ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ | ዮሴፍ

“ኣነዶ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ እየ፧”

“ኣነዶ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ እየ፧”

ኣብ ኣጋ ዕራርቦ ጸሓይ፡ ዮሴፍ ኣብ ቦታ ኣታኽልቱ ደው ኢሉ ነበረ። ኣትኵሮኡ ምናልባት ኣብቲ ኣእዋም ተምርን ካልእ ፍረ ዚፈሪ ኣእዋምን ወይ ከኣ ኣብቲ ኣታኽልቲ ዝነበሮ ራህያታትን ኣብቲ ኽንየው መንደቕ ዚርከብ ቤተ መንግስቲ ፈርኦንን ገይሩ ይኸውን። ወዱ ምናሴ ነቲ ሕጻን ዝነበረ ሓዉ ኤፍሬም ኬጻውቶ ኸሎ እተሰምዐ ድምጺ፡ ካብቲ ብሓሳብ ገይሽዎ ዝጸንሐ ናብ ቤቱ ኺመልሶ ኸሎ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ዮሴፍ፡ ሰበይቱ ብጸወታ ደቃ ትስሕቕ ከም ዘላ ብኣእምሮኡ ምስ ሰኣሎ ፍሽኽ በለ። ኣምላኽ ከም ዝባረኾ ኸኣ ይፈልጥ ነበረ።

ዮሴፍ ነቲ በዅሪ ወዱ ምናሴ ኢሉ ዝሰመዮ፡ ምርሳዕ ዚብል ትርጉም ስለ ዘለዎ እዩ። (ዘፍጥረት 41:51) እቲ ኣብ ቀረባ ዓመታት ካብ ኣምላኽ ዝረኸቦ በረኸት ነቲ ብዛዕባ ዓዱን ኣሕዋቱን ኣቦኡን ዝነበሮ ዜሕዝን ተዘክሮታት ኣረሲዕዎ ኪኸውን ኣለዎ። እቶም ዓበይቲ ኣሕዋቱ ንዕኡ ዝነበሮም ጽልኢ ንህይወቱ ቐይርዋ እዩ። ኣጥቂዖምዎን ኪቐትልዎ ሓሊኖምን እዮም፣ ጸኒሖም ከኣ ባርያ ኪኸውን ናብ ተጓዓዝቲ ነጋዶ ሸጥዎ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ህይወቱ ሽግር ኣብ ርእሲ ሽግር ኰነት። ንሓያሎ ዓመታት ባርነትን ማእሰርትን ተጻዊሩ እዩ፣ ኣብ ገሊኡ እዋናት እሞ ኸኣ ብሰንሰለት ሓጺን እዩ ተኣሲሩ ነይሩ። ሕጂ ግና፡ ኣብታ ሓያል መንግስቲ ግብጺ ትሕቲ ፈርኦን ካልኣይ ደረጃ ዝሓዘ ገዛኢ እዩ! *

ዮሴፍ ንሓያሎ ዓመታት፡ እቲ የሆዋ ኣቐዲሙ እተነበዮ ኸምቲ ዝበሎ ኺፍጸም ከሎ ርእዩ እዩ። እቲ ብዛዕባ ግብጺ ብትንቢት እተነግረ ሸውዓተ ናይ ጽጋብ ዓመታት ናብ ምውዳእ ገጹ እዩ ነይሩ፣ ዮሴፍ ከኣ ንምእካብ እቲ ኣኽል ታርፍ ዝዀነ እኽሊ እታ ሃገር ብሓላፍነት ይቈጻጸር ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ካብ ኣሰናት ሰበይቱ ድሮ ኽልተ ኣወዳት ወሊዱ ነበረ። ገና ግና፡ ብዛዕባ እቶም ኣማእታት ኪሎ ሜተራት ርሒቖም ዝነበሩ ስድራ ቤቱ፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ንእሽቶ ሓዉ ብንያምን ፍቑር ኣቦኦም ያእቆብን ኵሉ ሳዕ እዩ ዚሓስብ ነይሩ። ብደሓን እንተ ኣልዮም የተሓሳስቦ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ብተወሳኺ፡ እቶም ዓበይቲ ኣሕዋቱ ነቲ ዓመጽ ዝመልኦ ተግባራቶም ሓዲጎምዎ እንተ ዀይኖም ወይ ከኣ ነቲ ንስድራ ቤቱ ዝኸፋፈለ ነቓዕ ኪጽግኖ ዚኽእል እንተ ዀይኑ ኣተሓሳሲብዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ሰላም ስድራ ቤትካ ብሰንኪ ቕንእን ጥልመትን ወይ ጽልኢ ተዘሪጉ እንተ ዀይኑ፡ ኵነታትካ ምስ ናይ ዮሴፍ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ካብቲ ዮሴፍ ንስድራ ቤቱ ኣብ ምእላይ ዘርኣዮ እምነት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

“ናብ ዮሴፍ ኪዱ”

ዮሴፍ፡ መዓልታዊ ብስራሕ ትሑዝ ብምንባሩ እተን ዓመታት ቀልጢፈን ሓለፋ። ከምቲ የሆዋ ኣቐዲሙ ንፈርኦን ብሕልሚ ዘርኣዮ፡ ደድሕሪ እታ ሻውዐይቲ ዓመት ጽጋብ፡ ዓብዪ ለውጢ ዀነ። እቲ ኣእካል ሃጐገ! ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ኣብ ኵለን ጐረባብቲ ዓድታት ጥሜት ኰነ። ይኹን እምበር፡ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ፡ “ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ግና እንጌራ ነበረ።” (ዘፍጥረት 41:54) እቲ ዮሴፍ ዝነገሮም መንፈስ ዝነፈሶ ትንቢትን ጽቡቕ ምሕደራኡን ንህዝቢ ግብጺ ኸም ዝጠቐሞም ዜጠራጥር ኣይኰነን።

ዮሴፍ ኵሉ ግዜ ትሑት ብምንባሩ፡ የሆዋ ኺጥቀመሉ ኸኣለ

እቶም ግብጻውያን፡ ሰብ ዕዳኡ ኸም ዝዀኑ ዀይኑ ተሰሚዕዎምን ነቲ ናይ ምሕደራ ኽእለቱ ወዲሶምዎን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ዮሴፍ ሕጂ እውን እንተዀነ፡ ክብሪ ዘበለ ንየሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ኪውሃቦ እዩ ዚደሊ ነይሩ። ነቲ ዘሎና ኽእለት ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ብትሕትና እንተ ተጠቒምናሉ፡ የሆዋ ኻብቲ ኽንግምቶ እንኽእል ንላዕሊ ኸም እንዓዪ ኺገብር ይኽእል እዩ።

ድሕሪ ግዜ ግና፡ ግብጻውያን እውን ከይተረፉ ኺጠምዩ ጀመሩ። ረድኤት ደልዮም ናብ ፈርኦን ምስ ጠርዑ፡ “ናብ ዮሴፍ ኪዱ እሞ ንሱ ዚብለኩም ግበሩ” ብምባል ናብ ዮሴፍ ሰደዶም። ስለዚ፡ ዮሴፍ ነቲ ብዙሕ እኽሊ ዝኣከበሉ ሪቕ ከፈቶ፣ በዚ ድማ እቶም ህዝቢ ዜድልዮም ዘበለ ኺዕድጉ ኸኣሉ።—ዘፍጥረት 41:55, 56

እቶም ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዝነበራ ዓድታት ዝነበሩ ህዝቢ ግና ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣይረኸብዎን። ኣማእታት ኪሎ ሜተራት ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከነኣን ዝነበሩ ስድራ ቤት ዮሴፍ እውን ኣብ ሽግር እዮም ነይሮም። እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ያእቆብ፡ ኣብ ግብጺ እኽሊ ኸም ዘሎ ምስ ሰምዐ፡ ደቁ ናብኡ ወሪዶም ዜድልዮም ምግቢ ኺሽምቱ ለኣኾም።—ዘፍጥረት 42:1, 2

ያእቆብ ነቶም ዓሰርተ ደቁ ሰደዶም፣ ነቲ ዝነኣሰ ወዱ ብንያም ግና ምስኦም ኣይሰደዶን። ነቲ ፍቑር ወዱ ዮሴፍ፡ ደሃይ እቶም ዓበይቲ ኣሕዋቱ ንኺገብር በይኑ ዝሰደደሉ ግዜ ጽቡቕ ገይሩ እዩ ዚዝክሮ። ንወዱ ንመወዳእታ ግዜ ዝረኣዮ ሽዑ እዩ ነይሩ። እቶም ዓበይቲ ደቁ ነቲ እተቐዳደደን ደም እተጸየቐን ክዳን ዮሴፍ ናብ ቤት ኣምጺኦምሉ ነይሮም እዮም። እቲ ኽዳን ከኣ፡ ያእቆብ ንወዱ ኸም መርኣያ ፍቕሩ ዝሃቦ ወለል ዚብል ቀምሽ እዩ ነይሩ። ነቲ ሕርር ኵምትር ዝበለ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ኣቦኦም፡ ሕሱም ኣራዊት እዩ በሊዕዎ ኢሉ ኸም ዚኣምን ገይሮምዎ እዮም።—ዘፍጥረት 37:31-35

“ዮሴፍ . . . ዘከረ”

ድሕሪ ነዊሕ ጕዕዞ፡ ደቂ ያእቆብ ኣብ ግብጺ በጽሑ። እኽሊ ኺዕድጉ ምስ ሓተቱ፡ ናብቲ ጻፍናት ጳዕናሕ ዚብሃል ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን መንግስቲ ኪኸዱ ተነግሮም። (ዘፍጥረት 41:45) ምስ ረኣይዎ፡ ዮሴፍ ምዃኑ ኣለልዮምዎዶ፧ ብፍጹም ኣየለለይዎን። ሓገዙ ዜድልዮም ልዑል ስልጣን ዘለዎ ገዛኢ ግብጺ ገይሮም ጥራይ እዮም ርእዮምዎ። ኣኽብሮት ምእንቲ ኼርእዩ ኸኣ፡ ከምቲ ብልምዲ ዚግበር ዝነበረ “ኣብ ቅድሚኡ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፍኡ።”—ዘፍጥረት 42:5, 6

ዮሴፍከ፧ ንሱ ግና ንኣሕዋቱ ርእይ ምስ ኣበሎም እዩ ኣለልይዎም! ብተወሳኺ፡ ኣብ ቅድሚኡ ፍግም ኢሎም ኪሰግዱ ምስ ረኣየ፡ ብሓሳቡ ናብ ግዜ ቝልዕነቱ ተመልሰ። እቲ ጸብጻብ፡ “ዮሴፍ ድማ ነቲ ብዛዕብኦም ሐሊምዎ ዝነበረ ሕልምታት ዘከረ” ይብል። እዚ ኸኣ እቲ ዮሴፍ ገና ቖልዓ ኸሎ፡ ኣሕዋቱ ኣብ ቅድሚኡ ፍግም ኢሎም ከም ዝሰግድሉ የሆዋ ዘርኣዮ ሕልሚ እዩ። ሕጂ ድማ ልክዕ ከምኡ ዀይኑ ረኸቦ። (ዘፍጥረት 37:2, 5-9፣ 42:7, 9) ዮሴፍ እንታይ እዩ ኺገብር፧ ሓንጎፋይ ኢሉ ድዩ ኪቕበሎም፧ ሕነ ድዩ ኺፈዲ፧

ዮሴፍ ንዝዀነ ይኹን ነገር ከይሓሰበ ብስምዒት ኪገብሮ ኸም ዘይብሉ ኣጸቢቑ እዩ ዚፈልጥ ነይሩ። ናብዚ ነጥበ መቐይሮ ዝዀነ ፍጻመታት እዚ ዚመርሖ ዝነበረ የሆዋ ምዃኑ ንጹር እዩ። ምኽንያቱ፡ እዚ ንዕላማኡ ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ንዘርኢ ያእቆብ ብርቱዕ ህዝቢ ኸም ዚገብሮም ተስፋ ሂብዎም ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 35:11, 12) ኣሕዋት ዮሴፍ ገና ዓመጽትን ስሱዓትን ዘይቅኑዓትን ሰባት እንተ ዝዀኑ፡ እቲ የሆዋ ንዘርኢ ያእቆብ ብርቱዕ ህዝቢ ኸም ዚገብሮም ዝሃቦ ተስፋ ኣብ ሓደጋ ምኣተወ ነይሩ። ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ዮሴፍ ብስምዒት ተደሪኹ ሓደ ነገር እንተ ዚገብር ነቶም ኣብ ከነኣን ዝነበሩ ስድራ ቤቱ ዜጕሂ፡ ምናልባት እውን ንኣቦኡን ንሓዉ ብንያምን ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ምዀነ ነይሩ። ንምዃኑኸ ብህይወት ነይሮም ድዮም፧ ዮሴፍ፡ ኣሕዋቱ ኣብ ባህርያቶም ለውጥታት ገይሮም እንተ ዀይኖም ምእንቲ ኺፍትኖም፡ መንነቱ ኺሓብእ ወሰነ። በዚ ድማ የሆዋ እንታይ ኪገብር ከም ዚደልዮ ኺፈልጥ ይኽእል።

ምናልባት ንዓኻ ኸምዚ ዓይነት ኵነታት ኣየጋጠመካን ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ባእስን ኣብ መንጎ ስድራ ቤት ዜጋጥም ምክፍፋልን ኣብዚ ግዜና ልሙድ ተርእዮ እዩ። ከምዚ ዓይነት ብድሆታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ንልብና ብምስዓብ በቲ ዘይፍጹም ስምዒትና ተደፋፊእና ስጕምቲ ኽንወስድ ቀሊል እዩ። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ኣብነት ዮሴፍ ብምስዓብ፡ ኣምላኽ ንነገራት ብኸመይ ክንሕዞ ኸም ዚደልየና ንኽንርዳእ እንተ ጸዓርና ጥበባዊ እዩ። (ምሳሌ 14:12) እቲ ምስ የሆዋን ወዱን ኪህልወና ዘለዎ ሰላም ካብቲ ምስ ኣባላት ስድራ ቤትና ኺህልወና ዘለዎ ሰላም ንላዕሊ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣይንረስዕ።—ማቴዎስ 10:37

“ክትፍተኑ ኢኹም”

ዮሴፍ ንኣሕዋቱ ውሽጣዊ እንታይነቶም ዜቃልዕ ተኸታታሊ ፈተናታት ኣቕረበሎም። ኣስተርጓሚ ተጠቒሙ፡ ሰለይቲ ምዃኖም ብምኽሳስ ኣትሪሩ ኺዛረቦም ጀመረ። ንገዛእ ርእሶም ምእንቲ ኺከላኸሉ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት ተሪፉ ዝነበረ ንእሽቶ ሓዎም እውን ከይተረፈ ዚገልጽ ኣገዳሲ ሓበሬታ ስድራ ቤቶም ነገርዎ። ዮሴፍ ሓጐሱ ኺሓብእ ፈተነ። እቲ ንእሽቶ ሓዉ ብሓቂ ድዩ ብህይወት ዘሎ፧ ዮሴፍ ቀጺሉ እንታይ ከም ዚብል ይፈልጥ ነበረ። “በዚ ኽትፍተኑ ኢኹም” ድሕሪ ምባሉ፡ ነቲ ንእሽቶ ሓዎም ግድን ኪርእዮ ኸም ዘለዎ ነገሮም። ድሕሪ ግዜ፡ ሓደ ኻባታቶም ተኣሲሩ ኺጸንሕ እንተ ደኣ ተሰማሚዑ፡ ነቲ ንእሽቶ ሓዎም ምእንቲ ኼምጽእዎ ናብ ቤቶም ኪመልሶም ተሰማምዐ።—ዘፍጥረት 42:9-20

ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ንሓድሕዶም ኪዛራረቡ ኸለዉ፡ ዮሴፍ ንዘረባኦም ይርድኦ ኸም ዝነበረ ኣይፈለጡን፣ በቲ ቕድሚ 20 ዓመት ዝፈጸምዎ ኸቢድ ሓጢኣት ድማ ንገዛእ ርእሶም ወቐሱ። “ንሓድሕዶም ከኣ፡ ብሓቂ ኣብ ሓውና በደልና፡ እቲ ምሕረት ኪልምነና ኸሎ፡ ጸበባ ነፍሱ እናርኤና ኣይሰማዕናዮን፡ ብሰርዚ እዚ መከራዚ በጽሓና ተባሃሀሉ።” ዮሴፍ ዚብልዎ ዝነበሩ ተረድኦ፣ ንብዓቱ ምእንቲ ኸይርእዩ ኸኣ ካባታቶም ተኣልየ። (ዘፍጥረት 42:21-24) ይኹን እምበር፡ ናይ ሓቂ ነስሓ ዚብሃል ብሰንኪ እቲ እኩይ ተግባርካ ዘስዓበልካ ሕማቕ ነገራት ካብ ምጕሃይ ንላዕሊ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ምፍታኖም ቀጸለ።

ናብ ቤቶም ኪኸዱ ሓደጎም፡ ንስምኦን ግና ኣሰሮ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብቲ ናብ ቤቶም ዝወሰድዎ ኸረጺት ምግቢ፡ ገንዘብ ሓብአ። እቶም ኣሕዋት ናብ ቤቶም ተጓዓዙ፣ ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ ኸኣ ያእቆብ ነቲ ዜፍቅሮ ወዱ ብንያም ምስኦም ናብ ግብጺ ንኺሰድዶ፡ ኣእመንዎ። ኣብ ግብጺ ምስ በጽሑ፡ ንኣዛዝ ቤት ዮሴፍ፡ ኣብ ከረጺቶም ገንዘብ ከም ዝረኸቡን ንኪኸፍልዎ ድማ ሒዞምዎ ኸም እተመልሱን ብቕንዕና ነገርዎ። እዚ ዚድነቕ እዩ ነይሩ፣ እንተዀነ ግና ዮሴፍ፡ እንታይ ዓይነት ሰባት ምዃኖም ብዝያዳ ኺርኢ ደለየ። ንብንያም ድሕሪ ምርኣዩ፡ ስምዒቱ ኺሓብእ እናፈተነ ኸኣ ድግስ ገበረሎም። ብድሕርዚ ኸም ብሓድሽ ምግቢ ጽዒኑ ናብ ቤቶም ሰደዶም፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ግና፡ ኣብ ከረጺት ብንያም ጽዋእ ብሩር ተሓቢኣ ነበረት።—ዘፍጥረት 42:26–44:2

ዮሴፍ ቀጺሉ መጻወድያኡ ዘርግሐ። ንኣሕዋቱ ዚስዕቦም ሰብ ልኢኹ፡ ከም ዝተሓዙን ጽዋእ ብምስራቖም ከም ዚኽሰሱን ገበረ። እታ ጽዋእ ኣብ ከረጺት ብንያም ምስ ተረኽበት፡ ኵሎም ናብ ዮሴፍ ከም ዚምለሱ ተገብረ። ሕጂ ዮሴፍ፡ ኣሕዋቱ እንታይ ዓይነት ሰባት ምዃኖም ንኺርኢ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ረኸበ። ይሁዳ ኣፈኛኦም ብምዃን፡ ምሕረት ኪግበረሎም ሓተተ፣ ኵሎም እቶም 11 ኣሕዋት ኣብ ግብጺ ባሮት ኪዀኑ እውን ከይተረፈ ሓሳብ ኣቕረበ። ዮሴፍ ግና ብኣንጻሩ፡ ብንያም ባርያ ዀይኑ ኣብ ግብጺ ኺተርፍ፡ ዝተረፉ ኻልኦት ግና ኪኸዱ ነገሮም።—ዘፍጥረት 44:2-17

ይሁዳ፡ ስምዒት ብዚትንክፍ ዘረባ ንኺምልስ ተለዓዓለ እሞ፡ “እዚ ድማ ካብ ደቂ ኣዲኡ በይኑ ተሪፉ፡ ኣቦኡ ኸኣ ይፈትዎ እዩ” ብምባል ተዛረበ። ዮሴፍ፡ በዅሪ ወዲ እታ ያእቆብ ዜፍቅራ ዝነበረን ንብንያም ክትሓርስ ከላ ዝሞተትን ራሄል ብምንባሩ፡ እዘን ቃላት እዚአን ንልቡ ተንኪፈናኦ ኪዀና ኣለወን። ልክዕ ከም ኣቦኡ፡ ዮሴፍ እውን ነቲ ብዛዕባ ራሄል ዝነበሮ ተዘክሮታት ኣኽቢሩ ይርእዮ ኸም ዝነበረ ንጹር እዩ። ዮሴፍ ንብንያም ኣዝዩ ኸም ዜፍቅሮ ዝገበሮ፡ ክልቲኦም ደቂ ራሄል ስለ ዝነበሩ እዩ ዚኸውን።—ዘፍጥረት 35:18-20; 44:20።

ይሁዳ፡ ዮሴፍ ንብንያም ባርያ ንኸይገብሮ ኺልምኖ ጀመረ። ኣብ ክንዲ ብንያም ንሱ ባርያ ኪኸውን እውን ከይተረፈ ፍቓደኛ ዀነ። ልቢ ብዚትንክፍ ለመና ኸኣ፡ “እዚ ወዲ ምሳይ ካብ ዘይህሉስ፡ ከመይ ኢለ ደኣ ናብ ኣቦይ ክድይብ እየ፧ እቲ ነቦይ ዚረኽቦ ኽፉእሲ ኣየርእየኒ” ብምባል ዘረባኡ ዛዘመ። (ዘፍጥረት 44:18-34)። እዚ ድማ ይሁዳ ኸም እተለወጠ ዜረጋግጽ እዩ ነይሩ። ነስሓ ኣርእዩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም ሓልዮትን ዘይምስሳዕን ድንጋጽን ዝኣመሰለ ዚድነቕ ባህርያት እውን ኣንጸባሪቑ እዩ።

ዮሴፍ፡ ኣሕዋቱ ነቲ ንዕኡ ዝገበርዎ ሕማቕ ግብሪ ኸም እተጣዕሱሉ ኣስተውዓለ

ዮሴፍ ልዕሊ እዚ ኺጻወር ኣይከኣለን። ነቲ ኣብ ውሽጡ ተደጒሉ ዝነበረ ስምዒት ምእንቲ ኺድርጕሖ፡ ኵሎም ኣገልገልቱ ኺወጹ ኣዘዘ። ድምጹ ኣብ ቤት ፈርኦን ክሳዕ ዚስማዕ ከኣ ዓው ኢሉ በኸየ። “ኣነ . . . ዮሴፍ ሓውኩም እየ” ብምባል ከኣ ኣብ መወዳእታ መንነቱ ገለጸ። ነቶም ቀዚዞም ዝተረፉ ኣሕዋቱ ሓቘፎም፣ ንዅሉ እቲ ዝገበርዎ ነገራት ከኣ ብሕያውነት ይቕረ በለሎም። (ዘፍጥረት 45:1-15) በዚ ኸምዚ፡ ንባህርያት እቲ ብልግሲ ይቕረ ዚብል የሆዋ ኣንጸባረቐ። (መዝሙር 86:5) ንሕናኸ፡ ከምዚ ንገብር ዲና፧

‘ገና ብህይወት ከም ዘሎኻ ርኤኹ’

ፈርኦን ምኽንያት እቲ ኣብ ቤት ዮሴፍ እተሰምዐ ጫውጫው ምስ ፈለጠ፡ ንዮሴፍ ነቲ ብዕድመ ዝደፍአ ኣቦኡን ንዅሎም ኣባላት ስድራ ቤቱን ናብ ግብጺ ኼምጽኦም ነገሮ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ዮሴፍ ምስቲ ኣዝዩ ዜፍቅሮ ኣቦኡ ተራኸበ። ያእቆብ እናበኸየ፡ “ገና ብህይወት ከም ዘሎኻ፡ ገጽካ ኻብ ርኤኹ፡ ሕጅስ እሙት” በለ።—ዘፍጥረት 45:16-28; 46:29, 30።

ያእቆብ ናብ ግብጺ ድሕሪ ምምጻኡ ን17 ዓመት ብህይወት ቀጸለ። ነቶም 12 ደቁ ኸኣ ብትንቢታዊ ምርቓ ኺምረቖም ከኣለ። ነቲ መበል 11 ውሉዱ ዝዀነ ዮሴፍ፡ እቲ ንበዅሪ ዚውሃብ ዝነበረ ዕጽፊ በረኸት ሃቦ። ካብ ዮሴፍ ድማ ክልተ ነገዳት እስራኤል መጺኡ እዩ። እቲ ራብዓይ ውሉድ ዝነበረ፡ ካብ ኣሕዋቱ ንላዕሊ ኸኣ ሓለፍ ዝበለ ናይ ነስሓ መንፈስ ዘርኣየ ይሁዳኸ፧ ንሱ እውን ዓብዪ በረኸት ተባረኸ፣ እቲ መሲሕ ካብ መስመር ወለዶኡ እዩ መጺኡ።—ዘፍጥረት፡ ምዕራፍ 48ን 49ን።

ያእቆብ ኣብ 147 ዓመት ዕድሚኡ ምስ ሞተ፡ ኣሕዋት ዮሴፍ፡ እቲ ልዑል ስልጣን ዝነበሮ ሓዎም ሕነ ኸይፈድዮም ፈርሁ። ዮሴፍ ግና፡ ፍቕራዊ ዝዀነ መረጋገጺ ሃቦም። እታ ስድራቤት ናብ ግብጺ ምግዓዛ ኢድ የሆዋ ኸም ዝነበሮ ድሮ ተረዲኡ ስለ ዝነበረ፡ ኣሕዋቱ በቲ ዝገበርዎ ነገራት ሕማቕ እናተሰምዖም ኪነብሩ ኸም ዘይብሎም ነገሮም። ወሲኹ ኸኣ “ኣነዶ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ እየ፧” ብምባል እተደንቕ ሕቶ ሓተተ። (ዘፍጥረት 15:13፣ 45:7, 8፣ 50:15-21) ዮሴፍ፡ እቲ ፍጹም ፈራዲ፡ የሆዋ ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። ስለዚ፡ ነቶም የሆዋ ይቕረ ዝበለሎም እሞ ኸመይ ገይሩ ንሱ ኪቐጽዖም ዚኽእል፧—እብራውያን 10:30

ይቕረ ንኽትብል በዳሂ ዀይኑካዶ ይፈልጥ፧ ብፍላይ፡ ሓደ ሰብ ኰነ ኢሉ ምስ ዚጐድኣና ኣዝዩ ኸቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነቶም ብሓቂ እተጣዕሱ፡ ካብ ልቢ ይቕረ ምስ እንብለሎም ቍስልናን ናይ ካልኦት ቍስልን ከነሕዊ ንኽእል ኢና። ከምዚ እንተ ጌርና፡ ንእምነት ዮሴፍን ንኣብነት እቲ መሓሪ ኣቦ ዝዀነ የሆዋን ክንስዕብ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 4 ኣብ ናይ 1 ነሓሰ 20141 ሕዳር 2014፣ ከምኡ እውን ኣብ 1 ለካቲት 2015 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ትሕቲ “ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ” እትብል ዓምዲ ዝወጻ ዓንቀጻት ርአ።