ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት

ንቘልዑ ብኸመይ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ትዛረቦም፧

ንቘልዑ ብኸመይ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ትዛረቦም፧

 “ምስ ጓልና፡ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ንመጀመርያ ግዜ ኽንዘራረብ ከለና፡ ጓል ሽዱሽተ ዓመት እያ ነይራ። እቲ ዘገረመና ድማ፡ ካብቲ ንሕና እተጸበናዮ ንላዕሊ ብዛዕባኡ ትፈልጥ ምንባራ እዩ።”—ኣሌክሳንደር።

 ክትፈልጦ ዘሎካ

 ንቘልዑ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ምንጋር ኣገዳሲ እዩ። ደቅኻ ናብ ዕድመ መንእሰይ ክሳዕ ዚበጽሑ ኣይትጸበ። ኣብ ሩስያ ዚነብር ኻሚት ከምዚ ይብል፦ “ንወድና ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ብንእስነቱ ብኻ ነጊርናዮ እብል እየ። እዚ ማዕረ ኽንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ብመከራ እየ ተማሂረዮ። ወደይ ወዲ 13 ዓመት ከሎ፡ ኣዘውቲሩ ይሰቲ ኸም ዝነበረ ፈሊጠ።”

 ኬተሓሳስበካ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

  •   መማህርትን መወዓውዕን ተለቪዥንን ነቲ ንደቅኻ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎም ኣረኣእያ ኺጸልውዎ ይኽእሉ እዮም።

  •   ብመሰረት እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ማእከል ቍጽጽርን ምክልኻልን ሕማም፡ 11 ሚእታዊት ካብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ዚስተ ኣልኮላዊ መስተ፡ ብትሕቲ ዕድመ እዩ ዚስተ።

 በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ወለዲ ንደቆም ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ኣልኮላዊ መስተ ብዛዕባ ዘለዎ ሓደጋ ኺምህርዎም ከም ዚግባእ ይላበዉ እዮም። እሞ ደኣ ከመይ ጌርካ ኢኻ ኸምኡ ኽትገብር ትኽእል፧

 እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

 ውሉድካ ኺሓትተካ ዚኽእል ሕቶታት ገምቶ። ንኣሽቱ ቘልዑ ብባህርዮም ንምፍላጥ ህንጡያት እዮም፣ ዓበይቲ ቘልዑ እውን ብዝያዳ ህንጡያት እዮም። ስለዚ፡ ብኸመይ ከም እትምልስ ኣጸቢቕካ ተዳሎ። ንኣብነት፦

  •   ውሉድካ ኣልኮላዊ መስተ እንታይ ከም ዚጥዕም ኪፈልጥ እንተ ተሃንጥዩ፡ ወይኒ ወይ ነቢት ከም መጺጽ ጽማቝ ፍረታት ምዃኑ፡ ቢራ ኸኣ ምርር ዝበለ ምዃኑ ኽትነግሮ ትኽእል ኢኻ።

  •   ውሉድካ ኣልኮላዊ መስተ ኺጥዕም እንተ ደልዩ፡ ኣልኮላዊ መስተ ንቘልዑ ኸም ዚብርትዖም ክትነግሮ ትኽእል ኢኻ። ሳዕቤናቱ እውን ጥቐሰሉ፦ ኣልኮላዊ መስተ ንሓደ ሰብ ጽቡቕ ከም ዚስምዖ ይገብር እዩ፣ እንተ በዚሑ ግና ጽርውርው የብሎ፡ የዐሽዎ፡ ደሓር ዜጣዕሶ ነገር እውን የዛርቦ እዩ።—ምሳሌ 23:29-35

 ገዛእ ርእስኻ ምሃር። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጐራሕ ብፍልጠት ይገብር” ይብል እዩ። (ምሳሌ 13:16) ኣብታ እትነብረላ ዓዲ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተን ዘሎ ሕግታትን ፍለጥ። ሽዑ ንደቅኻ ንምሕጋዝ ኣጸቢቕካ ኽትዳሎ ኢኻ።

 ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ንምምይያጥ ተበግሶ ውሰድ። ኣብ ብሪጣንያ ማርክ እተባህለ ኣቦ ኸምዚ ይብል፦ “ንኣሽቱ ቘልዑ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ኺደናግሩ ይኽእሉ እዮም። ንወዲ ሸሞንተ ዓመት ወደይ፡ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ቅኑዕ ወይ ጌጋ እንተ ዀይኑ ሓቲተዮ። ፍዅስ ኢሉና ኣብ እንዛነየሉ እዋን እየ ሓቲተዮ፣ እዚ ኸኣ ሓሳቡ ብግህዶ ኺገልጽ ሓጊዝዎ እዩ።”

 ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንውሉድካ ደጋጊምካ ምስ እትነግሮ፡ ዝዓመቘ ጦብላሕታ ኽትሓድገሉ ኢኻ። ዕድመ ውሉድካ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፡ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ህይወቱ ብዛዕባ ዜድልዮ ኻልእ ትምህርትታት፡ ንኣብነት ብዛዕባ ድሕንነት ኣጠቓቕማ ጐደናታትን ትምህርቲ ጾታን ከተመያይጦ ትኽእል ኢኻ።

 ኣብነት ኩን። ቈልዑ ኸም ሰፍነግ ወይ ስፖንጅ እዮም፣ ነቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ባህርያት እዮም ዚወስዱ። እቶም ብቐንዱ ንቘልዑ ጽልዋ ዚገብሩ ኸኣ ወለዲ ኸም ዝዀኑ፡ መጽናዕቲ ይሕብር እዩ። ስለዚ፡ ንስኻ ንመህድኢ ወይ ንመፋዀሲ ጭንቀት ኢልካ ኣልኮላዊ መስተ ትሰቲ እንተ ዄንካ፡ ውሉድካ ኻብቲ ኣብ ናብራኡ ዜጋጥሞ ጭንቀት ንምምላጥ ኣልኮላዊ መስተ ኺሰቲ ኸም ዘለዎ እዩ ዚርድኦ። እምበኣር፡ ኣርኣያ ኹኖ። ኣልኮላዊ መስተ ድማ ብሓላፍነት ስተ።

ውሉዳትካ ኻብቲ ንስኻ ኣልኮላዊ መስተ እትሰትየሉ መገዲ ይምሃሩ እዮም