ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጆሴፍ ብፖሊስ ተዓጂቡ

ጆሴፍ ብፖሊስ ተዓጂቡ

 ናይ የሆዋ ምስክር እንተ ዄንካ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ በቤት እናሰበኽካ ብፖሊስ ክትዕጀብ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ብ2017 ንጆሴፍ ኣብ ማይክሮነዥያ ዘጋጠሞ ተመክሮ ኸምዚ እዩ ዚመስል ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንሱን ሰለስተ ኻልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ኣብ ግሉላት ደሴታት ንዚነብሩ ሰባት ንምብጻሕ ፍሉይ ወፈራ እዮም ዜካይዱ ነይሮም።

 ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኰነ፡ እቶም ኣርባዕተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብታ ኣስታት 600 ነበርቲ ዘለውዋ ንእሽቶ ደሴት በጽሑ። ኣብቲ ገምገም ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ከንቲባ እታ ደሴት ተቐበሎም። ጆሴፍ ድሕሪኡ ዘጋጠመ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “እቲ ኸንቲባ ብናይ ፖሊስ ማኪና ናብ ኵሉ ኣባይቲ ኼብጽሑና ኸም ዚኽእሉ ሓሳብ ኣቕረበ። በቲ ሓሳብ እኳ እንተ ተገረምና፡ ብኣኽብሮት ግና ኣበናዮ። በቲ እተለምደ መገዲ ናብ በቤት እናኸድና ኢና ንሰባት ክንበጽሖም ደሊና።”

 እቶም ኣስፋሕቲ ብእተኻእሎም መጠን ብዙሓት ሰባት ኬዘራርቡ ወሲኖም ብእግሮም ተበገሱ። ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞም ድማ፡ “እቶም ሰባት ተቐበልቲ ኣጋይሽ፡ ነቲ መልእኽቲ ንምስማዕ ከኣ ግዱሳት እዮም ነይሮም። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ኣብ ዘዝኸድናዮ ቤት ካብ እተጸበናዮ ንላዕሊ ግዜ ወሰድና” በሉ።

 መዓልቲ እናደፍአት ምስ ከደት፡ ሓንቲ ናይ ፖሊስ ማኪና ንጆሴፍ ክልተ ሳዕ ሓሊፋቶ ኸደት፣ ሳልሳይ ሳዕ ናብኡ ምስ መጸት ግና ደው በለት። እቶም ኣባላት ፖሊስ ከኣ ንጆሴፍ፡ ናብቲ ተሪፍዎ ዘሎ ኣባይቲ ብማኪና ኼብጽሕዎ ሓተትዎ። ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዝዀነ ነገር፡ ጆሴፍ ከምዚ ኢሉ ተዘክሮኡ ይገልጽ፦ “ኣነ ኣብየዮም ነይረ። ንሳቶም ግና፡ ‘ተሪፉካ ዘሎ ግዜ ሓጺር እዩ፣ ስለዚ፡ ናብቲ ዝተረፈ ኣባይቲ ኸነብጽሓካ’ ብምባል ግዲ በሉኒ። ብዙሕ ኣባይቲ ተሪፉኒ ስለ ዝነበረ፡ መሊሰ ኽኣብዮም ኣይከኣልኩን። ድሕርዚ፡ ናብ በቤት ክንከይድ ከለና፡ እንዳ መን ምዃኑ ይነግሩኒ ነይሮም፣ ኳሕኲሐ ዚኸፍተለይ እንተ ስኢነ ኸኣ፡ ጥሩምባ ማኪናኦም ነፊሖም ነቲ ብዓል ቤት ኪጽውዕዎ ምዃኖም ሓበሩኒ።

 “በዚ ኸምዚ ተወሳኺ ሓገዝ ብምርካብና ኸኣ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ኵለን እተን ኣባይቲ ኽንበጽሕ ከኣልና። ብዙሕ ጽሑፋት ኣበርኪትና፣ ተገዳስነት ንዘርኣዩ ኸኣ ተመሊስና ኽንበጽሖም ቈጸራ ገበርና።”

 እቶም ኣባላት ፖሊስ ድማ ንጆሴፍ፡ ‘ብስራት ምብጻሕ ብሓቂ ኸም ዝፈተውዎ’ ነገርዎ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ግዜ ዕራርቦ ምስ ነቐሉ፡ እቶም ኣባላት ፖሊስ ብኣእዳዎም መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ሒዞም ኣብ ገጾም ፍሽኽታ እናተነብበ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዀይኖም ኣእዳዎም እናኣወዛወዙ ተሳናበትዎም።