ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቶም “ሰለስተ ሰብ ጥበብ” እንታዎት እዮም ነይሮም፧ ን“ኰዀብ” ቤት-ልሄም ስዒቦምዎ ድዮም፧

እቶም “ሰለስተ ሰብ ጥበብ” እንታዎት እዮም ነይሮም፧ ን“ኰዀብ” ቤት-ልሄም ስዒቦምዎ ድዮም፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 እቲ “ሰለስተ ሰብ ጥበብ፡” ወይ “ሰለስተ ነገስታት” ዚብል ስያመታት ኣብ ልምድታት በዓል ልደት ዝውቱር እኳ እንተ ዀነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ነቶም የሱስ ድሕሪ ምውላዱ ኺርእይዎ ኢሎም ዝኸዱ ተጐዓዝቲ ንምግላጽ ነዚ ስያመታት ኣይጥቀምን እዩ። (ማቴዎስ 2:1) የግዳስ፡ እቲ ጸሓፍ ወንጌል ዝዀነ ማቴዎስ ነቶም ንየሱስ ዝበጽሕዎ ሰባት ንምግላጽ ነታ ማጐይ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል እዩ ተጠቒሙ። እዛ ቓል እዚኣ ነቶም ኣብ ቈጸራ ኸዋኽብትን ካልእ ስሒራዊ ተግባራትን ክኢላታት ዝነበሩ እተመልክት ክትከውን ትኽእል እያ። a ብዙሕ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ፡” ወይ “ሰብኣ ሰገል” ኢሉ ይጽውዖም እዩ። b

 ክንደይ “ሰብ ጥበብ” እዮም ነይሮም፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ክንደይ ምንባሮም ኣይሕብርን እዩ፣ ብዛዕባ ቝጽሮም ግና እተፈላለየ ርእይቶታት ይውሃብ እዩ። ብመሰረት ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ፡ “ኣብ ምብራቓዊ ያታ ቝጽሮም 12 ኸም ዝነበረ ኺግለጽ ከሎ፡ ኣብ ምዕራባዊ ያታ ግና ሰለስተ ምንባሮም እዩ ዚግለጽ፣ ነዚ መሰረት ዝዀነ ኸኣ ነቲ ሕጻን ሰለስተ ህያብ፡ ማለት ‘ወርቅን ጻዕዳ ዕጣንን ከርበን’ (ማቴዎስ 2:11) ስለ እተዋህቦ ኪኸውን ይኽእል እዩ።”

 እቶም “ሰብ ጥበብ” ነገስታት ድዮም ነይሮም፧

 ኣብ ልምዲ በዓል ልደት፡ እዞም በጻሕቲ እዚኦም ነገስታት ከም ዝነበሩ ጌርካ ዚግለጽ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ነገስታት ምንባሮም ዚገልጽ ነገር የልቦን። ብመሰረት ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ፡ እዚ ስያመ እዚ ዘመናት ጸኒሑ ኣብቲ ንልደት የሱስ ዚገልጽ ታሪኽ እተወሰኸ ዝርዝር እዩ።

 እቶም “ሰብ ጥበብ” መነመን እዮም ዚብሃሉ ነይሮም፧

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስማት እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ኣይሕብርን እዩ። ዘ ኢንተርናሽናል ስታንዳርድ ባይብል ኢንሳይክሎፔድያ ኸም ዚገልጾ፡ “እቲ ሓድሓደ እዋን ዚውሃቦም ስማት (ንኣብነት፡ ጋስፐር፡ መልኽዮር፡ ከምኡ ድማ ባልታዛር) ኣፈ ታሪኽ ጥራይ እዩ።”

 እቶም “ሰብ ጥበብ” ንየሱስ ዝበጽሕዎ መዓስ እዮም፧

 እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ንየሱስ ኪበጽሕዎ ኸለዉ፡ ካብ ዚውለድ ኣዋርሕ ሓሊፉ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ እቲ ንየሱስ ኪቐትሎ ዚደሊ ዝነበረ ንጉስ ሄሮድስ፡ ደቂ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ዘበሉ ዅሎም ኣወዳት ኪቕተሉ እዩ ኣዚዙ። ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ዕድመ ደረት ኬውጽእ ዝኸኣለ ድማ ኣብቲ ኻብቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ተመርኲሱ እዩ።—ማቴዎስ 2:16

 እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ንየሱስ ኣብታ እተወልደላ ምሸት ኣይኰኑን በጺሖምዎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ናብ ቤት ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ ነቲ ሕጻን ምስ ማርያም ኣዲኡ ረኣይዎ” ይብል እዩ። (ማቴዎስ 2:11) እዚ ኸኣ፡ እቶም ስድራ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ቤት ይነብሩ ኸም ዝነበሩን የሱስ ደጊም ኣብ መብልዕ ማል ዝደቀሰ ሕጻን ከም ዘይነበረን የመልክት።—ሉቃስ 2:16

 ኣምላኽ ነቶም “ሰብ ጥበብ” ን“ኰዀብ” ቤት-ልሄም ከም ዚስዕብዎ ገይርዎም ድዩ፧

 ገሊኦም ሰባት፡ ኣምላኽ በቲ ኰዀብ ቤት-ልሄም ተባሂሉ ዚጽዋዕ ኰዀብ ኣቢሉ ነቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ናብ የሱስ ከም ዝመርሖም ይኣምኑ እዮም። እዚ ሓቂ ኪዀነሉ ዘይክእል ምኽንያታት እስከ ርአ።

  •   ኰዀብ ዚመስል ነገር ነቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ መጀመርታ ናብ የሩሳሌም መሪሕዎም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ኻብ ምብራቕ ናብ የሩሳሌም መጹ፡ ‘እቲ እተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፧ ኰዀቡ ኣብ ምብራቕ ርኢና፡ ክንሰግደሉ መጺእና’ ድማ በሉ” ይብል።—ማቴዎስ 2:1, 2

  •   ነቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ መጀመርታ ናብ ቤት-ልሄም ኪኸዱ ዝሓበሮም ንጉስ ሄሮድስ እምበር፡ እቲ “ኰዀብ” ኣይኰነን። ሄሮድስ ብዛዕባ እቲ ተቐናቓኒኡ ገይሩ ዝረኣዮ “ንጉስ ኣይሁድ” ምስ ሰምዐ፡ እቲ ብትንቢት እተነግረሉ ክርስቶስ ኣበይ ከም ዚውለድ መርመረ። (ማቴዎስ 2:3-6) ኣብ ቤት-ልሄም ምዃኑ ምስ ፈለጠ ድማ፡ ነቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ናብኡ ኪኸዱን ነቲ ቘልዓ ኺደልይዎን ምስ ረኸብዎ ኺነግርዎን ነገሮም።

     ድሕርዚ ኸኣ እዮም እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ናብ ቤት-ልሄም ዝኸዱ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሳቶም ከኣ ነቲ ንጉስ ምስ ሰምዕዎ፡ ከዱ፣ እንሆ፡ እቲ ኣብ ምብራቕ ከለዉ ዝረኣይዎ ኰዀብ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እታ እቲ ሕጻን ዘለዋ ቦታ መጺኡ ደው ክሳዕ ዚብል መርሖም” ይብል።—ማቴዎስ 2:9

  •   እቲ “ኰዀብ” ንህይወት የሱስ ኣብ ሓደጋ ናብ ዜእቱ ፍጻመታት መሪሑ፡ ኣብ መወዳእታኡ እውን ንጹሃት ሕጻናት ተቐቲሎም። እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ኻብ ቤት-ልሄም ምስ ወጹ፡ ኣምላኽ ናብ ሄሮድስ ከይምለሱ ኣጠንቂቕዎም እዩ።—ማቴዎስ 2:12

 እሞኸ ሄሮድስ እንታይ እዩ ገይሩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሄሮድስ በቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ኸም እተታለለ ምስ ፈለጠ፡ ኣመና ነደረ፣ ብመሰረት እቲ ኻብቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ኣርጊጹ ዝፈለጦ ግዜ፡ ኣብ ቤት-ልሄምን ኣብ ኵሉ ጐደቦታታን ንዝጸንሑ፡ ደቂ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ዘበሉ ዅሎም ኣወዳት ልኢኹ ኣቕተለ” ይብል። (ማቴዎስ 2:16) ኣምላኽ ምንጪ ኸምዚ ዝኣመሰለ እኩይ ተግባር ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።—እዮብ 34:10

a እቲ ኣብ ሓምሻይ ዘመን ቅ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ሄሮዶተስ ዚብሃል ግሪኻዊ ጸሓፍ ታሪኽ፡ እቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ማጐይ፡ ካብ ዓሌት ሜዶን (ፋርስ) ኰይኖም ኣብ ምቝጻር ከዋኽብትን ምትርጓም ሕልምታትን ክኢላታት ከም ዝነበሩ ገሊጹ እዩ።

b ኣብ ኒው ኣመሪካን ስታንዳርድ ባይብል፡ ዘ ኒው ኣመሪካን ባይብል፡ ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል፡ ኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽን ስታዲ ባይብል ርአ። ብ1956 እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ነዞም በጻሕቲ እዚኦም “ሰብ ጥበብ” ዚብሎም እኳ እንተ ዀነ፡ ሰለስተ ምዃኖም ግና ኣይሕብርን እዩ።