ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | ኣተዓባብያ ቘልዑ

ወለዲ መውዓል ሕጻናት ኪፈልጥዎ ዚግባእ

ወለዲ መውዓል ሕጻናት ኪፈልጥዎ ዚግባእ

 ገሊኦም ኣብ ስራሕ ዚውዕሉ ወለዲ፡ ትምህርቲ ንዘይጀመሩ ሕጻናት ደቆም ናብ መውዓል ሕጻናት ኪሰድድዎም ይውስኑ እዮም። እዚ መውዓል ሕጻናት፡ ምስ መምሃሪ ኽፍሊ ዚመሳሰል እዩ። ንስኻትኩምከ ንውሉድኩም ናብ መውዓል ሕጻናት ክትሰድድዎ ኣሎኩም ድዩ፧

 ክትሓትትዎ ዚግብኣኩም ሕቶታት

 መውዓል ሕጻናት ኣብ ወላድን ውሉድን ንዘሎ ርክብ ይጸልዎ ድዩ፧ እወ፡ ኪጸልዎ ይኽእል እዩ። ቈልዑ ምስ ተወልዱ ኣብ ዘለዋ ቐዳሞት ዓመታት፡ ኣእምሮኦም ብቑልጡፍ እዩ ዚዓቢ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ምስ ካልኦት ዘለዎም ርክብ ይጸልዎ እዩ። እምበኣር፡ ኣብዘን ንምሉእ ህይወቱ ዚጸልዋኦ ኣገደስቲ እዋናት፡ ምስ ውሉድኩም ከተሕልፍዎ ጸዓሩ።—ዘዳግም 6:6, 7

  •    ውሉዶም ናብ መውዓል ሕጻናት ኪሰድዱ ዝሓሰቡ ወለዲ፡ ነቲ ምስ ውሉዶም ዘለዎም ድልዱል ርክብ ብኸመይ ከም ዚዕቅብዎ ኺሓስቡ ኣለዎም።

 መውዓል ሕጻናት፡ ኣብ ውሉድኩም ንእተሕድርዎ ጽልዋ የዳኽሞ ድዩ፧ እወ፡ ኬዳኽሞ ይኽእል እዩ። ሆልድ ኦን ቱ ዩር ኪድስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ትምህርቲ ዘይጀመሩ ሕጻናት ሓቢሮም ግዜ ብዘሕለፉ መጠን፡ ብዝያዳ ብመዛኑኦም ይጽለዉ እዮም” ትብል።

  •    ውሉዶም ናብ መውዓል ሕጻናት ኪሰዱ ዚሓስቡ ወለዲ፡ ብቐንዱ ኣብ ህይወት ውሉዶም ጽልዋ ምሕዳሮም ዚቕጽሉ ንሳቶም እንተ ዀይኖም ኪሓስቡሉ ይግባእ።

 ንውሉድኩም ናብ መውዓል ሕጻናት ምስዳድኩም፡ ትምህርቲ ምስ ጀመረ ኺጠቕሞ ይኽእል ድዩ፧ ገሊኦም ከም ዚጠቕሞ ይዛረቡ እዮም። ካልኦት ከኣ፡ ብዙሕ ጥቕሚ ኸም ዘይብሉ እዮም ዚዛረቡ። እተፈላለየ ኣማራጺታት እኳ እንተ ሃለወ፡ ፐነለፐ ለች እትብሃል ስነ ኣእምሮኛ ሕጻናት፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢላ ጽሒፋ ኣላ፦ “ኣብ ህይወት እቲ ቐንዲ ነገር ትምህርቲ ኸም ዝዀነ፡ ከምኡ እውን ውሉድኩም ብእተኻእለ መጠን ትምህርቲ ቐልጢፉ ምጅማሩ ዝበለጸ ኸም ዝዀነ ጌርኩም ኣይትሕሰቡ። ከምኡ ኢልኩም ትሓስቡ እንተ ዄንኩም፡ ነቲ ንውሉድኩም ካብ እተወልደሉ እዋን ጀሚርኩም ዝመሃርኩምዎ ትምህርቲ ኣትሒትኩም ኢኹም ትርእይዎ ዘለኹም።”

  •   ወለዲ፡ መውዓል ሕጻናት ጠቓሚ ወይ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ኺሓስቡ ኣለዎም።

 ንስኻ ወይ መጻምድትኻ ምስ ውሉድኩም ክትውዕሉ ትኽእሉዶ፧ ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ዝለዓለ ናብራ ንምንባር፡ ክልቲኦም ወለዲ ይሰርሑ እዮም። ከምኡ ምግባሮም የዋጽእ ድዩ፧

  •   ውሉዶም ናብ መውዓል ሕጻናት ኪሰዱ ዚሓስቡ ወለዲ፡ ሓዲኦም ምስ ውሉዶም ምእንቲ ኺውዕሉ፡ ወጻኢታቶም ኪንክዩ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም ኪሓስቡሉ ይግባእ።

 ውሉድኩም ናብ መውዓል ሕጻናት ቅድሚ ምስዳድኩም፡ ብዛዕባ ጥቕሙን ጕድኣቱን ተጠንቂቕኩም ክትምርምሩ ኣሎኩም። ድሕሪ ምምርማርኩም፡ ንውሉድኩም ናብ መውዓል ሕጻናት ምስዳድ ንስድራ ቤትኩም ጽቡቕ ኣማራጺ ዀይኑ እንተ ተሰሚዕኩምከ፧

 ክትገብርዎ እትኽእሉ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጐራሕ ግና ንስጕምትታቱ ተጠንቂቑ ይሓስበለን” ይብል። (ምሳሌ 14:15) ነዚ መሰረታዊ ስርዓት ኣብ ኣእምሮኹም ብምሓዝ፡ ቅድሚ ዝዀነ ዓይነት መውዓል ሕጻናት ምምራጽኩም ተጠንቂቕኩም ሕሰቡ።

 ኣማራጺታትኩም ፍለጡ

  •   ገሊኦም ወለዲ ንውሉዶም ኣብ ቤት ኰይኑ ናብ ዚኣሊ ሓደ ኣላዪ፡ ወይ ኣብ ቤት ኰይኖም ውሑዳት ሕጻናት ናብ ዚኣልዩ ሒደት ኣለይቲ ኺሰድዱ ይመርጹ ይዀኑ።

  •   ካልኦት ወለዲ ድማ ንውሉዶም ዘመድ፡ ሰራሕተኛ ወይ መጕዚት ኪኣልየሎም ይገብሩ።

 ኵሉ ኣማራጺታት ነናቱ ጥቕምን ጕድኣትን ኣለዎ። እሞኸ ውሉዶም ናብ እተፈላለየ ዓይነት ምውዓል ሕጻናት ንዝሰደዱ ወለዲ ስለምንታይ ዘይተዘራርብዎም፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጥበብ ግና ናይቶም ምኽሪ ዚደልዩ እያ” ይብል።—ምሳሌ 13:10

 ምርጫኻ መውዓል ሕጻናት እንተ ዀይኑኸ፧ ከምዚ ዚስዕብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ . . .

 ብዛዕባ እቲ መውዓል ሕጻናት ፍለጡ

  •   እቲ ሕጊ ዚጠልቦ ብቕዓትን ፍቓድን ዘማልአ ድዩ፧ ጽቡቕ ስም ኣለዎዶ፧

  •   ጽሩይን ውሑስን ድዩ፧

  •   እንታይ ዓይነት ንጥፈታት ኣለዎ፧ a

 ብዛዕባ እቶም ኣለይቲ ፍለጡ

  •   እንታይ ዓይነት ስልጠና እዮም ወሲዶም፧ እቲ ስልጠናኦም ንቘልዑ ምምሃር፡ ቀዳማይ ረድኤት ሕክምና ምሃብ፡ ዳግም ምብርባር ሳንቡእን ልብን የጠቓልል ድዩ፧

  •   እቶም ኣለይቲ ውሉድኩም ዚዀኑ፡ ዝፈጸምዎ ገበን እንተ ኣልዩ ብዛዕባ ድሕረ ባይታኦም ክትምርምሩ ትኽእሉዶ፧

  •   እቶም ኣለይቲ በብግዜኡ ይቀያየሩ ድዮም፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ንውሉድኩም ምስ ሓደስቲ ኣለይቲ ኸም ብሓድሽ ምልማድ እዩ ዚዀኖ።

  •   ነፍሲ ወከፍ ኣላዪ ንኽንደይ ሕጻናት ይኣሊ፧ እቶም ሕጻናት ብዙሓት፡ እቶም ኣለይቲ ግና ሒደት እንተ ዀይኖም፡ ውሉድካ ዜድልዮ ኣቓልቦ ኸይረክብ ይኽእል እዩ። ርግጽ እዩ፡ ውሉድኩም ዜድልዮ ኣቓልቦ ኣብ ዕድሚኡን ክእለቱን እዩ ዚምርኰስ።

  •   እቶም ኣለይቲ ብዛዕባ ንዓኹም ዜተሓሳስበኩም ነገራት፡ ወይ ንዕኦም ዜተሓሳስቦም ነገራት ምሳኻትኩም ኪዘራረቡ ፍቓደኛታት ድዮም፧

a ንኣብነት፡ ንተለቪዥን ከም መጕዚት ድዮም ዚጥቀሙሉ፧ ወይስ ንውሉድኩም ኪምሃርን ኪንቀሳቐስን እዮም ዚሕግዝዎ፧