ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚእግድዎ ፊልም፡ መጽሓፍ፡ ወይ ሙዚቃ ኣሎዶ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚእግድዎ ፊልም፡ መጽሓፍ፡ ወይ ሙዚቃ ኣሎዶ፧

 የልቦን። ውድብና፡ ትሕዝቶ ገሊኡ ዓይነት ፊልምታት፡ መጻሕፍቲ፡ ወይ ሙዚቃታት መርሚራ ኣባላታ ኸይርእይዎ ኣይትእግድን እያ። ስለምንታይ፧

  መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ‘ልቦናኡ’ ኼሰልጥን እዩ ዜተባብዕ።—እብራውያን 5:14

  ሓደ ክርስትያን መዘናግዒ ኺመርጽ ከሎ ኺሓስበሉ ዘለዎ መሰረታዊ ስርዓታት ቅዱሳት ጽሑፋት ይገልጽ እዩ። a ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወትና ድማ፡ ነቲ፡ “ብጐይታ ተቐባልነት ዘለዎ እንታይ ምዃኑ ብቐጻሊ መርምሩ” ዚብል ማዕዳ ኽንስዕብ ኢና እንጽዕር።—ኤፌሶን 5:10

  መጽሓፍ ቅዱስ፡ ርእስታት ስድራ ቤት ሓላፍነት ከም ዘለዎም ይምህር እዩ፣ ስለዚ፡ ገሊኡ ዓይነት መዘናግዒ ኣብ ቤቶም ኣይፈቕዱን ይዀኑ። (1 ቈረንቶስ 11:3፣ ኤፌሶን 6:1-4) ካብ ስድራ ቤት ወጻኢ ግና፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንገሊኡ ዓይነት ፊልምታት፡ ሙዚቃታት፡ ወይ ንገሊኦም ስነ ጥበባውያን ኪእግድ ኰነ ብዛዕባ እዚ ንኣባላት ጉባኤ ሕጊ ኼውጽኣሎም ሓላፍነት የብሉን።—ገላትያ 6:5

a ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መናፍስትነት፡ ምንዝርና፡ ወይ ዓመጻ ዜስፋሕፍሕ ዘበለ ነገራት ይዅንን እዩ።—ዘዳግም 18:10-13፣ ኤፌሶን 5:3፣ ቈሎሴ 3:8