ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣኽላባተይ እተዋህቦም ብሽኮቲ

ንኣኽላባተይ እተዋህቦም ብሽኮቲ

ኣብ ኦሪገን፡ ሕ.መ.ኣ. ዚነብር ኒክ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ኣብ ጽድያ 2014፡ ነቶም ክልተ ንኣሽቱ ኣኽላባተይ ናብቲ ኣብ ከባቢና ዚርከብ ማእከል ከተማ ኸዛውሮም ከድኩ። ኣብቲ ማእከል ከተማ ኸኣ፡ ኣዘውቲሮም ኣብ ጥቓ ዓረብያ ጽሑፋት ደው ዚብሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበሩ። ኣከዳድናኦም ጽቡቕ እዩ ነይሩ፣ ንዅሉ ሰብ ከኣ ብድሙቕ ፍሽኽታ እዮም ሰላምታ ዚህቡ ነይሮም።

“እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣኽላባተይ እውን ይልውሁሎም ነይሮም እዮም። ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዓረብያ ደው ኢላ ዝነበረት ኣይሊን ነቶም ክልተ ኣኽላባተይ ብሽኮቲ ሃበቶም። ካብ ሽዑ ንደሓር፡ እቶም ኣኽላባተይ ናብታ ብሽኮቲ እትርከበላ ቦታ ይጐትቱኒ ነበሩ።

“ድሕርዚ፡ ኣዋርሕ ሓለፈ። እቶም ኣኽላባተይ፡ እተን ብሽኮቲ ጥዒመናኦም ነይረን፣ ኣነ እውን እቲ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብሮ ሓጸርቲ ዝርርባት ጥዒሙኒ ነይሩ። ብዙሕ ግና ክቐርቦም ኣይደለኹን። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ልዕሊ 70 ዓመት ገይረ ነይረ እየ፣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ከም ዚኣምኑ እውን ብልክዕ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ብኣብያተ ክርስትያን ፕሮተስታንት ጕህየ ስለ ዝነበርኩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕለይ እንተ ኣጽናዕኩ ኸም ዚሓይሽ እየ ዝሓስብ ነይረ።

“ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ካልእ ክፋላት እታ ኸተማ ኣብ ጥቓ ዓረብያኦም ደው ዝበሉ ኻልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እርኢ ነበርኩ። ንሳቶም ድማ ወትሩ ፍሽሑዋት እዮም ነይሮም። ንሕቶታተይ እውን ወትሩ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መልሲ ይህቡኒ ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ብዝያዳ እናኣመንክዎም ከድኩ።

“ሓደ መዓልቲ፡ ኣይሊን፡ ‘እንስሳታት ካብ ኣምላኽ እተዋህቡና ውህበት ምዃኖምሲ ትኣምንዶ፧’ ኢላ ሓተተትኒ። ኣነ ድማ፡ ‘እወ፡ ኣጸቢቐ እኣምን እየ’ ኢለ መለስኩላ። ድሕሪኡ፡ ኣይሊን ኢሳይያስ 11:6-9 ኣንበበትለይ። እዚ ንዓይ ነጥበ መቐይሮ እዩ ነይሩ፣ እንተዀነ ግና፡ ብድሕሪኡ እውን ጽሑፋት ክቕበል ኣይደልን እየ ነይረ።

“ኣብቲ ድሕሪኡ ዝነበረ መዓልትታት፡ ምስ ኣይሊንን ምስ ሰብኣያ ብረንትን ሓጺር ግናኸ ትርጉም ዘለዎ ምይይጣት እገብር ነበርኩ። ንሳቶም ከኣ ንክርስቶስ ምምሳል እንታይ ማለት ምዃኑ ምእንቲ ኺርድኣኒ፡ ካብ ማቴዎስ ክሳብ ግብሪ ሃዋርያት ከንብብ ሓሳብ ሃቡኒ። ከምኡ ድማ ገበርኩ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ምስ ብረንትን ኣይሊንን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ፍቓደኛ ዀንኩ። እዚ ኣብ መፋርቕ 2016 እዩ ዀይኑ።

“ነቲ ሰሙናዊ እንገብሮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ነቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ኣኼባታትን ተሃንጥየ እየ ዝጽበዮ ነይረ። መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ ከም ዚብል ክፈልጥ ምኽኣለይ፡ እተባረኽኩ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ፣ በዚ እውን ሕጉስ እየ ነይረ። ድሕሪ ዓመት ኣቢለ ኸኣ፡ ጥሙቕ ናይ የሆዋ ምስክር ኰንኩ። ሕጂ ኣብ 79 ዓመት ዕድመይ ኣብ ቅኑዕ መገዲ ኸም ዘለኹ እፈልጥ እየ። የሆዋ ኽፍሊ እቲ ብውፉያት ኣገልገልቱ ዝቘመ ስድራ ቤት ኪኸውን ብምፍቃድ ባሪኹኒ እዩ።”