ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፍቕሪ ኣርእዮም

ፍቕሪ ኣርእዮም

እቲ ጸገም

ኣቐዲምካ ናይ ምፍራድ ጸገም ቀልጢፉ ኣይጠፍእን እዩ። ከምቲ ንቫይረስ ንምውጋድ ግዜ ዜድልዮ፡ ኣቐዲምካ ናይ ምፍራድ ጸገም ንምውጋድ እውን ግዜን ጻዕርን የድልዮ እዩ። እሞ ደኣ ንኣቐዲምካ ፍርዲ ኻብ ውሽጥኻ ኣውጺእካ ንምጕሓፍ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ

“ፍቕሪ ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት እያ እሞ፡ ልበስዋ።”—ቈሎሴ 3:14

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ንሰብ ጽቡቕ ምግባር፡ የቀራርብ እዩ። ንሰባት ፍቕርኻ ብዘርኣኻዮም መጠን፡ ኣቐዲምካ ኣይትፈርዶምን ኢኻ። ብዝያዳ ብዘፍቀርካዮም መጠን ከኣ፡ ኣብ ልብኻ ጽልእን ንዕቀትን ቦታ ይስእን እዩ።

ክትገብሮ እትኽእል

ንኣባላት እቲ ብኣሉታዊ እትርእዮም ጕጅለ፡ ፍቕሪ እተርእየሉ መገድታት ሕሰብ። እዚ ተግባራት እዚ ግድን ዓብዪ ኪኸውን የብሉን። ካብዚ ዚስዕብ ንሓዲኡ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኽትገብር ፈትን።

ፍቕሪ ዜርኢ ንእሽቶ ነገር ብዝገበርካ መጠን፡ ካብ ኣቐዲምካ ፍርዲ ኽትርሕቕ ኢኻ

  • ንኣባላት እቲ ጕጅለ ማዕጾ ኸፊትካ ብምሓዝ ወይ ኣብ ህዝባዊ መጕዓዝያ ኾፍ መበሊ ብምሕዳግ፡ ጽቡቕ ጠባይ ኣርእዮም።

  • ቋንቋኻ ኣጽርዮም ዘይዛረቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ቍሩብ ከተዕልሎም ፈትን።

  • ኪርድኣካ ዘይከኣለ ነገር እንተ ገይሮም፡ ተዓገሶም።

  • ብዛዕባ ጸገማቶም እንተ ነጊሮምኻ፡ ደንግጸሎም።