ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ጥንታዊት ከተማ ያሪኮ ብዘይ ነዊሕ ከበባ ኸም እተሳዕረት ዚሕብር እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

ብመሰረት እያሱ 6:10-15, 20፡ ሓይልታት እስራኤል ንያሪኮ ንሽዱሽተ መዓልቲ ሓሓንሳእ ዞይሮምዋ እዮም። ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ፡ ነታ ኸተማ ሸውዓተ ሳዕ ዞይሮምዋ እዮም፣ ኣምላኽ ድማ ነቲ ዘይድፈር መካበብያ ያሪኮ ኸም ዚወድቕ ገይርዎ እዩ። እዚ ኸኣ ንእስራኤላውያን ናብ ያሪኮ ኣትዮም ኪስዕርዋ ኣኽኢልዎም እዩ። እሞኸ ስነ ጥንታዊ ርኽበታት ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ሓጺር ከበባ ያሪኮ ዚብሎ ይሰማማዕ ድዩ፧

ብግዜ ጥንቲ፡ መጥቃዕቲ ዚፍንዉ ሰራዊት ንእተዓርደት ከተማ ምኽባብ ልሙድ እዩ ነይሩ። ዕዉት ከበባ ዚጸንሓሉ ንውሓት ብዘየገድስ፡ እቶም ተዓወትቲ ንሃብቲ እታ ኸተማ፡ እንተላይ ንዝተረፈ ቐለብ እታ ኸተማ ይዘምትዎ ነይሮም እዮም። ኣብ ዑናታት ያሪኮ ግና፡ ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ብዙሕ እኽሊ እዮም ረኺቦም። ብዛዕባ እዚ ኸኣ ቢብሊካል ኣርክዮሎጂ ረቪው ከምዚ ይብል፦ “ኣብቲ ዑና፡ ንስርሓት ካይላ ሓዲግካ ብብዝሒ እተረኽበ ነገር እኽሊ እዩ ነይሩ። . . . ኣብ መዛግብቲ ስነ ጥንቲ ፍልስጥኤም እዚ ፍሉይ ነገር እዩ። ምናልባት ሓደ ሳርማ ወይ ክልተ ሳርማ እኽሊ ዚርከብ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣዝዩ ብዙሕ እኽሊ ምርካብ ግና ተራእዩ ዘይፈልጥ ነገር እዩ።”

ብመሰረት እቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ጸብጻብ፡ እስራኤላውያን ንእኽሊ ያሪኮ ዘይዘመቱሉ ጽቡቕ ምኽንያት ነይርዎም። የሆዋ ኸይዘምቱ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። (እያ. 6:17, 18) እስራኤላውያን ደድሕሪ እቲ ግዜ ዓጺድ፡ እኽሊ ብብዝሒ ኣብ ዚርከበሉ እዋን እዮም መጥቃዕቶም ፈንዮም። (እያ. 3:15-17፣ 5:10) ኣብ ያሪኮ ብዙሕ እኽሊ ኺርከብ ምኽኣሉ፡ ከበባ እስራኤላውያን ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ ሓጺር ምንባሩ ይሕብር።