኻልኦት ንሰብከሎም ጥራይ ዘይኰንናስ፡ ንዓታቶም ዚጠቅም ኣገልግሎት እውን ንፍጽም ኢና። ንጐረባብተይ ገለ ነገር ክገብረሎም ከለኹ፡ ሓጐስን ዕግበትን እዩ ዚስምዓኒ” በለ።

ነዚ እተዓዘቡ ሰባት ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘርኣይዎ ብፍታው ናይ ምዕያይ መንፈስ ኣማስዮምሉ እዮም። ሓደ ተቐማጢ እታ ኸተማ፡ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዘይ ክፍሊት ይዓይዩ ኸም ዝነበሩ ምስ ፈለጠ ኣዝዩ ተገረመ። ኣብቲ ጽሬት ኪሕግዞም ከኣ ወሰነ። ጸኒሑ ድማ፡ “ካብ ጽሬት ሓጐስን ብዙሕ ዕግበትን ኪርከብ ዚከኣል ኰይኑ ኣይስምዓንን እዩ ነይሩ” በለ። ወሲኹ ኸኣ፡ “ገሌኻትኩም ኣብዚ ዘይትነብሩ ኽነስኹም፡ ከተጽርዩልና ኢልኩም ግና መጺእኩም” በለ።

ሓደ ብዓል ስልጣን እታ ኸተማ፡ ሒደት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዝዩ ብዙሕ ጐሓፍ ከም ዝኣከቡ ረኣየ። ኣብ ጐድኒ እቲ ዝመልእዎ ከረጺታት ገይሩ ምስ ሰኣሎም ከኣ፡ “እቲ ዕዮ ብኸመይ ኪዕየ ኸም ዘለዎ ንኻልኦት ከርእዮም እየ” በሎም።