ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ሮማውያን ከም የሱስ ንዝኣመሰለ ኣብ ጕንዲ ዝሰቐልዎ ሰብ ንቡር ቀብሪ ኺግበረሉ ይፈቕዱ ነይሮም ድዮም፧

ብዙሓት ሰባት ነቲ የሱስ ኣብ መንጎ ኽልተ ገበነኛታት ኣብ ጕንዲ ኸም እተሰቕለ ዚትርኽ ዛንታ ይፈልጥዎ እዮም። (ማቴ. 27:35-38) ብዛዕባ እቲ ድሕሪኡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ሬሳ የሱስ ንቐብሪ ኸም እተዳለወን ኣብ መቓብር ከም እተነብረን ዚገልጽ ዛንታ ግና ክርክር የበግሱ እዮም።—ማር. 15:42-46

ገሊኦም ንወንጌላት ዚሕይሱ ሓያስያን፡ ሓደ እተቐትለ ሰብ ኣብ መቓብር ኪንበር ይፍቀደሉ እንተ ነይሩ፡ ወይ ብኻልእ መገዲ ንቡር ቀብሪ ይፍቀደሉ እንተ ነይሩ ጥርጣረ ኣሕዲሮም እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዚቕተሉ ገበነኛታት፡ ካልእ ነገር ይግበር ምንባሩ እዮም ዚኣምኑ ነይሮም። ኣሪየል ሳባር ዝስሙ ጋዜጠኛ ኣብ መጽሔት ስሚዝሶኒያን ከምዚ ኢሉ ብምጽሓፍ ነዚ ኣረኣእያ መሰረት ዝዀነ ኣተሓሳስባ ገሊጹ ኣሎ፦ “ስቕለት ነቶም ናይ ማሕበረ ሰብ ሓተላ እተሓዝአ መቕጻዕቲ እዩ ነይሩ፣ ገሊኦም ክኢላታት ከኣ፡ ሮማውያን በዚ ኸምዚ ንእተቐትለ ሰብ ንቡር ቀብሪ ናይ ምርካብ ክብሪ ይህብዎ ነይሮም ዚብል ሓሳብ ኣይተዋሕጠሎምን።” ሮማውያን ነቶም እተዀነኑ ገበነኛታት ኣመና ኼዋርድዎም እዮም ዚደልዩ ነይሮም፣ ስለዚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሬሳኦም ንኣራዊት ወይ ንኣዕዋፍ እዮም ዚሓድግዎ ነይሮም። ድሕሪኡ፡ እቲ ኻብዚ ዝተረፈ ናብ ጋህሲ እዮም ዚድርብይዎ ነይሮም።

ስነ ጥንቲ ግና ንገሊኦም እተቐትሉ ኣይሁድ ካብዚ እተፈልየ ኣተሓሕዛ ኸም እተገብረሎም እዩ ሓቢሩ። ብ1968፡ ኣዕጽምቲ ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተቐትለ ሰብ ተረኽበ። እቲ ኣዕጽምቲ ኣብ ጥቓ የሩሳሌም ኣብ ዚርከብ ናይ ቤተ ሰብ መቓብር እዩ ተረኺቡ። ኣዕጽምቲ ኣብ ዚቕመጠሉ ሳጹን እውን እዩ ነይሩ። ኣብ መንጎኡ ድማ ዓጽሚ ሸዀና ተረኺቡ እዩ። እቲ ዓጽሚ ኸኣ 11.5 ሰንቲ ሜተር ብዝንውሓቱ መስማር ምስ ሉሕ ተሰሚሩ እዩ ነይሩ። ሳባር ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ይብል፦ “እቲ ናይ የሆሓናን ዚብሃል ሸዀና፡ ነቲ ነዊሕ ግዜ ዜከራኽር ዝነበረ የሱስ ኣብ መቓብር ከም እተቐብረ ዚትርኽ ኣብ ወንጌል ዚርከብ ዛንታ መዕለቢ ኺረክብ ሓጊዙ እዩ።” ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ “ሸዀና የሆሓናን፡ ሮማውያን ብግዜ የሱስ ንእተሰቕለ ሰብ ብስርዓት ኣይሁድ ኪቕበር ከም ዝፈቐዱ ዜርኢ ኣብነት እዩ።”

እዚ ዓጽሚ ሸዀና እዚ ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ጕንዲ እተሰቕለሉ ኣገባብ እተፈላለየ ርእይቶታት ከም ዚልዓል ገይሩ እዩ። ዝዀነ ዀይኑ ግና፡ ገሊኦም እተቐትሉ ገበነኛታት ኪቕበሩ ይፍቀደሎም ከም ዝነበረ ደኣ እምበር፡ ስቕ ኢልካ ይድርበዩ ኸም ዘይነበሩ ንጹር ኰይኑ እዩ። እምበኣር፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ታሪኽ፡ ማለት እቲ ሬሳ የሱስ ኣብ ግቡእ መቓብር ከም እተነብረ ዚገልጽ ዛንታ፡ ልክዕ እዩ። እዚ መርትዖ እዚ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ዛንታ ይድግፎ እዩ።

ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ የሱስ ኣብ ናይ ሃብታም መቓብር ከም ዚቕበር የሆዋ ተነብዩ ነይሩ እዩ፣ ቃል ኣምላኽ ከይፍጸም ኪዓግቶ ዚኽእል እውን ዋላ ሓደ የልቦን።—ኢሳ. 53:9፣ 55:11