ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

ወተሃደር ክርስቶስ ክኸውን ቈሪጸ

ወተሃደር ክርስቶስ ክኸውን ቈሪጸ

ጠያይት እናኣፋጸየ ብጐድነይ ኪሓልፍ ከሎ፡ ቀስ ኢለ ጻዕዳ መንዲል ኣንበልበልኩ። እቶም ዚትኩሱ ዝነበሩ ወተሃደራት ካብቲ እተሓባእኩሉ ቦታ ኽወጽእ ዓው ኢሎም ተዛረቡኒ። ክመውት ድየ ኽነብር ስለ ዘይፈለጥኩ ድማ፡ ብጥንቃቐ ቐረብኩዎም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ዝኣተኹ ግና ብኸመይ እየ፧

እቶም ኣብ ግሪኽ ኣብ እትርከብ ካሪትጻ እትብሃል ቍሸት ዚነብሩ ዝነበሩ ጻዕራማት ወለደይ ሸሞንተ ቘልዑ ነበርዎም። ኣነ ኸኣ ሻውዓይ እየ ነይረ። ብ1926 ድማ እየ ተወሊደ።

ኣብታ ቕድሚኣ ዝነበረት ዓመት፡ ወለደይ ምስቲ ቐናእን ተዛራብን ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ (ሽዑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጽውዑሉ ዝነበሩ ስም እዩ) ዝነበረ ጆን ፓፓሪዞስ ተራኸቡ። በቲ ጆን ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሙ ዜረድኣሉ ዝነበረ መገዲ ስለ እተመሰጡ፡ ኣብ ቍሸትና ምስ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኪእከቡ ጀመሩ። ኣደይ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ጽኑዕ እምነት እዩ ነይርዋ። ዘይተማህረት እኳ እንተ ነበረት፡ ኣብ ዝረኸበቶ ኣጋጣሚ እምነታ ንኻልኦት ተካፍል ነይራ እያ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ኣቦይ ኣብ ዘይፍጽምና ሰባት ስለ ዘተኰረ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብ ሓደጎ።

ኣነን ኣሕዋተይን ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽብሮት እኳ እንተ ነበረና፡ ብምኽንያት ንእስነትና ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይገበርናሉን ኔርና። ብ1939 ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ መላእ ኤውሮጳ ምስ ተወልዐ፡ ኣብ ቍሸትና በዳሂ ዅነታት ኣጋጠመና። እቲ ጐረቤትናን ወዲ ሓወቦናን ዝነበረ ኒኮላስ ሳራስ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ኻብ ዚጥመቕ ብዙሕ ኣይገበረን ነይሩ፣ ኣብ ሰራዊት ግሪኽ ኬገልግል ድማ ኣገዲዶም ወሰድዎ። እቲ ወዲ 20 ዝነበረ ኒኮላስ ከኣ ንሰበ ስልጣን ወተሃደር ብትብዓት፡ “ወተሃደር ክርስቶስ ስለ ዝዀንኩ፡ ክዋጋእ ኣይክእልን እየ” በሎም። ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረበ ድማ፡ ዓሰርተ ዓመት ኪእሰር ተፈርዶ። በዚ ኣዚና ሰምበድና።

ኣብ መጀመርታ 1941 ሰራዊት ሓይልታት ኪዳን ንሓጺር ግዜ ናብ ግሪኽ ምስ ኣተዉ ግና፡ ኒኮላስ ካብ ማእሰርቲ ተፈትሐ። ናብ ካሪትጻ ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ እቲ ዓብዪ ሓወይ ኢልያስ ብዙሕ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ ሓተቶ። ኣነ እውን ጽን ኢለ ሰማዕኩ። ድሕሪኡ፡ ኣነን ኢልያስን ንእሽቶ ሓብተይ ኤፍሞርፊያን መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕን ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስሩዕ ክንእከብን ጀመርና። ንዓመታኡ ድማ፡ ሰለስቴና ርእስና ንየሆዋ ወፊና ተጠመቕና። ድሕሪ ግዜ፡ ኣርባዕተ ኣሕዋትና እውን እሙናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ።

ብ1942 እታ ኣብ ካሪትጻ ዝነበረት ጉባኤ፡ ካብ 15 ኽሳዕ 25 ዝዕድሚኦም ትሽዓተ መንእሰያት ኣወዳትን ኣዋልድን ነበርዋ። ኵላትና ድማ ከቢድ ፈተና ኸም ዜጋጥመና ንፈልጥ ነበርና። ስለዚ፡ ብሓንሳእ ተኣኪብና መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕን መንፈሳዊ መዝሙራት ብምዝማርን ብምጽላይን ንሓድሕድና ተደጋገፍና። በዚ ኸምዚ ድማ እምነትና ኣደልደልና።

ዲሚትሪየስ ምስ ብጾቱ ኣብ ካሪትጻ

ውግእ ሓድሕድ

ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ምውዳእ ገጹ፡ ኮምዩኒስት ግሪኽ ኣንጻር መንግስቲ ግሪኽ ዓለዉ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ውግእ ሓድሕድ ተላዕለ። እቶም ኮምዩኒስት ደባይ ተዋጋእቲ ፈቐዶ ኣቝሻት እናዞሩ ንተቐማጦ እተን ኣቝሻት ይዓስቡ ነበሩ። ናብ ቍሸትና ምስ መጹ ድማ፡ ንሰለስተ መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ማለት ንዓይን ንኣንቶንዮን ንሱካሪስን ጨውዮም ወሰዱና። ገለልተኛታት ክርስትያናት ከም ዝዀንና እኳ እንተ ነገርናዮም፡ ናብቲ ኻብ ቍሸትና መገዲ 12 ሰዓት ኣቢሉ ርሒቑ ዚርከብ ከረን ኦሊምፐስ ክንጐዓዝ ኣገደዱና።

ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሓደ ኮምዩኒስት መኰነን ምስቶም ጕጅለ ደባይ ተዋጋእቲ ዄንና ኽንወርር ኣዘዘና። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣንጻር ብጾቶም ከም ዘይዋግኡ ምስ ገለጽናሉ፡ ተቘጢዑ ናብ ሓደ ጀነራል ወሰደና። ነቲ ጀነራል እውን መትከልና ምስ ነገርናዮ፡ “እምበኣር፡ ነቶም ቍሱላት ካብ ዓውዲ ውግእ ናብ ሆስፒታል ብበቕሊ ውሰድዎም” ኢሉ ኣዘዘና።

ንሕና ድማ፡ “ወተሃደራት መንግስቲ ምስ ሓዙና፡ ተዋጋእቲ እንተ መሰልናዮምከ፧” ኢልና ሓተትናዮ። ንሱ ኸኣ፡ “እሞ ናብ ግምባር ምግቢ ውሰዱ” በለና። ንሕና ድማ፡ “ሓደ መኰነን በቕሊ ሒዝና ምስ ረኣየና፡ መሳርያ ሒዝና ኣብ ግምባር ክንዋጋእ እንተ ኣዘዘናኸ፧” ኢልና ሓተትናዮ። እቲ ጀነራል ዝን ኢሉ ነዊሕ ሓሰበ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ “መሸም ኣባጊዕ ምሕላው ትኽእሉ ኢኹም። ኣብቲ ኸረን ነተን ኣባጊዕ ጓስይወን” በለና።

ስለዚ፡ ኣብቲ ኸባቢ ጽዕጹዕ ውግእ ሓድሕድ ኪካየድ ከሎ፡ ሰለስቴና ነተን ኣባጊዕ ክንጓሲ ሕልናና ፈቐደልና። ንዓመታኡ፡ እቲ ዓብዪ ሓወይ ኢልያስ ነታ መበለት ኣዴና ምእንቲ ኺኣሊ ናብ ዓዲ ኺምለስ ተፈቕደሉ። ኣንቶንዮ ድማ ስለ ዝሓመመ፡ ፈትሕዎ። ኣነ ግና ኣብኡ ተኣሲረ ተረፍኩ።

ሰራዊት ግሪኽ ነቶም ኮምዩኒስት በብቝሩብ ከቢቦም ኣጥቅዕዎም። እቶም ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣእትዮምኒ ዝነበሩ ጕጅለ ድማ፡ በቲ ኣኽራን ኣቢሎም ናብ ጐረቤት ሃገር ኣልባንያ ሃደሙ። ኣብ ጥቓ እቲ ዶብ፡ ወተሃደራት ግሪኽ ሃንደበት ከበቡና። እቶም ደባይ ተዋጋእቲ ድማ ብራዕዲ ሃደሙ። ኣነ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ዝወደቐ ኦም ተሓባእኩ። ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝገለጽክዎ ድማ ወተሃደራት ግሪኽ ሓዙኒ።

ነቶም ወተሃደራት ግሪኽ፡ እቶም ኮምዩኒስት ኣሲሮምኒ ኸም ዝነበሩ ምስ ነገርክዎም፡ ኣብ ጥቓ ቬርያ (ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰት ጥንታዊት ከተማ ቤርያ) ናብ ዚርከብ መዓስከር ወተሃደራት ወሲዶም መርመሩኒ። ኣብኡ ድማ ንወተሃደራት ዕርዲ ኪዅዕተሎም ተኣዘዝኩ። ምስ ኣበኹ፡ እቲ ኣዛዚ መኰንን ኣብ ንእሽቶ ደሴት ማክሮኒሶስ (ማክሮኒሲ) ክሕየር ኣዘዘ።

ደሴት ራዕዲ

እታ ብጸሓይ ከረው ዝበለ ኣኻውሕ ዝመልኣን ምድሪ ኣጻምእን ዝዀነት ደሴት ማክሮኒሶስ፡ ካብ ኣቴንስ 50 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ገማግም ኣቲካ እያ እትርከብ። 13 ኪሎ ሜተር ንውሓት ኪህልዋ ኸሎ፡ ኣብቲ ዝሰፍሐ ኽፋላ 2.5 ኪሎ ሜተር ዚኸውን ስፍሓት ኣለዋ። ይኹን እምበር፡ ካብ 1947 ክሳዕ 1958፡ ኮምዩኒስት ዝዀኑን ኮምዩኒስት ከም ዝዀኑ ብጥርጣረ እተታሕዙን፡ ደባይ ተዋጋእቲ ነበር፡ ከምኡ ድማ ሓያሎ እሙናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚርከብዎም ልዕሊ 100,000 እሱራት ኣብኣ ተኣሲሮም ነበሩ።

ኣብ መጀመርታ 1949 ናብኡ ምስ ተወሰድኩ፡ እቶም እሱራት ኣብ እተፈላለየ ደምበታት ተኸፋፈሉ። ኣነ ኸኣ ብኣማእታት ምስ ዚቝጸሩ እሱራት ብዙሕ ሓለዋ ኣብ ዘይብሉ ደምበ ተኣሰርኩ። 40 ሰባት ከኣ ን10 ሰብ ተባሂሉ ብቴንዳ ኣብ እተሰርሐ ድንኳን ኣብ ባይታ ንድቅስ ነበርና። ጨናዊ ማይ ንሰቲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ብርስንን መለንዛናን (ኤግፕላንት) ንበልዕ ነበርና። ደሮናን ንፋስን ድማ የሸግረና ነበረ። ይኹን እምበር፡ ንገሊኦም እሱራት ብኣካላውን ብኣእምሮኣውን መዳይ ንምስቓይ ተባሂሉ ኣኻውሕ ኬመላልሱ ኸም ዚውዕሉ ይግበር እኳ እንተ ነበረ፡ ንሕና ግና ከምኡ ኣይንገብርን ኢና ኔርና።

ምስ ካልኦት እተሓየሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ደሴት ማክሮኒሶስ

ሓደ መዓልቲ ብገምገም ባሕሪ ክኸይድ ከለኹ፡ ካብ ካልኦት ደምበ ምስ ዝመጹ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብኩ። ብሓንሳእ ብምርኻብና ድማ ኣዚና ተሓጐስና። ከይንተሓዝ እናተጠንቀቕና ንሓድሕድና ንራኸብ ነበርና። ንኻልኦት እሱራት እውን ብሕቡእ ንምስክረሎም ነበርና። ገለ ኻባታቶም ድማ ድሕሪ ግዜ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈታትን ልባዊ ጸሎትን ብመንፈሳዊ መዳይ ክንጸንዕ ሓጊዙና እዩ።

ናብ እቶን ሓዊ

ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ወርሒ “ተሓድሶ፡” እቶም ዝኣሰሩኒ ኽዳን ወተሃደር ክኽደን ኣዘዙኒ። ምስ ኣበኹዎም፡ ናብ ኣዛዚ እቲ ደምበ ወሰዱኒ። ኣነ ድማ፡ “ወተሃደር ክርስቶስ ጥራይ ክኸውን እየ ዝደሊ” ዚብል ጽሑፍ ሃብክዎ። ንሱ ኸኣ ምስ ኣፈራርሃኒ፡ ናብቲ ብትሕቲኡ ስልጣን ዘለዎ ኣዛዚ ኣሕሊፉ ሃበኒ። እቲ ኣዛዚ ምሉእ ሃይማኖታዊ ኽዳን ዚኽደን ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ሊቀ ጳጳሳት እዩ ነይሩ። ንሕቶታቱ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብትብዓት ምስ መለስኩሉ፡ “ውሰዶ። ጥሩፍ እዩ” ኢሉ ተቘጢዑ ተዛረበ።

ንጽብሒቱ ንግሆ፡ እቶም ወተሃደራት ደጊሞም ክዳን ወተሃደር ክኽደን ኣዘዙኒ። ምስ ኣበኹዎም፡ ብጕስጥን ብበትሪ ፖሊስን ወቕዑኒ። ድሕሪኡ፡ እተሰብረ ኣዕጽምቲ ኸይህልወኒ ኼረጋግጹ ኢሎም ናብ ሕክምና እቲ ደምበ ወሰዱኒ፡ ናብ ድንኳነይ ድማ መለሱኒ። ንኽልተ ወርሒ ዚኣክል መዓልቲ መዓልቲ ኸምኡ ይገብሩኒ ነበሩ።

እቶም ወተሃደራት እምነተይ ብዘይምሕዳገይ ስለ ዝሓረቑ፡ ካልእ ሓድሽ ሜላ ኺጥቀሙ ፈተኑ። ንኣእዳወይ ኣብ ሕቘይ ኣሲሮም፡ ከብዲ እግረይ ብዜስካሕክሕ መገዲ ቐጥቀጡኒ። ክሳቐ ኸለኹ፡ ነቲ የሱስ፡ “ምእንታይ ምስ ዚጸርፉኹምን ምስ ዚሰጕጉኹምን . . . ሕጉሳት ኢኹም። ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት እውን ከምኡ ሰጒጎምዎም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ተሓጐሱ፡ ባህ እውን ይበልኩም” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት እዝክር ነበርኩ። (ማቴ. 5:11, 12) ድሕሪ ብዙሕ ምቕጥቃጥ ከኣ፡ ሃለዋተይ ኣጥፊአ ወደቕኩ።

ምስ ተንሳእኩ፡ ምግብን ማይን ኮቦርታን ኣብ ዘይብሉ ኣዝዩ ዝሑል ሸላ ኸም ዘለኹ ኣስተብሃልኩ። ይኹን እምበር፡ ህድኣትን ቅሳነትን ተሰምዓኒ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፡ “ሰላም ኣምላኽ” ‘ንልበይን ንሓሳበይን ይሕልዎ’ ነይሩ እዩ። (ፊል. 4:7፡ እ.ጽ.) ንጽብሒቱ፡ ሓደ ርሕሩሕ ወተሃደር ምግብን ማይን ጃኬትን ሃበኒ። ካልእ ወተሃደር ድማ መቝነኑ ሃበኒ። በዚ ኸምዝን ብኻልእ መገድታትን የሆዋ ተኸናኺኑኒ እዩ።

እቶም ሰበ ስልጣን፡ ዘይእረም ዓላዊ ገይሮም ስለ ዝረኣዩኒ፡ ናብ ኣቴንስ ወሲዶም ኣብ ቅድሚ ወተሃደራዊ መጋባእያ ኣቕረቡኒ። እቲ መጋባእያ ድማ፡ ኣብታ ኻብ ማክሮኒሶስ ብሸነኽ ምብራቕ 50 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ደሴት ያሮስ ጋይሮስ ሰለስተ ዓመት ክእሰር ፈረደኒ።

“ንኣምነኩም ኢና”

ያሮስ፡ ልዕሊ 5,000 ናይ ፖለቲካ እሱራት ዝሓዘ ብቐይሕ ሕጡብ እተሰርሐ ዓብዪ ቤት ማእሰርቲ እዩ ነይሩ። ብክርስትያናዊ ገለልትነቶም እተኣስሩ ሸውዓተ መሰኻኽር የሆዋ እውን ኣብኡ ነበሩ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር ብጽኑዕ እተኸልከለ እኳ እንተ ነበረ፡ ሸውዓቴና ብሕቡእ ንእከብ ነበርና። ሰሊዅ ዝኣተወ ቕዳሓት ግምቢ ዘብዐኛ እውን ኣዘውቲርና ንረክብ ነበርና። ብኢድና ቐዲሕና ድማ ንመጽናዕትና ንጥቀመሉ ነበርና።

ሓደ መዓልቲ ብሕቡእ ከነጽንዕ ከለና፡ ሓደ ሓላዊ እሱራት ብድንገት መጺኡ ንጽሑፋትና ገበቶ። ድሕሪኡ፡ ናብ ምክትል ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተጸዋዕና፡ ፍርድና ኸም ዚናዋሕ ምሉእ ብምሉእ ኣሚንና ነበርና። እቲ ምክትል ሓላፊ ግና፡ “መንነትኩም ንፈልጥ ኢና፣ ንመትከልኩም ድማ ነኽብሮ ኢና። ንኣምነኩም ኢና። ናብ ዕዮኹም ተመለሱ” በለና። ንገሌና ድማ ቀሊል ዕዮ ሃበና። ኣብ ቤት ማእሰርቲ እውን ከይተረፈ፡ ክርስትያናዊ ንጽህናና ንየሆዋ ውዳሰ ኸም ዘምጽኣሉ ምፍላጥና ድማ፡ ኣዝዩ ኣሐጐሰና።

ጽንዓትና ኻልእ ጽቡቕ ፍረ እውን ኣፍርዩ እዩ። ሓደ ፕሮፌሰር ስነ ሕሳብ ዝነበረ እሱር ነቲ ጽቡቕ ባህርያትና ምስ ተዓዘበ፡ ብዛዕባ እምነታትና ኺሓትት ተደረኸ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘበልና ብ1951 ምስ ተፈታሕና፡ ንሱ እውን ተፈትሐ። ጸኒሑ፡ ተጠሚቑ ናይ የሆዋ ምስክር ኰነ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊ ዀይኑ እውን ኣገልጊሉ እዩ።

ሕጂ እውን ወተሃደር እየ

ምስ ጃኔት ሰበይተይ

ምስ ተፈታሕኩ፡ ናብቶም ኣብ ካሪትጻ ዝነበሩ ስድራ ቤተይ ከድኩ። ጸኒሑ ድማ፡ ምስ ደቂ ዓደይ ናብ ሜልቦርን፡ ኣውስትራልያ ተሰደድኩ። ኣብኡ ኸኣ፡ ጃኔት ዝስማ ንፍዕቲ ክርስትያን ሓብቲ ተመርዓኹ። ብሓንሳእ ኴንና ድማ፡ ሓደ ወድን ሰለስተ ኣዋልድን ብክርስትያናዊ መገዲ ኣዕበና።

ሎሚ ወዲ 90 ዓመት እየ፣ ክርስትያን ሽማግለ ዀይነ ድማ አገልግል ኣለኹ። ብሰንኪ እቲ ዝወረደኒ ጕድኣት፡ ሓድሓደ ግዜ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዕዮ ስብከት ምስ ተኻፈልኩ፡ ሰብነተይን ኣእጋረይን የሕምመኒ እዩ። ይኹን እምበር፡ “ወተሃደር ክርስቶስ” ክኸውን ቈሪጸ እየ።—2 ጢሞ. 2:3