ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ፈለግ ማሮኒ እተገብረ ጕዕዞ

ኣብ ፈለግ ማሮኒ እተገብረ ጕዕዞ

 እተፈላለየ ዓሌትን ቋንቋን ሃገርን ዘለዎም ሰባት፡ ካብቲ ሃታሃታን ጫውጫውታን ዝመልኦ ናብራ ኸተማ ኣዝዮም ርሒቖም ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዚርከብ ጫካ ኣማዞን ይነብሩ እዮም። ስለዚ፡ ኣብ ሓምለ 2017፡ 13 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ፈለግ ማሮኒን ናብቲ ብምብራቕ ኣብ ፈረንሳይ ጊያና ዚርከብ ገባራት ወሓይዝን ጕዕዞ ጀመሩ። ሸቶኦም እንታይ እዩ ነይሩ፧ ነቲ ተስፋ ዝሓዘለ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናብቶም ኣብ ወሰን እቲ ፈለግ ዚነብሩ ሰባት ምብጻሕ እዩ ነይሩ።

ንጕዕዞ ምድላው

 እቲ ናይ 12 መዓልቲ ጕዕዞ ቕድሚ ምጅማሩ ሓደ ወርሒ ዚኸውን ኣቐዲሙ፡ ኵሎም ተሳተፍቲ ኣብቲ ንውጥን እቲ ጕዕዞ እተገብረ ኣኼባ ተሳቲፎም እዮም። ዊንስሊ፡ “ብዛዕባ እቲ ኸባብን ብዛዕባ ታሪኹን ክንፈልጥ ጽዒርና፣ ነቲ ጕዕዞ ብኸመይ ክንዳሎ ኸም እንኽእል እውን ርኢና” ይብል። ነፍሲ ወከፍ ተሳታፊ፡ ሓሓደ ሃለለን (ኣብ ክልተ ባላ ዚውጠር መደቀሲ) ሓሓደ መከላኸሊ ጣንጡ ዛንዛሬራን ዚሕዝ ማይ ዘየእቱ ኣቕሓ ተዋሂብዎ ነይሩ እዩ። እቲ ጕዕዞ፡ ክልተ በረራ ነፈርትን ብታንኳ ንነዊሕ ሰዓታት ዚግበር ጕዕዞን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ።

ክላውድን ሊሰተን።

 እቶም ናብዚ ጕዕዞ እዚ እተዓደሙ፡ ብዛዕባ እቲ ዕድመ እንታይ ተሰሚዕዎም፧ ኣብ ናይ ጡረታ ዕድመ ዝበጽሑ ክላውድን ሊሰተን ነቲ ዕድመ ቐልጢፎም እዮም ተቐቢሎምዎ። ክላውድ፡ “ኣዝየ እየ ተሓጒሰ ነይረ፣ እተወሰነ ፍርሂ ግና ነይሩኒ። ብዛዕባ እቲ ሓደገኛ ዝዀነ ፈጣን ውሕጅ ብዙሕ ሰሚዐ ነይረ እየ” ይብል። ንሊሰተ ግና ካልእ ነገር ኣሻቒልዋ ነይሩ፣ ነዚ ኽትገልጾ ኸላ ድማ፡ “ብቛንቋ ኣመሪካውያን ህንዳውያን ከመይ ገይረ ኽዛረብ ከም ዝኽእል ኣተሓሳሲቡኒ ነይሩ” ትብል።

 ሚካኤል ዝስሙ ተሳታፊ እውን ተመሳሳሊ ስምዒት እዩ ነይርዎ። “ብዛዕባ እቶም ዋያና ዚብሃሉ ዓሌት ብዙሕ ኣይንፈልጥን ኢና ኔርና፣ ስለዚ፡ እተወሰነ ቓላት ምእንቲ ኽፈልጥን ንሰባት ብቛንቋኦም ሰላም ምእንቲ ኽብሎምን ኣብ ኢንተርነት ምርምር ገይረ” ድማ ይብል።

 ምስ ብዓል ቤታ ዮኣን ኰይና እተጓዕዘት ሺርሊ ኸኣ፡ ዝርዝር እቲ ኣብ ወሰን እቲ ፈለግ ዚዝረብ ቋንቋታት ኣዳልያ እያ። “ብመብዛሕትኡ በዚ ቛንቋታት እዚ እተዳለወ ቪድዮታት ካብ jw.org ኣራጊፍናን መሰረታዊ ቓላት ዋያና ዝሓዘት መጽሓፍ ምሳና ተማሊእናን ኔርና” ድማ ትብል።

ህዝቢ ኣመሪካውያን ህንዳውያን ናብ ዚነብሩሉ ኸባቢ ምብጻሕ

 እታ ጕጅለ ብሰሉስ 4 ሓምለ፡ ብነፋሪት ካብ ሳን-ሎራን ዱ ማሮኒ እትብሃል ከተማ ተበጊሳ ናብታ ኣብ ማእከል ፈረንሳይ ጊያና እትርከብ ማሪፓሱላ እትብሃል ንእሽቶ ኸተማ ኣተወት።

 እታ ጕጅለ፡ ቀጺሉ ኣብ ዝነበረ ኣርባዕተ መዓልቲ፡ ፒሮግዩ ብዚብሃላ ብሞተር ዚንቀሳቐሳ ታንኳታት ገይራ ጕዕዞኣ ብምቕጻል፡ ነቶም ኣብ ላዕለዋይ ሸነኽ ፈለግ ማሮኒ ኣብ ዘሎ ኣቝሻት ዚነብሩ ሰባት ሰበኸትሎም። ኣባል እታ ጕጅለ ዝዀነ ሮላንድ፡ “ህዝቢ ኣመሪካውያን ህንዳውያን ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ዓሚቝ ተገዳስነት ዘለዎም ኰይኖም ኢና ረኺብናዮም። ብዙሕ ሕቶታት እዩ ነይርዎም፣ ገሊኦም ድማ ምሳና መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ደልዮም እዮም” ይብል።

 ኣብ ሓንቲ ቝሸት፡ ዮኣንን ሺርሊን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ርእሳ ዝቐተለት ቤተ ሰብ ምስ ዝነበረቶም መንእሰያት ሰብ ሓዳር ተራኸቡ። ዮኣን ከምዚ ብምባል የዘንቱ፦ “ኣብ ፈነወ JW ዝወጸት ኤ ኔቲቭ ኣመሪካን ፋይንድስ ሂዝ ክርኤተር ዘርእስታ ቪድዮ ኣርኢናዮም። እቶም መንእሰያት ሰብ ሓዳር በታ ቪድዮ ኣዝዮም እዮም ተተንክዮም። ምሳና ኺጸሓሓፉ ስለ ዝደለዩ ኸኣ ናቶም ኣድራሻ ኢ-መይል ሂቦምና።”

 ኣብ ላዕለዋይ ሸነኽ እቲ ፈለግ እተበጽሐት ዝረሓቐት ቦታ፡ እታ ኣቴኩም ፓታ እትብሃል ቍሸት እያ። ኣብኡ ኸኣ እቲ ጭቃ ዓዲ ናይታ ቝሸት ነቶም ደኺሞም ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ሃለለኦም ኣብ ህዝባዊ ቦታ ዘርጊሖም ኪድቅሱ ፈቐደሎም። ልክዕ ከምቶም ደቂ እቲ ዓዲ ኸኣ ኣብቲ ፈለግ ተሓጽቡ።

 እታ ጕጅለ ኻብኡ ተበጊሳ ትወንኬ ናብ እትብሃል ቍሸት ኣምርሐት፣ ኣብኡ ኸኣ ተቐማጦ እታ ቝሸት ብምኽንያት ሞት ሰቦም ኪሓዝኑ ጸንሕዎም። እቲ ሓደ ኻብቶም ወደብቲ እቲ ጕዕዞ ዝዀነ ኤሪክ ከምዚ ብምባል የዘንቱ፦ “እቲ ጭቃ ዓዲ፡ ኣብታ ቝሸት እናዞርና ነቶም ሓዚኖም ዝነበሩ ሰባት ከነጸናንዕ ፈቒዱልና። ንሱን ስድራ ቤቱን ድማ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዋያና ዘንበብናሎም ጥቕስታት ፈትዮምዎ እዮም። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ተስፋ ትንሳኤ ዜርኢ ቪድዮታት እውን ኣርኢና ኢና።”

ናብ ግራንድ-ሳንቲን ናብ ኣፓቱን ምሕላፍ

 እቲ ዚቕጽል ክፋል እቲ ጕዕዞ፡ ካብ ማሪፓሱላ ተበጊስካ ናብታ ግራንድ-ሳንቲ እትብሃል ንእሽቶ ኸተማ ንምብጻሕ ብነፋሪት ዚግበር ናይ ፍርቂ ሰዓት ጕዕዞ እዩ ነይሩ። ኣብ ሰሉስን ረቡዕን እቶም ተጐዓዝቲ ንነበርቲ እቲ ኸባቢ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣካፈልዎም። ሓሙስ ድማ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካልእ ጕዕዞ ጀመሩ፣ ብፈለግ ማሮኒ ንሓሙሽተ ሰዓትን ፈረቓን ተጓዒዞም ናብ ቍሸት ኣፓቱ በጽሑ።

ፈለግ ማሮኒ ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ማሪፓሱላን ግራንድ-ሳንቲን ዚርከብ ጫካ ኣማዞን

 ድሮ እታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ጕዕዞ፡ እታ ጕጅለ ናብቲ ኣብ ጫካ ዚርከብ ኣቝሻት ማሩናውያን በጽሐት፣ ማሩናውያን ካብቶም ሱሪናም ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ ግዝኣት ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ብባርነት ናብ ደቡብ ኣመሪካ ዝመጹ ኣፍሪቃውያን እተወልዱ ዘርኢ እዮም። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዅሎም ሰባት ናብቲ ነቲ ኣጋጣሚ እቲ ተባሂሉ ኣብ ጫካ ኣብ እተዳለወ ዓብዪ ድንኳን ዚግበር ኣኼባ ዓደምዎም። ክላውድ፡ “ብዙሓት ሰባት ምስ መጹ ኣዚና ኢና ተሓጒስና፣ ከመይሲ፡ በታ ንግሆ እቲኣ ኢና ዓዲምናዮም” ይብል። እቲ ንፈለማ እዋን ናብቲ ኸባቢ እቲ እተጓዕዘ ካርስተን፡ “ህይወት ማለት እዚ ጥራይ ድዩ፧” ዘርእስታ መደረ ብቛንቋ ኡካን ኣቕረበ። ካብ እተፈላለየ ኣቝሻት ዝመጹ ተስዓን ሓደን ሰባት ኣብቲ ኣኼባ ተኣኪቦም ነይሮም እዮም።

“ደጊምና ኽንዓይዮ ድሉዋት ኢና!”

 ኣብ መወዳእታኡ፡ እቶም ተጓዓዝቲ ናብ ሳን-ሎራን ዱ ማሮኒ ተመልሱ። ኵላቶም በቲ ደቂ እቲ ዓዲ ዝሃብዎ ኣወንታዊ ምላሽ ኣዝዮም ተሓጒሶም ነይሮም እዮም፣ ብዙሕ ጽሑፋት ኣበርኪቶምሎምን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወ ሓያሎ ቪድዮታት ኣርእዮምዎምን እዮም።

 ሊሰተ፡ “ናብዚ ጕዕዞ እዚ ብምኻደይ እተሰምዓኒ ሓጐስ ንምግላጽ ቃላት ይሓጽረኒ” ትብል። ሲንዲ እውን ምስዚ ሓሳብ ብምስምማዕ፡ “ደጊመ ኸምኡ ኽገብር እንተ ዝኽእል፡ እቲ ኣጋጣሚ እቲ ኽውሃበኒ ምለመንኩ። ነዚ ሓጐስ እዚ ምእንቲ ኽትርድኦ፡ ክትጥዕሞ ኣሎካ” ትብል።

 እዚ ጕዕዞ እዚ ንገለ ኻብቶም ተጓዓዝቲ ኺምለሱ ድሌት ኣሕዲሩሎም እዩ። ሚካኤል፡ “ደጊምና ኽንዓይዮ ድሉዋት ኢና!” ይብል። ዊንስሊ ናብ ሳን-ሎራን ዱ ማሮኒ ግዒዛ ኣላ። እቶም ኣብ 60ታት ዕድሚኦም ዚርከቡ ክላውድን ሊሰተን እውን ናብ ኣፓቱ ኺግዕዙ ወሲኖም እዮም።