ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብርቂ ጕዕዞ

ብርቂ ጕዕዞ

ዓመት ዓመት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ነቲ ኣብ ክፍለ ሃገር ኒው ዮርክ ዚርከብ ህንጻታት ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ይበጽሕዎ እዮም። እዚ ኣባይቲ እዚ፡ ቤት-ኤል ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ፣ እቲ መጸውዒ ድማ ካብ እብራይስጢ እተወስደ ዀይኑ፡ “ቤት ኣምላኽ” ዚብል ትርጉም ኣለዎ። ካብ ርሑቕን ቀረባን ዚመጹ በጻሕቲ፡ ጽሑፋት ብኸመይ ከም ዚዳሎን ዕዮና ብኸመይ ከም እተወደበን ይርእዩ፡ ነቶም ኣብኡ ዜገልግሉ ፈተውቶም እውን ይበጽሕዎም እዮም። ሓደ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝመጸ በጻሒ ግና፡ ነዚ ጕዕዞ እዚ ንምግባር ፍሉይ ቈራጽነት ኪገብር ኣድልይዎ እዩ።

ማርሰለስ ኣብ ኣንከሪጅ፡ ኣላስካ፡ ሕ.መ.ኣ ዚነብር ናይ የሆዋ ምስክር እዩ። ቅድሚ ሒደት ዓመታት ወቕዒ ኻብ ዘጋጥሞ ንነጀው ከኣ ሒደት ቃላት ጥራይ እዩ ኺዛረብ ዚኽእል። a ብብሽክለታ ስንኩላን እዩ ዚንቀሳቐስ። ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታቱ እውን ሓገዝ የድልዮ እዩ። እዚ ጸገማት እናሃለዎ ኽነሱ፡ ናብ ቤት-ኤል ኪበጽሕ ሓያል ትምኒት ነይርዎ። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ እዚ ትምኒቱ እዚ ሰሚሩሉ እዩ።

ንማርሰለስ ነዚ ጕዕዞ ኺገብር ዝሓገዞ ዓርኩ ኮሪ ብዛዕባኡ፡ “ኣይሕለልን እዩ” ድሕሪ ምባል፡ “ኣዘውቲሩ ሓድሽ ነገር እንተሎ ኺሓትት ይድውለለይ ነይሩ። ማርሰለስ ‘እወ’ ወይ ‘ኣይፋል’ ካብ ዚብላ ቓላት ንላዕሊ ብዙሕ ኪዛረብ ስለ ዘይክእል፡ ኪድውለለይ ከሎ ብዙሕ ሕቶታት ክሓትቶ ነይሩኒ” ይብል። ዝርርቦም ድማ ከምዚ ዚስዕብ ይመስል ነይሩ፦

“ክመጸካ ዲኻ ደሊኻ፧”

“ኣይ።”

“ንሓኪም ክድውለልካ ዲኻ ደሊኻ።”

“ኣይ።”

“ብዛዕባ ናብ ቤት-ኤል እንገብሮ ጕዕዞ ዲኻ ኽትፈልጥ ደሊኻ፧”

“እወ።”

“ድሕሪኡ፡ ንጕዕዞ ንገብሮ ዘለና ምድላዋት ኣበይ በጺሑ ኸም ዘሎ እገልጸሉ። ሸቶኡ ኺወቅዕ ምርኣየይ ብዙሕ ኣሐጒሱኒ እዩ።”

ማርሰለስ ነዚ ጕዕዞ እዚ ንምግባር ብዙሕ ዕንቅፋታት ሰጊሩ እዩ። ኣታዊኡ ድሩት ብምዃኑ፡ ነቲ ናብ ኒው ዮርክ 5,400 ኪሎ ሜተር ዚወስድ ጕዕዞ ንምሽፋን ንኽልተ ዓመት ቈጢቡ እዩ። ስንክልና ስለ ዘለዎ ድማ፡ ኪሕግዞ ዚኽእል መጋይሽቲ ኺረክብ ነይርዎ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ነቲ ጕዕዞ ንምግባር ካብ ሓኪሙ ፍቓድ የድልዮ ነይሩ እዩ፣ ነዚ ፍቓድ እውን ነታ በረራ ኺገብረላ እተመደበት መዓልቲ ሒደት መዓልትታት ኪተርፋ ኸሎ እዩ ረኺብዎ።

ማርሰለስ ናብ ኒው ዮርክ ምስ በጽሐ፡ ኣብ ብሩክሊንን ፓተርሰንን ዎልኪልን ብሰብ እናተገልጸሉ ዑደት ገይሩ። ዓበይቲ ሓተምቲ ማካይን፡ መጻሕፍትን መጽሓፍ ቅዱሳትን ኪሓትማ ርእዩ፡ ብዛዕባ ኣወዳድባ እቲ ዕዮ እውን ብዙሕ ፈሊጡ እዩ። “መጽሓፍ ቅዱስን መለኮታዊ ስምን” ዚብል ምርኢትን “ንስም የሆዋ ዚዀኑ ህዝቢ” ዚብል ምርኢትን እውን ርእዩ እዩ። እዚ ኺገብር ከሎ እውን፡ ምስ ብዙሓት ተፋሊጡ እዩ። ብሓቂ ብርቂ ጕዕዞ እዩ ነይሩ!

ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ ቤት-ኤል ዝገበርዎ ዑደት ኪገልጹ ምስ ዚሕተቱ፡ ቃላት ከም ዚሓጽሮም እዮም ዚገልጹ። እቲ ናብ ቤት-ኤል ዝገበሮ ምብጻሕ፡ ዚኽሕስ እንተ ነይሩ ንማርሰለስ ሕቶ ምስ ቀረበሉ ግና፡ በተን ኪዛረበን ዚኽእል ቃላት ገይሩ፡ “እወ። እወ። እወ!” ኢሉ መሊሱ።

ናብ ቤት-ኤል ዚግበር ጕዕዞ፡ ከምቲ ንማርሰለስ ዘተባብዖ፡ ንዓኻን ንስድራ ቤትካን እውን ዜተባብዕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። በጻሕቲ ናብቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከብ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር እንተ መጺኦም፡ ሓንጐፋይ ኢልና ኢና እንቕበሎም። እሞ ደኣ ስለምንታይ መጺእካ ዘይትበጽሓና፧

a እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኽትዳሎ ኸላ፡ ማርሰለስ ብ19 ግንቦት 1914 ዓሪፉ።