ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መዛግብትና

ብዛዕባ እቶም ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተመዝገቡ ሰባትን ፍጻመታትን ኣንብብ።

ሓፈሻዊ ታሪኽ

ፈነወ እቲ ብስራት

ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ ዝገበርዎ ጻዕሪ፡ መደበር ረድዮ ዳብልዩ.ቢ.ቢ.ኣር. ብኸመይ ኣገልጊላ፧

“ኣዝዩ ኽቡር ወቕቲ”

ዛዮንስ ዎች ታወር ነቲ በዓል ዝኽሪ ዚበዓለሉ እዋን፡ “ኣዝዩ ኽቡር ወቕቲ” ኢላ ጸውዓቶ፣ ንኣንበብታ ድማ ነቲ በዓል ንኼብዕልዎ ኣተባብዓቶም። ቀደም በዓል ዝኽሪ ብኸመይ እዩ ዚበዓል ነይሩ፧

‘ዕዮ ቐውዒ ገና ኣይተዛዘመን’

ኣብ ብራዚል ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚዝርግሕዎ ልዕሊ 760,000 ዚዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ። ዕዮ ስብከት ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ብኸመይ እዩ ጀሚሩ፧

እቲ ካፊተርያ ዚዓዪ ብፍቕሪ ምዃኑ ረኣየ

ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትእከብ ዝጀመርካ ኻብ 1990ታት ንነጀው እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ክንጥቀመሉ ዝጸናሕና መሰናድዎ ኸም ዘሎ ኽንነግረካ ኸለና ይድንጽወካ ይኸውን እዩ።

ዘርኢ መንግስቲ ኣምላኽ ንፈለማ ግዜ ኣብ ፖርቱጋል ብኸመይ ከም እተዘርአ

እቶም ኣብ ፖርቱጋል ዝነበሩ ቐዳሞት ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንዘጋጠሞም ዕንቅፋታት ብኸመይ ሰጊሮምዎ፧

ካብ 1870 ክሳዕ 1918

ህዝባዊ መደረታት ነቲ ብስራት ኣብ ኣይርላንድ ከም ዚዝርጋሕ ገይሩ

ቻርለስ ቴዝ ራስል እቲ “ኺዕጸድ ዚጽበ ዘሎ ድሉው” ግራት ከም ዝዀነ ዘእመኖ እንታይ እዩ፧

100 ዓመት ዝገበረ ቕያ እምነት

ኣብዛ ዓመት እዚኣ፡ እታ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እምነት ንኸነሕድር እትሕግዝ፡ “ፎቶ ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” ዘርእስታ ፊልም ካብ እትወጽእ 100 ዓመት ገይራ።

“ዩሬካ ድራማ” ንብዙሓት ሰባት ንሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺረኽቡዋ ሓጊዛቶም

እዛ እተወሰነ ኽፋል “ፎቶ-ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” እተጠቓልል ፊልም፡ ኣብ ርሑቕ ቦታታት እውን ከይተረፈ ብዘይ ኤለክትሪክ ትርአ ነበረት።

“ንየሆዋ ውዳሰ ዜምጽእ ፍረ አፍሪ ኣለኹ”

ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም፡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጕዳይ ክርስትያናዊ ገለልትነት ምሉእ ብምሉእ ዘይተረድኦም እኳ እንተ ነበሩ፡ ቅንዕናኦም ግና ሰናይ ፍረ ኣፍርዩ።

ኣብ “ሰዓት ፈተና” ጸንዑ

ብ1914 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ምስ ተላዕለ፡ ገለልትነት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዓለም ብኸመይ ከም እተጋህደ ርአ።

ካብ 1919 ክሳዕ 1930

“እቲ ዕዮ ብሕድሪ እተዋህቦም”

ብ1919 ዓለምለኻዊ ጽልዋ ዘሕደረ ዕዮ ተጀመረ።

“ካብ ቅድሚኡ ብዝያዳ ቕንኣትን ፍቕርን ኣብ ልብና ሒዝና”

ድሕሪ እቲ ብ1922 እተገብረ ኣኼባ፡ እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ፡ “ብዛዕባ እቲ ንጉስን መንግስቱን ኣውጁ” ዚብል ምኽሪ ብኸመይ ተግቢሮምዎ፧

‘ቅድሚኡ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ዝበለጸ መልእኽቲ’

ብ1926 እቶም ሽዑ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዚጽውዑ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ኣርባዕተ ኸተማታት ካናዳ ናይ ገዛእ ርእሶም መደበር ሬድዮ የካይዱ ነበሩ።

ኣብ ምብራቕ ጸሓይ ዘላ ሃገር ብርሃን በሪሁላ

ብፍሉይ መገዲ እተሰርሓ “የሁ” ዚብሃላ ተጐተትቲ ገዛውቲ፡ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ጃፓን ከም ዚሰፍሕ ገይረን እየን።

እታ “ዘይትርሳዕ” ድራማ ኣብ ልክዕ ግዜኣ መጸት

እታ ሓዳስ “ክሪኤሽን ድራማ” ነቶም ኣብ ጀርመን ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዘጋጠሞም ፈተናታት ንኺዋጽኡሉ ብኸመይ ከም ዝሓገዘቶም ርአ።

“የሆዋ ሓቂ ኽትፈልጡ ኢሉ እዩ ናብ ፈረንሳ ኣምጺኡኩም”

እቲ መንግስቲ ፈረንሳን መንግስቲ ፖላንድን ኣብ መስከረም 1919 ንስደተኛታት ዚምልከት እተፈራረማኦ ውዕል ኣወንታዊ ውጽኢት ነይርዎ እዩ።

“ኣብ ውሽጢ ድርዑ ኸም ዘሎ ጐብየ እየ ነይረ”

ኣብ መወዳእታ 1929፡ ቍጠባዊ ስርዓት ዓለም ኣብ ቅልውላው ወደቐ። እሞኸ ናይ ምሉእ ግዜ ሰበኽቲ ኣብቲ ጽንኩር እዋን ብኸመይ እዮም ዚናበሩ ነይሮም፧

ካብ 1931 ክሳዕ ሕጂ

ኣብ እተኸፋፈለት ሃገር እተራእየ ሓድነት

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ብዙሕ ዓሌታት ዝመጹ እዮም። ኣብ እዋን ኣፓርታይድ ዝነበረ ዅነታት ብኸመይ ሓሊፎምዎ፧ ካብ ታሪኾም እንታይ ንምሃር፧

‘ኣብ ትሕቲ ጸሓይ፡ ገለ እኳ ደው ኣየብልኩም!’

ብ1930ታት ኣብ ፈረንሳ ዝነበሩ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ውርሻ ቕንኣትን ተጻዋርነትን ሓዲጎም።

“ኣጸጋምን ነዊሕን መገዲ፡ ዕንቅፋት ኣይኰኖምን”

ኣብ መወዳእታ 1920ታትን ኣብ መጀመርታ 1930ታትን፡ ቀናኣት ፈለምቲ ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ርሑቕ ከባቢታት ኣውስትራልያ ኼብጽሕዎ ቘሪጾም ነበሩ።

“ካልእ ዓብዪ ኣኼባ መዓስ እዩ ዚህልወና፧”

ነቲ ብ1932 ኣብ መክሲኮ ሲቲ እተገብረ ኣኼባ ፍሉይ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧

እቲ ንጉስ ባህ በሎ

ንጉስ ስዋዚላንድ፡ ንፍልጠት ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዘማሰወሉ ኣንብብ።

እታ ጸዋሪት ብርሃን፡ መንፈሳዊ ብርሃን ናብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ኣብጽሐት

ተቓውሞ እናኣጋጠመ ኽነሱ፡ እቶም ሒደት ኣባላት ጕጅለ እታ ጸዋሪት ብርሃን ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዘለዎ ሰፊሕ ዞባ፡ ብርሃን ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዘርጊሖም እዮም።

ብሚልዮናት እትፍለጥ መጕልሕ ድምጺ እተገጥመላ ማኪና

ካብ 1936 ክሳዕ 1941፡ “መጕልሕ ድምጺ እተገጥመላ ማኪና ግምቢ ዘብዐኛ” ኣብ ብራዚል ንዚነብሩ ሚልዮናት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብጺሓትሎም እያ።

“ኣቱም ኣብ ብሪጣንያ ዘለኹም ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንቕሑ!!”

ኣብ ብሪጣንያ ንዓሰርተ ዓመት ዚረብሕ ወሰኽ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይነበረን! እዚ ኪቕየር ዝኸኣለ ግና ብኸመይ እዩ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኒው ዚላንድ—ሰላማውያንን ውፉያትን ክርስትያናት ድዮም፧

ብ1940ታት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንድሕንነት ህዝቢ ኸም ዜስግኡ እተቘጽሩ ስለምንታይ እዮም፧

ብሉጾም ሂቦም

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ኣብ ጀርመን ዚነብሩ ክርስትያናት ብጾቶም ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ተዛዘመ፡ ብኸመይ ሓጊዞምዎም፧

መሃይምነት ንምጥፋእ እተገብረ ዓለምለኻዊ ጻዕሪ

ሰበ ስልጣን እተፈላለያ ሃገራት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብምኽንያት እቲ መሃይምነት ንምጥፋእ ዝገበርዎ ዕዮ ንኢዶምዎም እዮም።