ኤፌሶን 1:1-23

  • ሰላምታ (1, 2)

  • መንፈሳዊ በረኸት (3-7)

  • ኵሉ ኣብ ክርስቶስ ምጥቕላል (8-14)

    • በቲ ምዱብ ግዜያት ዚህሉ “ምምሕዳር” (10)

    • በቲ ኸም “ዕርቡን” ዝዀነ መንፈስ እተሓትሙ (13, 14)

  • ጳውሎስ ብዛዕባ እምነት ሰብ ኤፌሶን ንኣምላኽ ኣመስገኖ፣ ምእንታኦም ድማ ጸለየ (15-23)

1  ካብቲ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ጳውሎስ፡ ናብቶም ኣብ ኤፌሶን ዘለዉ ቕዱሳትን+ ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዘለዎም ሓድነት እሙናትን፦  ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም።  እቲ ብመንፈሳዊ በረኸት ዘበለ ኣብ ሰማያት ምስ ክርስቶስ ብዘሎና ሓድነት+ ዝባረኸና ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይወደስ፣  ምኽንያቱ፡ ብፍቕሪ ኣብ ቅድሚኡ ቕዱሳትን ብዘይ ኣበርን+ ምእንቲ ኽንከውን፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ምስኡ* ሓድነት ኪህልወና ሓርዩና እዩ።  ከመይሲ፡ ከም ፍታዉን ከም ፍቓዱን+ ብየሱስ ክርስቶስ ውሉድነት ረኺብና ኸም ውሉዳቱ ኽንከውን+ ኣቐዲሙ መዲቡና እዩ፣+  እዚ ኸኣ ንውዳሰ እቲ በቲ ፍቑር ወዱ+ ብለውሃት ዝሃበና ኽቡር ጸጋኡ እዩ።+  ብእኡ፡ ብደሙ በጃ ተኸፊሉልና፡+ ማለት ከም ሃብቲ ጸጋኡ ኣበሳና ተሓዲጉልና ኣሎ።+  ነዚ ጸጋ እዚ ብዅሉ ጥበብን ኣእምሮን ኣባና ኣዕዚዝዎ እዩ፣  ማለት ቅዱስ ምስጢር ፍቓዱ ኣፍሊጡና እዩ።+ ከምቲ ብፍታዉ ንሱ ባዕሉ ዝዓለሞ፡ 10  እቲ ምዱብ ግዜያት ምስ ኣኸለ ንምምሕዳር፡* ማለት ኣብ ሰማያት ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን ኵሉ ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕልል እዩ።+ እወ፡ ብእኡ፡ 11  እቶም ከም ዕላማ እቲ ንዅሉ ኸም ፍቓዱ ዚውስኖ ኣቐዲምና ስለ እተመደብና፡+ ምስኡ ብዘሎና ሓድነት ከም ወረስቲ እተመደብና፡ 12  ብቐዳምነት እውን ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና፡ ንውዳሰ ኽብሩ ምእንቲ ኸነገልግል እዩ። 13  ንስኻትኩም እውን ቃል ሓቂ፡ ማለት ብስራት ድሕነትኩም፡ ምስ ሰማዕኩም፡ ብእኡ ተስፋ ጌርኩም ኢኹም። ምስ ኣመንኩም ከኣ፡ በቲ እተተስፈወ መንፈስ ቅዱስ ተሓቲምኩም ኢኹም፣+ 14  እዚ ኸኣ ጥሪት ኣምላኽ በጃ+ ምእንቲ ኪኽፈለሉ፡+ ንውዳሰ ኽብሩ ዚኸውን ዕርቡን ርስትና እዩ።+ 15  በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣነ ድማ ብዛዕባ እታ ብጐይታና የሱስ ዘላትኩም፡ ንዅሎም ቅዱሳት እውን ዘርኣኹምዋ እምነት ምስ ሰማዕኩ፡ 16  ብዛዕባኹም ካብ ምምስጋን ኣየቋረጽኩን። ኣብ ጸሎተይ እውን እጠቕሰኩም እየ፣ 17  እቲ ኣቦ ኽብሪ ዝዀነ ኣምላኽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ በቲ ልክዕ ፍልጠቱ መንፈስ ጥበብን ግልጸትን ምእንቲ ኺህበኩም እየ ኸምኡ ዝገብር።+ 18  ኣዒንቲ ልብኹም ዝበርሀ፡ እቲ እተጸዋዕኩምሉ ተስፋ እንታይ ከም ዝዀነ፡ ነቶም ቅዱሳት እንታይ ክቡር ሃብቲ ኸም ርስቲ ኸም ዚህቦም ምእንቲ ኽትፈልጡ፡+ 19  ዕቤት ሓይሉ ንዓና ንኣመንቲ ኽሳዕ ክንደይ ሓለፍ ዝበለ ምዃኑ እውን ምእንቲ ኽትግንዘቡ እዩ።+ እዚ ኸኣ በቲ ብርቱዕ ሓይሉ ገይሩ 20  ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ፡ ኣብ ሰማያት ኣብ የማኑ ምስ ኣቐመጦ፡+ ተራእዩ እዩ፣ 21  ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብዚ ስርዓት* እዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ዚመጽእ እውን፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ መንግስትን ስልጣንን ሓይልን ጕይትነትን ዚስመ ዘበለ ስምን ልዕል ኣቢልዎ እዩ።+ 22  ንዅሉ ኸኣ ኣብ ትሕቲ እግሩ ኣግዚእዎ እዩ፣+ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ንጉባኤ ዚምልከት ድማ ርእሲ ገይርዎ እዩ፣+ 23  ንሳ ኸኣ ሰብነቱ፡+ ናይቲ ንዅሉ ኣብ ኵሉ ዚመልእ እውን ምልኣቱ እያ።

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ ምስ ክርስቶስ።
ወይ፡ “ምእንቲ ኼመሓድር።”
ወይ፡ “መዋእል።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ስርዓት” ርአ።