ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ እዩ

መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ እዩ

መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ እዩ

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ” ምዃኑ ኺዛረብ ከሎ፡ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ጳውሎስ ብቛንቋ ግሪኽኛ ኺጽሕፍ ከሎ፡ ቃል ብቓሉ “ኣምላኽ ዘስተንፈሶ” ዝትርጕማ ቓል እዩ ተጠቒሙ። ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ንጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝደለዮ ነገራት ጥራይ ኪጽሕፉ ኸም ዝመርሖም እዩ ዚገልጽ ነይሩ።

እዞም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣቶም ንጽሑፋቶም፡ “ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ” ኸም ዝዀነ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ገሊጹ ኣሎ። (2 ጴጥሮስ 1:21) ስለዚ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ነተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ መጻሕፍቲ፡ “ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ ንምድሓን ኬለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት” ኢሉ ገሊጽወን ኣሎ።—2 ጢሞቴዎስ 3:15

ብዙሓት ሰባት፡ ኣምላኽ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝደረሶ ብጽኑዕ ይቃወምዎ እዮም። ሓያስያን ኣብ ልዕሊ ንጽህና መጽሓፍ ቅዱስ ሓያል መጥቃዕቲ የውርዱ እዮም፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ፡ ከምቲ ሰር ቻርለስ ማርትሰን ዚበሃል ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ ዝበሎ፡ “ንዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ ንዕቀት” ኣለዎም። ገሊኦም “ናይ ጥንቲ ጽውጽዋያት” ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ።

መርትዖታት ኣብ ግምት ኣእቱ

እሞኸ መጽሓፍ ቅዱስ ኪእመን ይከኣል ድዩ፧ ኣብዚ ጕዳይ እዚ፡ ቅኑዕ ውሳነ ኽትገብር ኣሎካ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ እተላእከ መልእኽቲ እንተ ሒዙ፡ ዕሽሽ ምባሉ ዕሽነት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓደገኛ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከም ቃል ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ከም ቃል ሰብ ጌርካ እንተ ርኢኻዮ፡ ኣብ ልዕሊ ተግባራትካን እምነታትካን ናይ ሓቂ ጽልዋ ንምሕዳር ዘለዎ ተኽእሎ ኣመና ይንኪ እዩ።—1 ተሰሎንቄ 2:13

ከመይ ጌርካ ኽትውስን ትኽእል፧ ንእትረኽቦም ሰባት ክትኣምኖም ትኽእል እንተ ዄንካ፡ ብኸመይ ዲኻ እትውስን፧ ብዙሕ ንዘይትፈልጦ ሰብ ብሓቂ ኽትኣምኖ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኸም ዝዀነ እተረጋገጸ እዩ። ንሰባት ኣጸቢቕካ እናፈለጥካዮም ምስ ከድካ ጥራይ ኢኻ፡ ብሓቂ ሓቀኛታትን እሙናትን ምዃኖም ክትፈልጥ እትኽእል። ንመጽሓፍ ቅዱስ እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ኽትፈልጦ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ ምትእምማን ኬዳኽም ዚኽእል ግምታዊ ሓሳባት ወይ ዘይሚዛናዊ ኽልሰ-ሓሳባት ከይመርመርካ ኣይትቀበሎ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ” ምዃኑ ዚድግፍ መርትዖታት ግዜ ወሲድካ መርምሮ።

ካብ “ፈተውቲ” ዚፍኖ መጥቃዕቲ

ገሊኦም “ፈተውቲ” መጽሓፍ ቅዱስ ኢና ዚብሉ ሰባት፡ ኣብ ልዕሊ ሓቅነቱን ኣተኣማማንነቱን መጥቃዕቲ ኺፍንዉ ምርኣይካ ኣይትረበሽ። ሎሚ፡ መብዛሕትኦም ወሃብቲ ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ክርስትያናት ኢና ዚብሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኒው ዲክሽነሪ ኦቭ ቲኦሎጂ ኸም ዚብሎ፡ “ንቕዱስ ጽሑፍ ከም ሰብኣዊ መዝገብ . . . ጥራይ ገይሮም እዮም ዚዛረቡሉ።”

ብዙሓት ስነ-ሃይማኖተኛታት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጻሕፍቲ ብሓቂ መን ከም ዝጸሓፎ ኣብ ሕቶ የእትውዎ እዮም። ንኣብነት፡ ገሊኦም ስነ-ሃይማኖተኛታት፡ ነብዪ ኢሳይያስ ንትንቢት ኢሳይያስ ከም ዘይጸሓፋ ይዛረቡ እዮም። እዛ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ፡ ካብቲ ኢሳይያስ ዝነበረሉ ነዊሕ ጸኒሓ ኸም እተጻሕፈት ይገልጹ እዮም። ብሎተር ክላርክ እተሰናደወት ዘ ኮንሳይስ ባይብል ኮመንታሪ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ትንቢት ኢሳይያስ “ሓያሎ ኣእምሮን ሓያሎ ወለዶን ዘፍረዮ” ምዃኑ ትገልጽ እያ። እዚ ሓሳባት እዚ ግን፡ ነቲ የሱስ ክርስቶስን ደቀ መዛሙርቱን ንኢሳይያስ ብተደጋጋሚ ኸም ጸሓፊ እታ መጽሓፍ ገይሮም ዝጠቐሱሉ ኣጋጣሚታት ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኰነን።—ማቴዎስ 3:3፣ 15:7፣ ሉቃስ 4:17፣ ዮሃንስ 12:38-41፣ ሮሜ 9:27, 29

ከም እኒ ጆን ኣር. ደምሎው ዝኣመሰሉ ሓያስያን መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም ነቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ዚርከብ ትንቢታት፡ “እቲ ደራሲ ኸም ጥንታዊ ትንቢታት ኣምሲሉ ዜቕርቦ ሕሉፍ ታሪኽ” ገይሮም ይገልጽዎ እዮም። ኣብዚ እውን፡ ነቲ የሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ ምስክርነት ዕሽሽ ይብልዎ እዮም። የሱስ፡ “እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም” ኢሉ ኣጠንቂቑ እዩ። (ማቴዎስ 24:15) ሓደ ክርስትያን፡ የሱስ ክርስቶስ ከም ትንቢት ኣምሲልካ እተዘርበ ታሪኽ ብምድጋፍ፡ ኣብ ምትላል ኢዱ ኸም ዘእተወ ገይሩ ኺሓስብሲ ግቡእ ድዩ፧ ኣይፋልን።

ክሳዕ ክንድቲ ዜገድስ ድዩ፧

“ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጻሕፍቲ መን ይጽሓፎ ኽሳዕ ክንድቲ ዜገድስ ድዩ፧” ኢልካ ትሓትት ትኸውን። እወ፡ ዓብዪ ኣገዳስነት ኣለዎ። ሓደ ናይ ፈታዊኻ ኑዛዜ ኸም ዝዀነ ጌርካ እትርእዮ ሰነድ፡ ከም ሓቂ ግን ንሱ ኸም ዘይጸሓፎ እንተ ትፈልጥ ከመይ ምተሰምዓካ፧ ካልኦት ሰባት ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊሶም፡ ትምኒት ፈታዊኻ ኢሎም ዝኣመኑሉ ነገር ከም ዝጸሓፉ፡ ክኢላታት ነጊሮምኻ ንበል። ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ነቲ ሰነድ ዘሎካ ኣኽብሮት ኣይምነከየንዶ፧ እቲ ሰነድ ንትምኒት ፈታዊኻ ብልክዕ ከም ዘመሓላለፈ ጌርካ ምተኣማመንካሉዶ፧

ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ብዙሓት ሰባት፡ እንተላይ እቶም ክርስትያናት ኢና ዚብሉ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓቀኛነትን ጾታዊ ስነ-ምግባርን ካልእ ነገራትን ዚብሎ ነገራት ዘይግደሱሉ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እዮም። ሰባት ነቲ ብሉይ ኪዳን ዚብልዎ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ዋጋ ኸም ዘይብሉ ገይሮም ስለ ዚርእይዎ፡ ብንዕቀት፡ “ኦይ፡ እዚ ደኣ ኣብ ብሉይ ኪዳን እንድዩ ዚርከብ!” ኪብሉ ብተደጋጋሚ ሰሚዕካ ትኸውን ኢኻ። ሃዋርያ ጳውሎስ ግን ነቲ ብሉይ ኪዳን ዚብልዎ መጻሕፍቲ፡ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ” “ቕዱሳት ጽሑፋት” ኢሉ እዩ ጸዊዕዎ።

“ንዅሉ እቲ ኽኢላታትን ምሁራትን ዜቕርብዎ መርትዖ ኽንነጽጎ ኣይንኽእልን ኢና” ትብል ትኸውን። ሓቅኻ፡ ኣይተጋገኻን! ንኣብነት፡ ነቲ በዅሪ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንፈልጥ ዝሓገዙና፡ ሓቀኛታት ምሁራት እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ንሓያሎ ዘመናት ብተደጋጋሚ ኪቕዳሕ ከሎ፡ ንኣሽቱ ጌጋታት ሰሊኹ ኸም ዝኣተወ ኣይከሓድን እዩ። ነቲ ሰሊኹ ዝኣተወ ንኣሽቱ ጌጋታት ምልላይ ግን፡ ንምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ናይ ሰብ ምህዞ ጌርካ ኻብ ምንጻግ ኣመና እተፈለየ ምዃኑ ኣይትረስዕ።

ኣብ “ቅዱሳት ጽሑፋት” እምነት ይሃሉኻ

ጳውሎስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ኸም ዝዀነ ቐቅድሚ ምግላጹ፡ ንጢሞቴዎስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ጽሑፍ ስለምንታይ ከም ዘድለየ ነገሮ። “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት . . . እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና እናኣስሐቱን እናሰሐቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም” በለ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1, 13) ብግዜ ጳውሎስ እውን፡ ‘ጠቢባንን ኣስተውዓልትን’ ዚመስሉ ሰባት፡ ንሰባት ንምትላልን ነታ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ዘላቶም እምነታ ንምድኻምን፡ “ቃል ቅብጥር” ይጥቀሙ ነይሮም እዮም። (1 ቈረንቶስ 1:18, 19፣ ቈሎሴ 2:4, 8) ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ በዚ ምእንቲ ኸይታለል ኢሉ፡ ‘ኣብቲ ኻብ ቍልዕነትካ ጀሚርካ ብቕዱሳት ጽሑፋት እተምሃርካዮ ጽናዕ’ በሎ።—2 ጢሞቴዎስ 3:14, 15

ንስኻ እውን ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ከምኡ ኽትገብር ኣሎካ። በላሕቲ ሰባት ብዜቕርብዎ “ቓል ቅብጥር” ክትታለል ከም ዘይትኽእል ጌርካ ኣይትሕሰብ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ካብቲ ብሓቂ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እትመሃሮ ነገር ምሉእ ብምሉእ ብምትእምማን ንርእስኻ ኻብ ሓደጋ ሓልዋ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ እምነት ንኽትሃንጽ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምሉእ ታሪኽ ክሳዕ ክንደይ ዜተኣማምን ምዃኑ ብኸመይ ከም ዘመስከረ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስነ-ፍልጠታዊ ጕዳያት ኪዛረብ ከሎ፡ ምስ ስነ-ፍልጠት ብኸመይ ከም ዚሰማማዕ፣ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ንሓድሕዱ ብኸመይ ከም ዚቃዶ፣ ትንቢታቱ ብኸመይ ከም እተፈጸመ፣ ከምኡውን ብዙሕ ተወሳኺ ነገራት ኬርእዩኻ ይኽእሉ እዮም። ንሚልዮናት ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቓል ኣምላኽ ምዃኑ ንኺርድኡ ዝሓገዘ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ናብ ሓተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ጽሓፍ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ንእትረኽቦም ሰባት ክትኣምኖም ትኽእል እንተ ዄንካ፡ ብኸመይ ዲኻ እትውስን፧

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ነቲ በዅሪ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንፈልጥ ዝሓገዙና፡ ሓቀኛታት ምሁራት እዮም