ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ኣካረይቲ እተላእከ ደብዳበታት

ካብ ኣካረይቲ እተላእከ ደብዳበታት

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ሽዱሽተ ዓመት ዝወሰደ ምስፋሕ እቲ ኣብ ዎልኪል፡ ኒው ዮርክ ዚርከብ መሳለጥያታት ዎችታወር ፋርምስ ዛዚሞምዎ እዮም። ኣብተን ናይ መወዳእታ ኽልተ ዓመት፡ ዕዮ ህንጸት እናተቐላጠፈ ኪኸይድ ከሎ፡ ወለንታውያን ዓየይቲ ዚቕመጡሉ ዝያዳ ኣባይቲ ኣድለየ። ስለዚ ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ኸባቢ 25 ኣባይቲ ተኻረዩ።

ተኻረይቲ

ወነንቲ እቲ ኣባይቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምክራዮም ከመይ ተሰሚዕዎም፧

  • ሓንቲ ወናኒት ቤት፡ “በቶም ተኻረይቲ ኣዚና ኢና ተሓጒስና። ኣነን ብዓል ቤተይን ኣብ ጐድኒ እቲ [ዘካረናዮ ቤት] ኢና እንነብር፣ እቶም ተኻረይቲ ኸኣ ወትሩ ተሓባበርትን ተቐረብትን እዮም ነይሮም” ኢላ ጸሓፈት።

  • ኣብ ጥቓ እቲ ዘካረየቶ ቤት እትነብር ካልእ ወናኒት ድማ ብዛዕባ ተኻረይታ ኸምዚ ኢላ ጸሓፈት፦ “ምሳታቶም ዘሕለፍናዮ ተመክሮ ወትሩ ኣወንታዊ እዩ ነይሩ። ብድሕሪ ቤትና ባህ ዜብል ኪሕንበሶ ዚከኣል ራህያ ስለ ዘሎ፡ ብፍቓድና ኣዘውቲሮም ይሕንብሱሉ ነይሮም። ኪመጹ ኸለዉ ወትሩ እዮም ሓልዮትን ኣኽብሮትን ዜርእዩ ነይሮም። ምሳታቶም ባህ ዜብል ግዜ ኢና ኣሕሊፍና፣ ኣብቲ ጐልጐል ኪጐዩ ኸለዉ ምርኣይ ድማ ክንናፍቖ ኢና። ካብኡ ዚበልጽ ተመክሮ ኸነሕልፍ ኣይምኸኣልናን ኔርና።”

  • ሓደ ኣካራዪ ኸኣ፡ “እቶም ተቐማጦ፡ ተኻረይትኻ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጐረባብትኻ እውን ኪዀኑ ባህ ዜብል እዩ” በለ።

ንብረት

እቶም ተኻረይቲ ምስ ከዱ፡ ወነንቲ ኣባይቲ ብዛዕባ ዅነታት እቲ ኣካርዮምዎ ዝነበሩ ንብረት ከመይ ተሰሚዕዎም፧

  • “ክራይ ገዛ ኣብ ግዜኡ እዩ ዚኽፈለና ነይሩ። እቲ ቤት እውን ጽቡቕ ክንክን ስለ እተገብረሉ፡ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ከሎ እዩ ተመሊሱልና።”

  • ሓደ ኻብቶም ኣቐዲሞም እተጠቕሱ ኣካረይቲ፡ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ሓንቲ ኸየትረፉ” ኼጽርዩ ኸም ዘይተጸበየ ብምግላጽ፡ “ንቤትና ብጽቡቕ ክንክን ስለ ዝሓዝኩምዎ ንዅሉኹም ኣባላት ውድብ ግምቢ ዘብዐኛ ነመስግነኩም” በለ።

  • ሓንቲ ሰበይቲ፡ “ቅኑዓት ምዃንኩም ስለ እንፈልጥ፡ ንመሸፈኒ እተበላሸወ ንብረት ዚኸውን ዕርቡን ኪኽፈለና ኣይሓተትናን። ኵሉ ዘካረናኩም ነገራት ብዘይ ዝዀነ ጕድለት እዩ ተመሊሱልና” በለት።

  • ሓደ ኣካራዪ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንቤቱ እተወሰነ ጽገና ምስ ገበሩሉ፡ “ከማኻትኩም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንስራሕ ክቘጽር ዝኽእል ብኸመይ እየ፧ ንሓደ ዕዮ ኣብ እተወሰነ መዓልቲ ኸም እትዓይይዎ ቓል እንተ ኣቲኹም፡ ወትሩ ኣብ ግዜኡ ኢኹም እትፍጽምዎ። ቤተይ ኪጽግኑለይ ዝቘጽሮም ካልኦት ሰባት፡ ቃሎም ኣይሕልዉን እዮም” በለ።

ጦብላሕታ

  • ውዕል ክራይ ሓንቲ ቤት ቅድሚ ምብቃዑ፡ እቲ ኣካራዪ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ውዕሎም እንተ ኣሐዲሶም፡ ኣብ ዋጋ ኽራይ ብዙሕ ከም ዚንክየሎም ጸሓፈ።

  • ካልእ ኣካራዪ ኸኣ፡ “ካልእ ኣጋጣሚ እንተ ተረኺቡ፡ ንኣባላት ውድብ ግምቢ ዘብዐኛ እንደገና ኸነካሪ ሕጉሳት ኢና” በለ።