ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ናይጀርያ 3,000 ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተሃኒጹ

ኣብ ናይጀርያ 3,000 ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተሃኒጹ

ቀዳም 1 መጋቢት 2014 በኒን ሲቲ ኣብ ዚብሃል ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ 823 ዚዀኑ ሕጉሳት ሰባት ኣብቲ ንናይጀርያ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ፍጻመ እተኸብረሉ ኣኼባ ተኣኪቦም ነይሮም። ብ1999 ኣብተን ዓቕሚ ዘይብለን ሃገራት ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ንምህናጽ መደብ ካብ ዚወጽእ ኣትሒዙ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ናይጀርያ 3,000 ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ሃኒጾም እዮም።

ቀደም

እቲ ኣኼባ ነቲ ኻብ 1920ታት ኣትሒዙ ኣብ ናይጀርያ ንዚርከባ ጉባኤታት መአከቢ ቦታታት ንምድላው እተኻየደ ጻዕሪ ዚገልጽ ሓጺር ታሪኽ ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ። ኣብ ፈለማ፡ ናይ ብሕቲ ኣባይትን ናይ ክራይ ኣዳራሻትን ይጥቀሙ ነይሮም። ኣብ ናይጀርያ ንኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ይውዕል ከም ዝነበረ ተመዝጊቡ እተረኽበ ናይ ቀደም ቦታ፡ እቲ ኣብ ከባቢ 1935 ኣብ ከተማ ኣይለሳ እተሃንጸ ኣዳራሽ እዩ። ካብ 1938 ክሳዕ 1990 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ቍጽሪ ጉባኤታት ዳርጋ 200 ዕጽፊ እዩ ወሲኹ፣ እዚ ድማ ካብ 14 ናብ 2,681 ክብ ኢሉ ማለት እዩ። በዚ ኸኣ፡ ብዙሓት ጉባኤታት መአከቢ ቦታ ንምርካብ ተጸጊመን እየን። ገሊኡ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ሽዱሽተ ጉባኤታት እየን ዚጥቀማሉ ነይረን። ኣብ ካልእ ቦታታት ድማ ቍጽሪ ተኣከብቲ ኣዝዩ ኻብ ምብዝሑ እተላዕለ፡ ገሊኦም ኣብ ግዳም ደው ኢሎም ነቲ ኣኼባ ብመሳዅቲ ኺሰምዑ ኣድልይዎም እዩ። ካልኦት ብዙሓት ጉባኤታት ከኣ ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይትን ኣብ ክፍልታት ቤት ትምህርትን እየን ዚእከባ ነይረን።

ሕጂ

ብ1990 ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ካብቲ ንማዕከን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ውጽኢት ልቓሕ ብምሃብ ንህንጸት ኣዳራሻት ኪድግፍ ጀሚሩ። ክሳዕ 1997 ድማ ኮሚተ ኸባብያዊ ህንጸት ን105 ጉባኤታት፡ ኣዳራሻተን ኪሃንጻ ወይ ኪጽግና ሓጊዝወን እዩ። ካብ 1997 ክሳዕ 1999፡ 13 ኣዳራሽ ተሃኒጹ፣ ሓንቲ ኣዳራሽ ንምህናጽ ድማ ካብ 7 ኽሳዕ 15 መዓልቲ እዩ ወሲዱ።

ይኹን እምበር፡ እዚ ቕልጡፍ ዕቤት ህንጸት እውን እንተዀነ ምስቲ ኣብ ናይጀርያ እናወሰኸ ዚመጽእ ዝነበረ ቝጽሪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚመዓራረ ኣይነበረን። ኣብ ሚያዝያ 1998፡ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት፡ ኣብታ ሃገር 1,114 ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዜድሊ ገመተ።

ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ናይጀርያ ዝዀነ ዶን ትሮስት፡ ኣብቲ ኣብ በኒን ሲቲ እተኻየደ ፍሉይ ኣኼባ ንተኣከብቲ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ “ኣዝዩ ኸቢድ ዕዮ እዩ ነይሩ! ‘ከመይ ጌርና ኢና ኽንውድኦ፧’ ኢልና ሓሲብና ነይርና” በለ። ካብ 1999 ንነጀው፡ ካብ ሽዱሽተ ኽሳዕ ሸሞንተ ኣባላት ዝሓቘፋ ጕጅለታት ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብታ ሃገር ንዚርከባ ጉባኤታት ኪሕግዛ ምስ ጀመራ ግና እዛ ሕቶ ተመሊሳ እያ። እዘን ጕጅለታት፡ ቀሊል ንድፊ ብምጥቃም፡ ኣብ ዝሓለፈ 14 ዓመት ብገምጋም ኣብ ወወርሒ 17 ኣዳራሽ ሃኒጸን እየን።

ሓው ትሮስት፡ ብዛዕባ እቲ እተዓምመ ዕዮ ምስጋናኡ ድሕሪ ምግላጽ፡ ገና እውን ብዙሕ ዚዕየ ኸም ዘሎ ሓበረ። ብ2003 ኣብ ናይጀርያ ገምጋም ቍጽሪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብልዕሊ 8,000 ወሲኹ እዩ። ሓው ትሮስት ቀጺሉ፡ “ኣብ መጻኢ ንዚርአ ዕቤት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ተወሳኺ 100 ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ የድሊ ኣሎ” በለ። ብ2013 ኣብ ናይጀርያ ዝለዓለ ቝጽሪ እቶም ኣብ 5,700 ጉባኤታት ዚእከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር 351,000 በጺሑ ነይሩ።