ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንደብዳበታታ ኣድኒቖሞ

ንደብዳበታታ ኣድኒቖሞ

 ብሩክ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ናይ የሆዋ ምስክር እያ። ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ 19 ብደብዳበ እያ እትሰብኽ ነይራ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ብዙሕ ደብዳበታት ትጽሕፍ ነይራ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ሓደ ዓመትን መንፈቕን ክትሕለል ጀሚራ። ከመይሲ፡ ኣብዚ ዅሉ እዋን ሓደ ሰብ ጥራይ እዩ መሊሱላ፡ ንሱ ኸማን ደጊማ ንኸይትጽሕፈሉ እዩ ነጊርዋ። ብሩክ እቲ ዅሉ ጻዕራ ንኸንቱ ዝዀን ኰይኑ እዩ ተሰሚዕዋ።

 ድሕሪ ገለ እዋን፡ ሓንቲ ኣብ ባንክ እትሰርሕ ኪም እተባህለት ናይ የሆዋ ምስክር፡ ምስ ሓደ ዓሚላ ዝገበረቶ ዝርርብ ንብሩክ ነጊራታ። እቲ ዓሚል ካብ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ብኢድ እተጻሕፈ ደብዳበ ኸም እተቐበለ ንኪም ነጊርዋ። ኪም ጸኒሓ ኸም እተረድኣቶ፡ እቲ ዓሚል ብዛዕባ ሓደ ኻብቲ ብሩክ ዝጸሓፈቶ ደብዳበታት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ እቲ ዓሚል ናብቲ ባንክ ተመሊሱ መጺኡ። ምስ ኪም እናኣዕለለ ኸሎ ኸኣ ኣብ ሓደ ኻብቲ ብቪድዮ ዚግበር ዝነበረ ናይ ጉባኤ ኣኼባታትና፡ ኪካፈል ዚኽእል እንተ ዀይኑ ሓቲትዋ።

 ቍሩብ ጸኒሑ፡ ዴቪድ እተባህለ ኻልእ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ሓደ ኻብ ደብዳበታታ ንመሳርሕቱ ኸም ዝበጽሖ ንብሩክ ነጊርዋ። እቲ ደብዳበ ብኢድ እተጻሕፈ ብምዃኑ ኸኣ ብጣዕሚ እዩ ተደኒቑ። “ሰባት ንኻልኦት ከምዚ ዓይነት ተገዳስነት ኬርእዩ ኣለዎም” ብምባል እውን ተዛሪቡ። ዴቪድ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ዝያዳ መስኪሩሉ፡ ጽሑፋት ኬምጽኣሉ ምዃኑ ምስ ነገሮ እውን፡ ብሓጐስ ተቐቢልዎ።

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣገልግሎቶም ዚዘርእዎ ዘርኢ መዓስ ከም ዚጥጥዕ ኣይፈልጡን ይዀኑ። (መክብብ 11:5, 6) ይኹን እምበር፡ እዚ ተመክሮታት ንብሩክ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት እትገብሮ ኣበርክቶ ዋጋ ኸም ዘለዎ ኽትርኢ ሓጊዝዋ እዩ።—1 ቈረንቶስ 3:6