ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብዘይካ ማናን ብርኒጎን ካልእ ዚብላዕ ነይርዎምዶ፧

ኣብቲ እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ዝነበሩሉ 40 ዓመት፡ ቀንዲ ምግቦም ማና እዩ ነይሩ። (ዘጸ. 16:35) ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት፡ የሆዋ ብርኒጎታት ሂብዎም እዩ። (ዘጸ. 16:12, 13፣ ዘሁ. 11:31) ይኹን እምበር፡ እስራኤላውያን እተወሰነ ኻልእ ምግቢ ይረኽቡ ነይሮም እዮም።

ንኣብነት፡ የሆዋ ሓድሓደ ግዜ ንህዝቡ ናብ “ዚዓርፉላ ቦታ” ይመርሖም ነይሩ እዩ፣ እዚ ድማ ዜድልዮም ነገራት ኪረኽቡ የኽእሎም ነበረ። (ዘሁ. 10:33) ሓደ ኻብዚ ቦታታት፡ ኤሊም ክትጥቀስ ትከኣል። “ኣብኣ . . . 12 ዓይኒ ማይን 70 ኦም ተምርን ነበረ።” (ዘጸ. 15:27) ፕላንትስ ኦቭ ዘ ባይብል ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ተምሪ “ኣብ ሓያሎ ቦታታት ኪበቍል” ከም ዚኽእል ድሕሪ ምጥቃስ፡ “ኣብ ምድረ በዳ ምግቢ ዚርከበሉ ቐንዲ ተኽሊ እዩ፣ ንሚልዮናት ሰባት ከኣ ምግብን ዘይትን መጽለልን ይህብ እዩ” ትብል።

እስራኤላውያን ኣብቲ ሎሚ ፌራን ተባሂሉ ዚፍለጥ፡ ክፍሊ ርባ ፌራን ዝዀነ ዓብዪ ኦኣሲስ እውን ኣዕሪፎም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። a ዲስካቨሪንግ ዘ ዎርልድ ኦቭ ዘ ባይብል ዘርእስታ መጽሓፍ ብዛዕባ እዚ ርባ እዚ፡ “[130 ኪሎ ሜተር] ዝንውሓቱ ዀይኑ፡ ሓደ ኻብቲ ኻብ ኵሉ ነዊሕን ውቁብን ፍሉጥን ርባታት ሲና” ዚብል መግለጺ ሂባ ኣላ። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ ከምዚ ትብል፦ “በቲ ርባ ርባ፡ ካብቲ ምስ ባሕሪ ዚራኸበሉ ነቒልካ ኣስታት [45 ኪሎ ሜተር] ምስ ከድካ፡ [4.8 ኪሎ ሜተር] ዝንውሓቱ ውቁብን ኣእዋም ስየ ዝመልኦን ኦኣሲስ ፌራን ይርከብ፣ እዚ ድማ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ኣብ [610 ሜተር] ብራኸ እዩ ዚርከብ። ናይ ሲና ኤደን ኪብሃል ይከኣል እዩ። እቲ ብኣሽሓት ዚቝጸር ኣእዋም ተምሪ፡ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ንብዙሓት ሰፈርቲ ስሒቡ እዩ።”

ኣብ ኦኣሲስ ፌራን ዚርከብ ኣእዋም ተምሪ

እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኺወጹ ኸለዉ፡ ብሑቝን መልወሲታትን ተማሊኦም እዮም፣ እኽልን ዘይትን እውን ተማሊኦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ልክዕ እዩ፡ እዚ ነገራት እዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ተወዲኡ ኪኸውን ኣለዎ። ከምኡ ድማ “ጤለ በጊዕን ከብትን፡ ኣዝየን ብዙሓት ማል” ምሳታቶም ወጺአን እየን። (ዘጸ. 12:34-39) ኣብቲ በረኻ ዝነበረ ዅነታት ከቢድ ስለ ዝነበረ ግና፡ ብዝሒ እተን ማል ነክዩ ኪኸውን ኣለዎ። ንገሊአን ካብተን ማል በሊዖምወን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ንገሊአን እውን መስዋእቲ ገይሮም ኣቕሪቦምወን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ ሕሉፍ ሓሊፎም ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ እውን ሰዊኦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። b (ግብ. 7:39-43) ይኹን እምበር፡ እስራኤላውያን እንስሳታት የፋርዩ ብምንባሮም፡ ነቶም እምነት ዝጐደሎም ህዝቢ “ደቅኹም . . . ኣብ በረኻ 40 ዓመት ጓሶት ኪዀኑ እዮም” ኢልዎም እዩ። (ዘሁ. 14:33) ስለዚ፡ ካብተን መጓሰኦም ጸባ ይረኽቡ ነይሮም እዮም፣ ሳሕቲ ድማ ስጋ ይረኽቡ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እዚ ግና ነቶም ኣስታት ሰለስተ ሚልዮን ዚግመቱ ህዝቢ ን40 ዓመት ኬንብሮም ዚኽእል ኣይነበረን። c

እተን እንስሳታትከ ኣበይ እየን ምግብን ማይን ዚረኽባ ዝነበራ፧ d ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብቲ በረኻ ዝሓሸ ዝናም ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ዝያዳ ኣትክልቲ ነይሩ እዩ። ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ፡ 1ይ ጥራዝ፡ ብዛዕባ እቲ 3,500 ዓመት ይገብር ዝነበረ ዅነታት ኪገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ ምድሪ ዓረብ ዝነበረ ቐረብ ማይ ካብዚ ሕጂ ዘሎ ብእተወሰነ ዝሓሸ እዩ ነይሩ። ሕጂ ሓያሎ ዝነቐጸ ርባታት ወይ ስንጭሮታት ምህላዉ፡ ኣብ ሕሉፍ ወሓይዝ ኪፈጥር ዚኽእል እኹል ዝናም ከም ዝነበረ ዜርኢ መርትዖ እዩ።” ይኹን እምበር፡ እቲ በረኻ ባድምን ዜፍርህን ቦታ እዩ ነይሩ። (ዘዳ. 8:14-16) የሆዋ ብተኣምራዊ መገዲ ማይ እንተ ዘይህቦም ነይሩ፡ እስራኤላውያን ኰኑ እንስሳታቶም ምሃለቑ ነይሮም።—ዘጸ. 15:22-25፣ 17:1-6፣ ዘሁ. 20:2, 11

ስለዚ፡ ሙሴ ንእስራኤላውያን፡ የሆዋ ንዓታቶም ማና ዝመገበሉ ምኽንያት ኪገልጸሎም ከሎ፡ “ሰብ ካብ ኣፍ የሆዋ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ከም ዘይነብር ምእንቲ ኼፍልጠካ” በሎም።—ዘዳ. 8:3

a ናይ 1 ግንቦት 1992 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ)፡ ገጽ 24-25 ርአ።

b ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንስሳታት ኣብቲ በረኻ ንየሆዋ እተሰውኡሉ ኽልተ ኣጋጣሚ ጥራይ እዩ ተጠቒሱ ዘሎ። እቲ ቐዳማይ ኣጋጣሚ፡ ኣብ እዋን ሽመት ካህናት እዩ ነይሩ፣ እቲ ኻልኣይ ከኣ ኣብ ፋስጋ እዩ ነይሩ። ክልቲኡ እዚ ኣጋጣሚታት እዚ ብ1512 ቅ.ክ.፡ ካብቲ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ዚወጹሉ ኣብ ካልአይቲ ዓመት እዩ ዀይኑ።—ዘሌ. 8:14–9:24፣ ዘሁ. 9:1-5

c ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ዝጸንሑሉ 40 ዓመት፡ ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸራ እንስሳታት ካብ ውግእ ዘሚቶም እዮም። (ዘሁ. 31:32-34) ይኹን እምበር፡ ናብ ምድሪ ተስፋ ኽሳዕ ዚኣትዉ ማና ይበልዑ ነበሩ።—እያ. 5:10-12

d ማና ኸከም እቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዚበልዖ ይእከብ ብምንባሩ፡ እንስሳታት ማና ኸም ዝበልዑ ዚሕብር ዋላ ሓንቲ ነገር የልቦን።—ዘጸ. 16:15, 16