ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዕለታዊ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ዕለታዊ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ነንመዓልቲ እተዳለወ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስን ነታ ጥቕሲ ዚኸውን ሓሳባትን ሒዛ ኣላ። እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ፡ መዓልትኻ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብእተመስረተ ኣወንታውን ሃናጽን ሓሳባት ክትጅምሮ ትሕግዘካ።

እታ ጥቕስን እቲ ሓሳባትን ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ኪንበብ ዚከኣል እኳ እንተ ዀነ፡ ብዙሓት ሰባት ንግሆ ምንባቦም፡ ነቲ ሓሳባት ምሉእ መዓልቲ ኼስተንትኑሉ ስለ ዚሕግዞም፡ ጠቓሚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ስድራ እንተ ኣለዉኻ፡ ብዛዕባ እታ ጥቕሲ ዕለት ብሓባር ብምምይያጥ ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም።

ጥቕሲ ዕለት ኣብ ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ ኸተንብብ ትኽእል ኢኻ፣ ወይ ድማ ንምሉእ ዓመት ዚኸውን ምስቲ ብወረቐት ዚሕተም ዚመሳሰል PDF ከተራግፍ ትኽእል ኢኻ።