ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት

ምስ ውሉድካ ብዘይ ቈይቊ ተዘራረብ

ምስ ውሉድካ ብዘይ ቈይቊ ተዘራረብ

“ጓለይ ጓል 14 ዓመት ምስ ኰነት፡ ዳርግዳርጋ ኽትምልሰለይ ጀመረት። ‘ንዒ ድራር ብልዒ’ እንተ ኢለያ፡ ‘ምስ ጠመኹ እየ ዝበልዕ’ ኢላ ትምልሰለይ። ዕዮ ገዛ ወዲኣ እንተ ዀይና ኽሓትታ ኸለኹ ድማ፡ ‘እንታይ ኢኺ ትርብሽኒ፧’ ትብለኒ። ብዙሕ ሳዕ፡ ዓው ዓው ንብልን ንቋየቝን ኢና።”—ማኪ፡ ጃፓን። *

ምስቲ ኣብ ዕድመ ብጽሕና/ጕርዝውና ዚርከብ ውሉድካ ዜጋጥመካ ግጭት፡ ኬድክመካን ንትዕግስትኻ ኺጽንቅቖን ይኽእል እዩ። ማሪያ ዝስማ ጓል 14 ዓመት ውሉድ ዘላታ ኣብ ብራዚል እትነብር ኣደ፡ “ጓለይ ንስልጣነይ ኣብ ሕቶ ኸተእትዎ ኸላ፡ ደመይ እዩ ዚፈልሕ። ክልቴና ኣመና ስለ እንሓርቕ፡ ዓው ዓው ኢና እንብል” በለት። እታ ኣብ ኢጣልያ እትነብር ካርሚላ እውን፡ ተመሳሳሊ ጸገም እዩ ዜጋጥማ። “ምስ ወደይ ኵሉ ሳዕ ኢና እንቋየቝ፣ ድሕሪኡ፡ ብሓርቖት ናብ ክፍሉ ይኸይድ” በለት።

ገሊኦም ውሉዳት ነቓጻት ዚዀኑ ስለምንታይ እዮም፧ ብሰንኪ መዛኑኦም ድዮም፧ ምናልባት ኪኸውን ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዕርክነት ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ጽልዋ ኺህልዎ ኸም ዚኽእል ይገልጽ እዩ። (ምሳሌ 13:20፣ 1 ቈረንቶስ 15:33) ብዘይካዚ፡ እቲ ሎሚ ንመንእሰያት ዚስሕቦም መዘናግዒ፡ ንዕልወትን እዙዝ ንዘይምዃንን ከም ቅቡል ገይሩ እዩ ዜቕርቦ።

ይኹን እምበር፡ ካልእ ረቛሒታት እውን ኣሎ፣ እቲ ረቛሒታት ንውሉድካ ብኸመይ ከም ዚጸልዎ ምስ ተረድኣካ ድማ፡ ብቐሊሉ ኽትሰግሮ ኢኻ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

ምምዕባል ‘ኣእምሮ’

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ቈልዓ ኸለኹ፡ ከም ቈልዓ እዛረብ፡ ከም ቈልዓ እሓስብ፡ ከም ቈልዓ እመራመር ነበርኩ፣ ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ ነቲ ነገር ቈልዓ ሓደግክዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 13:11) ስለዚ፡ ከምዚ ጳውሎስ ሓቢርዎ ዘሎ፡ ቈልዑን በጽሕታትን ዚሓስቡሉ መገዲ እተፈላለየ እዩ። ብኸመይ፧

ብዓይኒ ቘልዑ ኺርአ ኸሎ፡ ሓደ ነገር ልክዕ ከም ጸሊምን ጻዕዳን፡ ቅኑዕ ወይ ጌጋ እዩ። በጽሕታት ግና፡ ንእተሓላለኸ ነገራት ኪርድእዎ ይኽእሉ እዮም፣ ኣብ ገለ መደምደምታ ንኺበጽሑ ወይ ከኣ ገለ ዓይነት ውሳነ ንኺገብሩ ድማ፡ ኣዕሚቖም ኪሓስቡ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ በጽሕታት ነቲ ምስ ሓደ ጕዳይ ተተሓሒዙ ዚመጽእ ስነ ምግባራዊ ሕቶ ኣብ ግምት የእትውዎን ስጕምትታቶም ንኻልኦት ብኸመይ ኪጸልዎም ከም ዚኽእል ይሓስቡን እዮም። ንኸምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ድማ ለሚዶምዎ እዮም። ኣብ ዕድመ ብጽሕና/ጕርዝውና ዚርከብ ውሉድ ግና፡ ንኸምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ገና ኣይለመዶን ኪኸውን ይኽእል እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንመንእሰያት፡ “ጥንቃቐ” ወይ ከኣ ናይ ምምዝዛን ክእለት ኬማዕብሉ የተባብዖም እዩ። (ምሳሌ 1:4) ንዓታቶም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሎም ክርስትያናት፡ ‘ንኣእምሮኦም’ ኪጥቀሙሉ ይላበዎም እዩ። (ሮሜ 12:1, 2፣ እብራውያን 5:14) ሓድሓደ ግዜ ግና፡ እቲ ውሉድካ ዘለዎ ናይ ምሕሳብ ክእለት፡ ብጢጥ ቅሚጥ ምሳኻ ኸም ዚከራኸር ኪገብሮ ይኽእል እዩ። * ወይ ከኣ ምምዝዛን ዚጐድሎ ዘረባ ይዛረብ ይኸውን። (ምሳሌ 14:12) ከምዚ ኼጋጥም ከሎ፡ ብኸመይ ኢኻ ብዘይ ቈይቍ ኸተረድኦ እትኽእል፧

ነዚ ፈትኖ፦ ውሉድካ ነቲ ሓድሽ ናይ ምሕሳብ ክእለቱ ኺጥቀመሉ ይፍትን እኳ እንተሎ፡ ገና ንርእይቶኡ ምሉእ ብምሉእ ኣይኣምነሉን ይኸውን። ስለዚ፡ እንታይ ይሓስብ ከም ዘሎ ንምፍላጥ፡ ፈለማ ነቲ ናይ ምሕሳብ ክእለቱ ይጥቀመሉ ስለ ዘሎ ንኣዶ። (“ነቲ ዝበልካዮ ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተ ዘይተሰማማዕኩሉ፡ ተረዲአካ ኣለኹ።”) ድሕሪኡ፡ ንኣተሓሳስባኡ ንኺምርምሮ ሓግዞ። (“እዚ ዝበልካዮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኵነታት ዚዓዪዶ ይመስለካ፧”) ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ውሉድካ ንሓሳባቱ እንደገና ብምምርማር ኬመሓይሾ ኸሎ ብምርኣይ ክትግረም ኢኻ።

ይኹን እምበር፡ ሓደ ኽትጥንቀቐሉ ዘሎካ ነጥቢ ኣሎ፦ ንውሉድካ ኸተረድኦ ኸለኻ፡ ንስኻ ዝበልካዮ ቕኑዕ ምዃኑ ኸተእምኖ ኣይትጽዓር። ውሉድካ ነቲ ዝበልካዮ ነገራት ጸማም እዝኒ ዚህቦ እኳ እንተ መሰለ፡ ካብቲ እትሓስቦ ንላዕሊ ወይ ከኣ ካብቲ ኸም እተቐበሎ ዚነግረካ ንላዕሊ ተማሂሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት፡ ውሉድካ በቲ ዝነገርካዮ ሓሳባት ኪምራሕ ከሎ፡ ምናልባት እውን ከም ናይ ርእሱ ሓሳባት ገይሩ ኺዛረበሉ ኸሎ እንተ ሰማዕካ፡ ኣይትገረም።

“ሓድሓደ ግዜ፡ ኣነን ወደይን ብዘይረብሕ ነገራት ኢና እንቋየቝ፣ እቲ ዜዛርበና ጕዳይ፡ ኬባኽን ወይ ከኣ ንሓፍቱ ኼላግጸላ ኸም ዘይብሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ እዋን ግና፡ እንታይ ይሓስብ ከም ዘሎ ኽሓትቶን ክርድኣሉን እዩ ዚደሊ፣ ‘ኣሃ፡ ከምኡ ድዩ!’ ወይ ከኣ ‘እትብሎ ዘለኻ ተረዲኡኒ ኣሎ’ ኽብሎ እዩ ዚደሊ። ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ፡ ከምኡ ኢለ እንተ ዝምልሰሉ ነይረ፡ ካብ ብዙሕ ቈየቛ ምተሰተርና።”—ከንጂ፡ ጃፓን።

እትኣምነሉ ነገራት ምህናጽ

ጥበበኛታት ወለዲ፡ ውሉዳቶም ብናጽነት ኪዛረቡ ዚኽእሉሉ ሃዋህው ይፈጥሩ

ቀንዲ ኽፋል ምዕባይ ውሉድ፡ ካብ ቤት ወጺኡ ርእሱ ንኪኽእልን ሓላፍነት ዚስምዖ በጽሒ ንኪኸውንን ምድላው እዩ። (ዘፍጥረት 2:24) እዚ ኸኣ፡ ነቲ ውሉድካ ንመንነቱ፡ ማለት ንጠባዩን ንእምነቱን ንስነ ምግባራዊ ስርዓታቱን ቅርጺ ዜትሕዘሉ መስርሕ ዜጠቓልል እዩ። ድሕሪኡ፡ ውሉድካ ድልዱል መንነት ስለ ዜጥሪ፡ ጌጋ ንኺገብር ጸቕጢ ኼጋጥሞ ኸሎ፡ ብዛዕባ ዜጋጥሞ ሳዕቤን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክንዮኡ እውን ኪሓስብ ኪጅምር እዩ። ‘እንታይ ዓይነት ሰብ እየ፧ እንታይ ዓይነት ስነ ምግባራዊ ስርዓታት እየ ዝስዕብ፧ ከምዚ ናተይ ዓይነት ስነ ምግባራዊ ስርዓት ዚስዕብ ሰብ እንታይ ምገበረ፧’ ኢሉ ንገዛእ ርእሱ ኺሓትታ እዩ።—2 ጴጥሮስ 3:11

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ድልዱል መንነት ዝነበሮ ዮሴፍ ዝስሙ መንእሰይ ይገልጽ እዩ። ንኣብነት፡ ሰበይቲ ጶጢፋር ንዮሴፍ፡ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ኪፍጽም ምስ ደፋፍኣቶ፡ “ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧” በላ። (ዘፍጥረት 39:9) ኣብቲ እዋን እቲ፡ ንዝሙት ዚኽልክል ሕጊ ንእስራኤላውያን እኳ እንተ ዘይተዋህቦም፡ ዮሴፍ ግና ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዝነበሮ ርእይቶ ተረዲእዎ ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ዮሴፍ “ከመይ ገይረኸ፧” ኺብል ከሎ፡ ንርእይቶ ኣምላኽ ናቱ ኸም ዝገበሮ፡ ማለት ክፍሊ መንነቱ ገይርዎ ኸም ዝነበረ ዚሕብራ እየን።—ኤፌሶን 5:1

ውሉድካ፡ ገና ንመንነቱ ይሃንጾ እዩ ዘሎ። እዚ ኸኣ ዚነኣድ እዩ፣ ከመይሲ፡ እቲ ንመንነቱ ብምህናጽ ዜጥርዮ ስርዓታት፡ ነቲ ኻብ መዛኑኡ ኼጋጥሞ ዚኽእል ጸቕጢ ንኺዋጽኣሉ ኺሕግዞ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 1:10-15) ብኣንጻሩ ግና፡ ምሳኻ እውን ኬጋጭዎ ይኽእል እዩ። እሞኸ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ነዚ ፈትኖ፦ ተቐላጢፍካ ናብ ቈየቛ ኣብ ክንዲ እትኣቱ፡ ነቲ ውሉድካ ዝበሎ ድገሞ። (“[ከምዝን ከምትን] ኢኻ እትብል ዘለኻ፡ ሓቀይ፧”) ድሕሪኡ፡ ሕቶታት ሕተቶ። (“ከምኡ እተሰምዓካ ስለምንታይ እዩ፧” ወይ ከኣ “ከምኡ ኢልካ ኸም እትድምድም ዝገበረካ እንታይ እዩ፧”) ንውሉድካ፡ ናይ ልቡ ኣውጺኡ ንኺዛረብ ኣተባብዓዮ። ንስምዒቱ ባዕሉ ኸም ዚገልጾ ግበር። ጠንቂ እቲ ፍልልይኩም፡ ውሉድካ ስለ እተጋገየ ዘይኰነስ፡ ምርጫታትኩም ስለ እተፈላለየ እንተ ዀይኑ፡ ንውሉድካ፡ ንርእይቶኡ ምሉእ ብምሉእ ዘይትሰማምዓሉ እኳ እንተ ዀንካ፡ ኣኽቢርካ ኸም እትርእዮ ግለጸሉ።

እቲ ንመንነትካን ነቲ እትኣምነሉ ነገራትን ናይ ምህናጽ መስርሕ፡ ንቡር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጠቓሚ እዩ። ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እውን እንተ ዀነ፡ ክርስትያናት ከምቶም ‘ብዅሉ ንፋስ ትምህርቲ ኸም ብማዕበል ዚድፍኡን ንየው ነጀው ዚኽብከቡን ቈልዑ’ ኪዀኑ ኸም ዘይብሎም እዩ ዚገልጽ። (ኤፌሶን 4:14) ስለዚ፡ ንውሉድካ፡ መንነቱ ንኺሃንጽን ናይ ገዛእ ርእሱ ርእይቶ ንኼጥርን ፍቐደሉ፣ ከምኡ ንኺገብር እውን ኣተባብዓዮ።

“ንደቀይ፡ ክሰምዐን ፍቓደኛ ምዃነይ ከርእየን ከለኹ፡ ዋላ እውን ርእይቶይ እተፈልየ ይኹን፡ ኪሰምዓኦ ፍቓደኛታት እየን ዚዀና። ከም ናተይ ዓይነት ኣተሓሳስባ ንኺህልወን ኣየገድደንን እየ፣ ናታተን ርእይቶ ንኺህልወን እየ ዝፈቕደለን።”—ኢቫና፡ ቸክ ሪፓብሊክ።

ጽኑዕ ግናኸ ተዓጻጻፊ

ገሊኦም መንእሰያት፡ ልክዕ ከም ቈልዑ፡ ገለ ነገር ኪግበረሎም እንተ ደልዮም፡ ንወለዶም ብተደጋጋሚ ብምሕታት ኬርዕምዎም ወይ ኢዶም ከም ዚህቡ ኺገብርዎም ይጽዕሩ እዮም። ብተደጋጋሚ ኸምኡ ዜጋጥመካ እንተ ዀይኑ፡ ተጠንቀቕ። ኢድካ ምሃብካ ንግዜኡ ዕረፍቲ ዜምጽኣልካ እኳ እንተ ዀነ፡ ንውሉድካ ግና፡ እንተ ተኸራኺሩ ኸም ድላዩ ኺግበረሉ ኸም ዚኽእል ዚገልጽ መልእኽቲ እዩ ዜመሓላልፈሉ። እሞኸ ፈውሱ እንታይ እዩ፧ ነቲ፡ “‘እወ’ ዝበልኩምዎ፡ እወ፡ ‘ኣይኰነን’ ዝበልኩምዎ ድማ፡ ኣይኰነን ይኹን” ዚብል ምኽሪ የሱስ ስዓቦ። (ማቴዎስ 5:37) ውሉድካ፡ ውሳነኻ ዓሰርተ ሳዕ ከም ዘይትቐያይር ምስ ፈለጠ፡ ምሳኻ ምክርኻር ኪሓድጎ እዩ።

ይኹን እምበር፡ ተዓጻጻፊ እውን ክትከውን ኣሎካ። ንኣብነት፡ ውሉድካ፡ እቲ ናብ ቤት ዚኣትወሉ ሰዓት ኣብ ገሊኡ እዋናት ኪተዓራረ ኸም ዘለዎ ኺገልጽ ከሎ፡ ዘረባኡ ኣወድኣዮ። ከምኡ ብምግባርካ፡ ኢድካ ዝሃብካ ዀይኑ ኣይሰማዕካ፣ ነቲ፡ “ልዙባት ምዃንኩም . . . ይፈለጥ” ዚብል ምኽሪ ኢኻ እትትግብሮ ዘለኻ።—ፊልጲ 4:5

ነዚ ፈትኖ፦ ብዛዕባ እቲ ውሉዳትካ ናብ ቤት ዚኣትዉሉ ሰዓትን ብዛዕባ ኻልእ ስርዓታት ቤትካን ንምምይያጥ፡ ኣኼባ ስድራ ቤት ግበር። ውሳነ ቕድሚ ምግባርካ፡ ንዅሉ ረቛሒታት ንምስማዕን ንምግምጋምን ፍቓደኛ ምዃንካ ኣርኢ። ኣብ ብራዚል ዚነብር ሮበርቶ ዝስሙ ኣቦ፡ “ወለዲ፡ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ዘይተጣሕሰ፡ ‘ሕራይ’ ንምባል ድሉዋት ምዃኖም ንውሉዳቶም ኬርእዩዎም ኣለዎም” በለ።

ሓቂ እዩ፡ ፍጹም ወላዲ የለን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵላትናስ ብዙሕ ሳዕ ንስሕት ኢና” ይብል እዩ። (ያእቆብ 3:2) ነቲ ምስ ውሉድካ ዜጋጥም ቈየቍ ብእተወሰነ ደረጃ ተሓታቲ ምዃንካ እንተ ፈሊጥካ፡ ንውሉድካ ይቕረታ ኻብ ምሕታት ድሕር ኣይትበል። ንጌጋታትካ ኣሜን ኢልካ ምቕባልካ፡ ውሉድካ ንትሕትናኻ ንኪቐድሖ ኼተባብዖ ይኽእል እዩ።

“ሓደ እዋን ምስ ወደይ ተቛይቝና ህድእ ምስ በልኩ፡ ዓው ዓው ስለ ዝበልኩ ይቕረታ ሓተትክዎ። እዚ ኸኣ ንሱ እውን ህድእ ከም ዚብል ገበሮ፣ ብቐሊሉ ድማ ኪሰምዓኒ ኸኣለ።”—ከንጂ፡ ጃፓን።

^ ሕ.ጽ. 3 ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 10 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ ውሉድ ብተባዕታይ ጾታ እኳ እንተ ጠቐስናዮ፡ እቲ መሰረታዊ ስርዓታት ግና፡ ንኽልቲኡ ጾታ ዚምልከት እዩ።

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦

  • በቲ ምስ ውሉደይ ዜጋጥም ቈየቛ ተሓታቲ ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

  • ነቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዘሎ ሓሳባት ተጠቒመ፡ ንውሉደይ ብዝያዳ ኽርድኦ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

  • ምስ ውሉደይ ብዘይ ቈይቊ ምእንቲ ኽዘራረብ፡ እንታይ ክገብር እኽእል፧