ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብብሉይ ኪዳን ይኣምኑ ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብብሉይ ኪዳን ይኣምኑ ድዮም፧

 እወ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ከም እተጻሕፈን ጠቓምን’ ምዃኑ ንኣምን ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) እዚ መጽሓፍ እዚ፡ ብልምዲ ብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን ተባሂሉ ዚጽዋዕ መጻሕፍቲ ዝሓዘ እዩ። ነዚ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓፈሻ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጥን ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛን ኢልና ኢና እንጽውዖ። ከምኡ እንብለሉ ምኽንያት ድማ፡ ገሊኡ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ግዜኡ ዝሓለፎ ወይ ዘይረብሕ ከም ዘይኰነ ንምምልካት እዩ።

ክርስትያናት፡ ብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን ዜድልዮም ስለምንታይ እዩ፧

 እቲ ክርስትያን ዝዀነ ሃዋርያ ጳውሎስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ፡ “እቲ ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ፡ ንትምህርትና እዩ እተጻሕፈ” በለ። (ሮሜ 15:4) ስለዚ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ጠቓሚ ሓበሬታ ንረክብ ኢና። ገለ ኻብኡ፡ ጠቓሚ ታሪኽን ግብራዊ ምኽርን ንረክብ ኢና።

  •   ጠቓሚ ታሪኽ። ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብዛዕባ ፍጥረትን ደቂ ሰብ ኣብ ሓጢኣት ብዛዕባ ዝወደቕሉ መገድን ዝርዝር ሓበሬታ ይሕበና እዩ። እዚ ሓበሬታ እዚ እንተ ዘይንረክብ፡ ‘ካበይ ኢና መጺእና፧ ደቂ ሰብ ዚሞቱ ስለምንታይ እዮም፧’ ንዚብልን ንኻልእን ሕቶታት መልሲ ኣይምረኸብናን ኔርና። (ዘፍጥረት 2:7, 17) ብዘይካዚ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ የሆዋ ኣምላኽ ምስቶም ከማና ሓጐስን ብድሆታትን ዘጋጠሞም ሰባት ብዛዕባ ዝነበሮ ርክብ ይገልጽ እዩ።—ያእቆብ 5:17

  •   ግብራዊ ምኽሪ። እተን ክፋላት ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዝዀና መጽሓፍ ምሳሌን መጽሓፍ መክብብን፡ ንህይወትና ዚጠቕመና ግዜ ዘይሓጽሮ ጥበብ ሒዘን ኣለዋ። ኣብ ናብራ ስድራ ቤትና ሓጐስ ክንረክብ (ምሳሌ 15:17)፡ ብዛዕባ ዕዮ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ (ምሳሌ 10:4፣ መክብብ 4:6)፡ መንእሰያት ንንእስነቶም ብዝበለጸ መገዲ ኺጥቀሙሉ (መክብብ 11:9–12:1) ዚሕግዝ ጠቓሚ ምኽሪ ይህባ እየን።

 ብዘይካዚ፡ ነቲ ኣብ ቶራህ (ሓሙሽተ ቐዳሞት መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ) ተመዝጊቡ ዘሎ ሕጊ ሙሴ ብምጽናዕ ብዙሕ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ክርስትያናት ብሕጊ ሙሴ ዘይቅየዱ እኳ እንተ ዀኑ፡ ካብቲ ሕጊ እቲ ግና ሕጉስ ህይወት ክንመርሕ ዜኽእለና ጠቓሚ ስርዓታት ንረክብ ኢና።—ዘሌዋውያን 19:18፣ ዘዳግም 6:5-7