ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ መክሲኮን ማእከላይ ኣመሪካን ዚካየድ ዕዮ ትርጉም

ኣብ መክሲኮን ማእከላይ ኣመሪካን ዚካየድ ዕዮ ትርጉም

ኣብ መክሲኮን ማእከላይ ኣመሪካን ኣብ ዚርከባ ሽዱሽተ ሃገራት ዚነብሩ 290 ዚዀኑ ተርጐምቲ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሕታማት ናብ ልዕሊ 60 ቛንቋ ይትርጕሙ እዮም። ክንድዚ ዚኣክል ጻዕሪ ምግባር ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ሰባት ብቐሊሉ ብዚርድኦም ቋንቋ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ኪረኽቡ ኸለው፡ ልቦም ኪትንከፍ ይኽእል እዩ።—1 ቈረንቶስ 14:9

ብሉጽነት ዕዮ ትርጉም ምእንቲ ኺዛይድ፡ ኣብ መክሲኮ ሲቲ ኣብ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪዓይዩ ዝጸንሑ ገሊኦም ተርጐምቲ፡ ቋንቋኦም ኣብ ዚዝረበሉ ኸባቢታት ናብ ዚርከባ ኣብያተ ጽሕፈት ተቐይሮም እዮም። እዚ ብኸመይ ሓጊዝዎም፧ እቶም ተርጐምቲ ምስ ደቀባት ተዛረብቲ እቲ ዚትርጕምሉ ቛንቋ ብዝያዳ ኺራኸቡ ኽኢሎም እዮም፣ እዚ ድማ ንምርዳኡ ቐሊል ዝዀነ ሕታማት ኬዳልዉ ሓጊዝዎም እዩ።

እቶም ተርጐምቲ ብዛዕባ እዚ ለውጢ እዚ ኸመይ ተሰሚዕዎም፧ ተርጓሚ ቛንቋ ጒረሮ ናሁትል ዝዀነ ፈደሪኮ ኸምዚ ይብል፦ “ንዓሰርተ ዓመት ዚኸውን ኣብ መክሲኮ ሲቲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ቋንቋይ እትዛረብ ሓንቲ ስድራ ቤት ጥራይ እየ ረኺበ። ሎሚ ግና፡ ዳርጋ ዅሎም እቶም ኣብ ጥቓ እዚ ቤት ጽሕፈት ትርጉም ኣብ ዚርከባ ኸተማታት ዚነብሩ ሰባት ነዚ ቛንቋ እዚ እዮም ዚዛረቡ።”

ኣብ ኣውራጃ ቺዋዋ ናይ መክሲኮ ኣብ እትርከብ ቤት ጽሕፈት ኰይና ናብ ቋንቋ ሎው ጀርመንኛ እትትርጉም ካሪን፡ “ኣብ ማእከል ሜኖኣውያን እነብር ምህላወይ፡ ነቲ ንሳቶም ዚዛረብዎ እዋናዊ ቛንቋ ኽፈልጦ ሓጊዙኒ እዩ። ኣብ ንእሽቶ ኸተማ ኢና እንነብርን እንሰርሕን። በቲ መስኮት ክጥምት ከለኹ፡ ካብቲ ንሕና እነካይዶ ዕዮ ትርጉም ዚጥቀሙ ሰባት ክርኢ እኽእል እየ” በለት።

ሕጂ ኣብ ቤት ጽሕፈት ትርጉም መሪዳ፡ መክሲኮ እትነብር ዘላ ነይፊ፡ “መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ ማያ ኽንመርሕ ከለና፡ ነቲ ሰብ ማያ ብቐሊሉ ኺርድእዎ ዘይክእሉ መግለጺታት ከነስተብህለሉ ኽኢልና ኢና። ስለዚ፡ ነዚ መግለጺታት እዚ ዝያዳ ባህርያዊ ብዝዀነ መገዲ ኽንትርጕሞ ዜኽእለና ቓላት ኢና እነናዲ” ትብል።

ነዚ እተተርጐመ ጽሑፋት እተቐበሉ ሰባት ብኸመይ ተጠቒሞም፧ ሓደ ኣብነት እስከ ርአ። ቋንቋ ኣዲኣ ትለፓነክ ዝዀነ ኤለና፡ ንኣስታት 40 ዓመት ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዘውቲራ ትካፈል ነይራ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ኣኼባታት ብስጳንኛ ይግበር ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ዚብሃል ዝነበረ ኣይትርድኦን እያ ነይራ። “ኣብ ኣኼባታት ክርከብ ጥራይ እየ ዝደሊ ነይረ” ድማ በለት። ኤለና ብቛንቋ ትለፓነክ እተዳለወት ብሮሹር ተጠቒማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ገበረት ግና፡ ኣብ ኣምላኽ ዝነበራ ፍቕሪ ዓበየ፣ ህይወታ ወፍያ ድማ ብ2013 ተጠምቀት። ኤለና፡ “የሆዋ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክርድኦ ስለ ዝፈቐደለይ አመስግኖ እየ” በለት።