ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቕሑ! ቍ. 1 2023 | ፕላነትና ኻብ ጥፍኣት ከተምልጥ ድያ፧—ተስፋ እንገብረሉ ምኽንያት

ኣብ ፕላነትና ኸቢድ ጕድኣት ይወርድ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ስነ ፍልጠተኛ ኽትከውን ኣየድልየካን እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ምድርና ዘሎ ጥዑም ማይን ውቅያኖስን ዱርን ኣየርን ከቢድ ጕድኣት ይወርድ ኣሎ። እሞኸ ፕላነትናስ ካብ ጥፍኣት ከተምልጥ ድያ፧ ተስፋ ንምግባር ዜኽእል እንታይ ምኽንያት ከም ዘሎና ርአ።

 

ጥዑም ማይ

እንታይ ተፈጥሮኣዊ መስርሕ እዩ ምድርና ወትሩ እኹል ቀረብ ማይ ከም ዚህልዋ ዚገብር፧

ውቅያኖስ

እቲ ኣብ ውቅያኖሳት ዝወረደ ጕድኣት ኪዕረ ድዩ፧

ዱር

ገሊኡ በሪሱ ዝነበረ ዱር እንታይ ከም ዚኸውን እዮም ክኢላታት ተዓዚቦም፧

ኣየር

ብከላ ኣየር ኣብ ምድሪ ንዘሎ ህይወት ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ኣሎ። ኣምላኽ ነቲ እነተንፍሶ ኣየር ዜጻሪ እንታይ ተፈጥሮኣዊ ዑደታት ፈጢሩ ኣሎ፧

ፕላነትና ኻብ ጥፍኣት ከም እተምልጥ ኣምላኽ ኣተስፍዩ

ምድርና ኻብ ጥፍኣት ከም እተምልጥን ከም ዚርህዋን ክንኣምን ዜኽእለና እንታይ መሰረት ኣሎና፧

ኣብዛ ሕታም ንቕሑ!

ፕላነትና እንታይ ትኸውን ከም ዘላን ተስፋ እንገብረሉ ምኽንያትን ዚገልጽ ዓንቀጻት ኣንብብ።