ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር

ንልማዳትካ ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ

ንልማዳትካ ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ
  • ኦስቲን ሰዓቱ ኽትድውል ከላ፡ ድቃስ ጸቒጥዎ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ብድድ ኢሉ ኻብ ዓራቱ ወረደ፣ ነቲ ቕድሚኡ ምሸት ኣዳልይዎ ዝሓደረ ኣካላዊ ምውስዋስ ዚገብረሉ ኽዳውንቱ ተኸዲኑ ድማ ከም ልማዱ ዘብዘብ እናበለ ኺጐዪ ጀመረ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ነዚ ኣዘውቲሩ ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልቲ ኺገብሮ ጸኒሑ እዩ።

  • ሎሪ ምስ ብዓል ቤታ ኽትበኣስ እያ ጸኒሓ። ብሕርቃንን ብስጭትን ዚኣክል ተሃንዲዳ ናብ ክሽነ ብምኻድ፡ ባኮ ምሉእ ቸኮላታ ኣውጺኣ ንዅሉ በልዓቶ፣ ነዚ ኸኣ ኵሉ ግዜ ኽትሓርቕ ከላ እትገብሮ እዩ ዚመስል።

ኦስቲንን ሎሪን እንታይ ዜመሳስሎም ነገር ኣሎ፧ የስተውዕልዎ ኣየስተውዕልዎ፡ ክልቲኦም በቲ ልማድ ዘለዎ ሓይሊ ተጸልዮም እዮም።

ንስኻኸ፧ ኣብ ህይወትካ ኸተማዕብሎ እትደሊ ጽቡቕ ልማዳት ኣሎዶ፧ ሸቶኻ፡ ስሩዕ ኣካላዊ ምውስዋስ ምግባር፡ እኹል ድቃስ ምድቃስ ወይ ምስ እተፍቅሮም ሰባት ጽቡቕ ምቅርራብ ምግባር ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ብኻልእ ሸነኽ፡ ከም ሽጋራ ምትካኽ፡ ንጥዕና ጽቡቕ ዘይኰነ ምግቢ ምዝውታር ወይ ኣብ ኢንተርነት ብዙሕ ግዜ ምሕላፍ ንዝኣመሰለ ሕማቕ ልማድ ከተቋርጾ ትደሊ ትኸውን።

ሓቂ እዩ፡ ንሕማቕ ልማድ ምስናፍ ኪኸብደካ ይኽእል እዩ። ሕማቕ ልማድ ምስቲ ኣብ ቈራሪ መዓልቲ እትድቅሰሉ ምዉቕ ዓራት ከም ዚመሳሰል ይግለጽ እዩ፣ ከመይሲ፡ ክትኣትዎ ቐሊል፡ ክትወጾ ግና ከቢድ እዩ!

እሞ ደኣ፡ ንልማዳትካ ኽትቈጻጸሮን ኣብ ክንዲ ንጕድኣትካ ንጥቕምኻ ኸም ዚኸውን ክትገብሮን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ነዚ ዚስዕብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዚርከብ ስርዓታት እተመስረተ ሰለስተ ርእይቶታት እስከ መርምር።