ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መምርሒ ኣኼባ ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን

መምርሒ ኣኼባ ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን

ትሕዝቶ

1. እዚ ኣብዚ ሰነድ ዘሎ መምርሒ ንዅሎም እቶም ኣብ ኣኼባ ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን ክፍሊ ዘለዎም ሰባት ኪሕግዝ ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ። እቶም ክፍሊ ዚውሃቦም ዘበሉ ንኽፍሎም ቅድሚ ምድላዎም፡ ነቲ ኣብ ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ኰነ ነቲ ኣብዚ ሰነድ እዚ ብዛዕባ ኽፍሎም እተዋህበ መምርሒ ኪኽልስዎ ኣለዎም። ኵሎም ኣስፋሕቲ፡ ክፍልታት ተምሃሮ ምእንቲ ኬቕርቡ፡ ዕድመ ኪቐርብ ኣለዎ። ምስታ ጉባኤ ብንጥፈት ዚሓብሩ ኻልኦት እውን ምስ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማምዑን ምስ ክርስትያናዊ ስርዓት ተሰማሚዖም ዚነብሩን እንተ ዀይኖም፡ ክፍሊ ኬቕርቡ ይኽእሉ እዮም። ኣስፋሒ ዘይኰነ ኣብዚ ትምህርቲ ኺምዝገብ እንተ ደልዩ፡ ብቕዓት እንተ ኣልይዎ ንምርግጋጽ እቲ ሓላው ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ኬመያይጦን ብቑዕ እንተ ዀይኑ ኺሕብሮን ኣለዎ። ነዚ ድማ እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሓሉ ሰብ ኣብ ዘለዎ (ወይ ኣማኒ ወላዲ ኣብ ዘለዎ) ኺግበር ኣለዎ። እቲ ኺማላእ ዘለዎ ብቕዓታት፡ ምስቲ ንሓደ ሰብ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ኪኸውን ዚሕተት ብቕዓታት ሕደ እዩ።—od ምዕ. 8 ሕ.ጽ. 8

 መእተዊ ሓሳባት

2. ሓደ ደቒቕ። ኣብ ሰሰሙን፡ እቲ ኣኼባ ብመዝሙርን ብጸሎትን ምስ ተኸፍተ፡ ኣቦ መንበር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ነቲ ዚቐርብ መደብ ተሃንጢና ኸም እንጽበ ዚገብረና ሓሳባት ይህብ። ኣቦ መንበር ነታ ጉባኤ ኣብ ዚጠቅም ነጥብታት ኬተኵር ኣለዎ።

  ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

 3መደረ፦ ዓሰርተ ደቒቕ። ኣብ ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡ ፍረ ነገርን ክልተ ወይ ሰለስተ ቐንዲ ነጥብታትን ተገሊጹ ኣሎ። እዚ መደረ እዚ፡ ብሽማግለ ወይ ብቕዓት ብዘለዎ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኪቐርብ ኣለዎ። ኣብ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓድሽ መጽሓፍ ዚውሰድ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ መጽሓፍ ዜፋልጥ ቪድዮ ኺውላዕ ኣለዎ። እቲ ተዛራባይ፡ እቲ ቪድዮን ፍረ ነገር እቲ ኣኼባን ብኸመይ ከም ዚመሳሰል ኪጠቅስ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ኣብቲ ደብተር ተጠቒሱ ዘሎ ቐንዲ ነጥብታት እውን ኪሽፍኖ ኣለዎ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ግዜ ኸም ዚፈቕዶ ነቲ መመላእታ እቲ ዚውሰድ ክፍሊ ኪኸውን እተዳለወ ስእሊ ኺጥቀመሉ ኣለዎ። ኣብቲ ኣስተዋጽኦ ንእተጠቕሰ ነጥብታት ዜማዕብል ካልእ መወከሲታት እውን ኪጥቀም ይኽእል እዩ።

 4መንፈሳዊ ሃብቲ፦ ዓሰርተ ደቒቕ። እዚ ኽፋል እዚ፡ መእተዊ ወይ መዛዘሚ ኸይገበርካ ብሕቶን መልስን ዚቐርብ እዩ። ብሽማግለ ወይ ብቕዓት ብዘለዎ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዚቐርብ ድማ እዩ። እቲ ተዛራባይ፡ ንሰማዕቲ ንኽልቲአን ሕቶታት ኪሓትቶም ኣለዎ። ብዘይካዚ፡ እቲ ጥቕስታት ኪንበብ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ኺውስን ይኽእል እዩ። ሰማዕቲ ዚህብዎ ሓሳባት፡ 30 ኻልኢት ወይ ትሕቲኡ ኪኸውን ኣለዎ።

 5ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ኣርባዕተ ደቒቕ። እዚ ኽፍሊ ተምሃራይ እዚ፡ ብወዲ ተባዕታይ ዚቐርብ እዩ። እቲ ተምሃራይ መእተዊ ወይ መዕጸዊ ኸይገበረ፡ ነቲ እተመደበሉ ኽፋል ኬንብቦ ኣለዎ። እቲ ኣቦ መንበር ኣኼባ ነቲ ተምሃራይ፡ ብልክዕ፡ ብዚርዳእ መገዲ፡ ሰጋእ ከይበለ፡ ቀንዲ ቓላትን ሓረጋትን እናኣጕልሐ፡ ድምጺ እናለዋወጠ፡ ብግቡእ እናኣዕረፈ፡ ባህርያዊ ገይሩ ቕኑዕ ንባብ ኬንብብ ንምሕጋዝ ጻዕሪ ይገብር። ገሊኡ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓጺር ገሊኡ ኸኣ ነዊሕ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ሓላው ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ክፍሊ ኺምድብ ከሎ ንዓቕሚ እቶም ተምሃሮ ኣብ ግምት ኬእቱ ኣለዎ።

 ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

6. ዓሰርተው ሓሙሽተ ደቒቕ። እዚ ኽፋል ኣኼባ እዚ፡ ኵሎም ተሳተፍቲ ንኣገልግሎት ምእንቲ ኺለማመዱ፡ ነቲ ናይ ምዝርራብን ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ክእለቶም ድማ ምእንቲ ኼዕብዩ ኣጋጣሚ ኪኸፍተሎም እዩ ተዳልዩ። ከከም ኣድላይነቱ፡ ሽማግለታት ክፍልታት ተምሃሮ ኺውሃቦም ይኽእል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ተምሃራይ ነቲ ኣብ ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ደድሕሪ ኽፍሉ ኣብ ሓጹር ተሓቢሩ ዘሎ ምምሃር ካብ እትብሃል ብሮሹር ወይ ሰባት ኣፍቅር ካብ እትብሃል ብሮሹር እተወስደ ነጥቢ መጽናዕቲ ኺዓይየሉ ኣለዎ። ሓድሓደ ግዜ፡ ንምይይጥ ዚኸውን ክፍሊ ይምደብ እዩ። ከምዚ ዝበለ ኽፍሊ፡ ብሽማግለ ወይ ብቕዓት ብዘለዎ ኣገልጋሊ ጉባኤ እዩ ዚቐርብ።—ብምይይጥ ዚቐርብ ክፍልታት ብኸመይ ኪትሓዝ ከም ዘሎ ንምፍላጥ፡ ኣብ  ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ።

 7ዝርርብ ምጅማር፦ እዚ ኽፍሊ ተምሃራይ እዚ፡ ብወዲ ተባዕታይ ወይ ብጓል ኣንስተይቲ ኪቐርብ ይኽእል እዩ። እቲ ሓጋዚ፡ ሕደ ጾታ ዘለዎ ወይ ኣባል ስድራ ቤት ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ተምሃራይን ሓጋዚኡን ኮፍ ኢሎም ወይ ደው ኢሎም ኬቕርቡ ይኽእሉ እዮም።—ብዛዕባ ትሕዝቶን ኣቀራርባን እዚ ኽፍሊ እዚ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡  ሕጡብ ጽሑፍ 12 13ን ርአ።

 8ንግዱሳት ምክትታል፦ እዚ ኽፍሊ ተምሃራይ እዚ፡ ብወዲ ተባዕታይ ወይ ብጓል ኣንስተይቲ ኪቐርብ ይኽእል እዩ። እቲ ሓጋዚ፡ ሕደ ጾታ ዘለዎ ወይ ኣባል ስድራ ቤት ኪኸውን ኣለዎ። (km 12/06 ገጽ 6) እቲ ተምሃራይን ሓጋዚኡን ኮፍ ኢሎም ወይ ደው ኢሎም ኬቕርቡ ይኽእሉ እዮም። እቲ ተምሃራይ ካብ ዝሓለፈ ዝርርቦም ተበጊሱ ነቲ ግዱስ ንምክትታል እንታይ ከም ዚብል ኬርኢ ኣለዎ።—ብዛዕባ ትሕዝቶን ኣቀራርባን እዚ ኽፍሊ እዚ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡  ሕጡብ ጽሑፍ 12 13ን ርአ።

 9ደቀ መዛሙርቲ ምግባር፦ እዚ ኽፍሊ ተምሃራይ እዚ፡ ብወዲ ተባዕታይ ወይ ብጓል ኣንስተይቲ ኪቐርብ ይኽእል እዩ። እቲ ሓጋዚ፡ ሕደ ጾታ ዘለዎ ኪኸውን ኣለዎ። (km 12/06 ገጽ 6) እቲ ተምሃራይን ሓጋዚኡን ኮፍ ኢሎም ወይ ደው ኢሎም ኬቕርቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ኽፍሊ እዚ፡ ድሮ ተጀሚሩ ዝጸንሐ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪቕጽል ከሎ ዜርኢ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ተምሃራይ ንሓደ ኻብዚ ነጥቢ መጽናዕቲ እዚ ይዓይየሉ እንተ ዘየልዩ፡ መእተዊ ወይ መዛዘሚ ኺገብር ኣየድልዮን እዩ። ኵሉ እቲ እተመደበ ጽሑፍ ዓው ኢልካ ኺንበብ ዚከኣል እኳ እንተ ዀነ፡ ከምኡ ምግባር ግና ኣድላዪ ኣይኰነን።

 10እምነትካ ምግላጽ፦ እዚ ኽፍሊ ተምሃራይ እዚ፡ ብመደረ ኪቐርብ ኣብ ዚምደበሉ እዋን፡ ወዲ ተባዕታይ ኬቕርቦ ኣለዎ። ብመርኣያ ኪቐርብ ኣብ ዚምደበሉ እዋን፡ ብወዲ ተባዕታይ ወይ ብጓል ኣንስተይቲ ኪቐርብ ይኽእል እዩ። እቲ ሓጋዚ፡ ሕደ ጾታ ዘለዎ ወይ ኣባል ስድራ ቤት ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ተምሃራይ ነቲ ቐንዲ ሕቶ በቲ ኣብ እተዋህቦ መወከሲ ዚርከብ ሓበሬታ ገይሩ ብሜላ ንጹር መልሲ ኺህብ ኣለዎ። እቲ ተምሃራይ ነቲ ኸም መወከሲ እተዋህቦ ጽሑፍ ንምጥቃስ ወይ ንዘይምጥቃስ ኪውስን ይኽእል እዩ።

 11መደረ፦ እዚ ኽፍሊ ተምሃራይ እዚ፡ ብወዲ ተባዕታይ ዚቐርብ ኰይኑ፡ ንጉባኤ ኸም መደረ ዀይኑ እዩ ዚውሃብ። እቲ መደረ ኣብ መመላእታ ጽሑፍ ሀ እታ ሰባት ኣፍቅር እትብሃል ብሮሹር እተመርኰሰ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ተምሃራይ፡ እቲ ፍቕዲ(ታት) ኣብ ኣገልግሎት ብኸመይ ኪጐልሕ ከም ዚኽእል ኬጕልሕ ኣለዎ። ንኣብነት፡ ንሓንቲ ፍቕዲ ብኸመይ ክንጥቀመላ ኸም እንኽእል፡ ሒዛቶ ዘላ ትርጉም፡ በታ ፍቕዲ እቲኣ ጌርና ንሰባት ብኸመይ ከም እነረድኦም ኪገልጽ ይኽእል እዩ። እቲ መደረ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣብ ብሮሹር ሰባት ኣፍቅር ዘሎ ትምህርትታት እተመርኰሰ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ተምሃራይ ነቲ ነጥቢ ኣብ ኣገልግሎት ብኸመይ ኪትግብሮ ኸም ዚኽእል ኪገልጽ ኣለዎ። ነቲ ኣብቲ ትምህርቲ ኣብ ነጥቢ 1 ዘሎ ኣብነት ኬጕልሕ ወይ ኣብቲ ትምህርቲ ዘሎ ተወሳኺ ጥቕስታት ሓጋዚ እንተ ዀይኑ ንዕኡ ኬጕልሖ ይኽእል እዩ።

   12ትሕዝቶ፦ ኣብዛ ሕጡብ ጽሑፍ እዚኣን ኣብ እትስዕብን ዘሎ ሓበሬታ፡ ኣብቲ “ዝርርብ ምጅማር” ከምኡ ድማ “ንግዱሳት ምክትታል” ዚብል ክፍልታት ኪዕየየሉ ይከኣል እዩ። ካልእ መምርሒ ኽሳዕ ዘይተዋህበ፡ ሸቶ እቲ ተምሃራይ ነቲ ዚዛረቦ ዘሎ ሰብ ቀሊል ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ምክፋልን ኣብ መጻኢ ንዚገብርዎ ዝርርብ ባይታ ምጥጣሕን እዩ። እቲ ተምሃራይ ነቲ ኸባቢ ዚኸውን እዋናውን ውጽኢታውን ርእሰ ነገር ኪሓሪ ኣለዎ። ኣብ ናውቲ ትምህርቲ ዚርከብ ጽሑፍ ወይ ቪድዮ ንምጥቃም ወይ ንዘይምጥቃም እውን ኪውስን ይኽእል እዩ። ተምሃሮ እተሸምደደ ሓሳባት ኣብ ክንዲ ምቕራብ፡ ከም ብሕታዊ ተገዳስነትን ባህርያውነትን ዝኣመሰለ ኽእለታት ዝርርብ ንምምዕባል ኪጽዕሩ ኣለዎም።

   13ኣቀራርባ፦ እቲ ተምሃራይ ነቲ እተመደበሉ ሓፈሻዊ ኣቀራርባ ምስቲ ኸባቢ ኸም ዚሰማማዕ ገይሩ ኬቕርቦ ኣለዎ። ንኣብነት፦

  1.  (1) ኣብ በቤት፦ እዚ ኣቀራርባ እዚ፡ ብኣካል፡ ብተሌፎን፡ ወይ ብደብዳበ ኣብ በቤት ዚግበር ስብከት፡ ከምኡ ድማ ኣብ ናይ በቤት ኣገልግሎት ኣቐዲምካ ንእተረኽበ ግዱስ ምክትታል የጠቓልል።

  2.  (2) ዘይወግዓዊ ምስክርነት፦ እዚ ኣቀራርባ እዚ፡ ተራ ዕላል ናብ ምስክርነት ኪቕየር ከሎ የርኢ። ነቶም ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ጐረባብትኻ፡ ኣብ ህዝባዊ መጕዓዝያ፡ ወይ ዕለታዊ ንጥፈታትካ ኣብ እትገብረሉ ኻልእ ቦታታት እትረኽቦም ሰባት ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳብ ምንጋር እውን የጠቓልል።

  3.  (3) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት፦ እዚ ኣቀራርባ እዚ፡ ምስክርነት ዓረብያ፡ ኣብ ቦታታት ስራሕ ምግልጋል፡ ምስክርነት መገዲ፡ ወይ ከኣ ኣብ መናፈሻታት፡ ደው መበሊ ማካይን፡ ወይ ሰባት ኪርከቡሉ ኣብ ዚኽእሉ ዘበለ ዚግበር ምስክርነት የጠቓልል።

 14ኣጠቓቕማ ቪድዮታትን ጽሑፋትን፦ ሓደ ተምሃራይ ከከም ኵነታቱ ቪድዮ ወይ ጽሑፍ ኪጥቀም ይኽእል እዩ። ኣብቲ እተመደበሉ ኽፍሊ እተጠቕሰት ቪድዮ እንተላ ወይ እቲ ተምሃራይ ባዕሉ ሓርዩ ኼርኢ እንተ ደልዩ፡ ነታ ቪድዮ ኼላልያን ብእኣ ገይሩ ኼመያይጥን ይኽእል እዩ፡ ኪውልዓ ግና የብሉን።

  ክርስትያናዊ ህይወት

15. ድሕሪ መዝሙር ኣብ ዘሎ ናይ 15 ደቒቕ ክፋል፡ ሰማዕቲ ንቓል ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ዚሕግዝ ሓደ ወይ ክልተ ኽፍሊ ኪቐርብ እዩ። ካልእ ሓበሬታ እንተ ዘይተዋሂቡ፡ እዚ ኽፍሊ እዚ ብሽማግለታት ወይ ብቕዓት ብዘለዎም ኣገልገልቲ ጉባኤ ኪቐርብ ኣለዎ። እቲ ነታ ጉባኤ ዜድሊ ዚብሃል ክፍሊ ግና ብሽማግለ ኪቐርብ ኣለዎ። ሓደ ኽፍሊ ብምይይጥ ኪቐርብ እንተ ተመዲቡ፡ እቲ ተዛራባይ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብኡ እተዋህቦ ሕቶታት ኣብ ምሉእ ክፍሉ ተወሳኺ ሕቶታት ኪሓትት ይኽእል እዩ። ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ንምሽፋንን ተኣከብቲ ንዚገብርዎ ተሳትፎን ዚኸውን ግዜ ምእንቲ ኺረክብ፡ መእተዊኡ ሓጺር ኪገብሮ ኣለዎ። ቃለ መጠይቕ ዚግበር እንተ ዀይኑ፡ እቲ ቓለ መጠይቕ ዚግበረሉ ሰብ ኣብ ኮፍ ዝበለሉ ዀይኑ ዘይኰነስ፡ እንተ ተኻኢሉ ኣብ መድረኽ እንተ ደየበ ይምረጽ።

  16መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ ሰላሳ ደቒቕ። እዚ ኽፍሊ እዚ፡ ብቕዓት ብዘለዎ ሽማግለ እዩ ዚቐርብ። (እኹላት ሽማግለታት ኣብ ዘይብሉ ዘበለ፡ ከከም ኣድላይነቱ ብቕዓት ዘለዎም ኣገልገልቲ ጉባኤ ኺምደቡ ይኽእሉ እዮም።) ኣካል ሽማግለታት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ ኺመርሕ ብቕዓት ዘለዎ መን ምዃኑ ኺውስኑ ኣለዎም። እቶም እተሓርዩ፡ ነቲ ንመጽናዕቲ እተመደበ ግዜ ብምሕላው፡ ነቲ ቐንዲ ጥቕስታት ብምጕላሕ፡ ንዅሎም ሰማዕቲ ድማ እቲ እተሸፈነ ነጥብታት ዘለዎ ግብራዊ ጥቕሚ ኺርድኡ ብምሕጋዝ፡ ነቲ መጽናዕቲ ትርጉም ብዘለዎ መገዲ ኺመርሕዎ ኣለዎም። ነቲ ብሕቶን መልስን ዚቐርብ ክፍልታት ብኸመይ ኪምራሕ ከም ዘለዎ ንዚገልጽ መምርሒ ብምኽላስ ድማ፡ ሓጋዚ ስርዓታት ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም። (w23.04 ገጽ. 24፡ ሳጹን) ነቲ ሰሙን እተመደበ ኽፍሊ እንተ ተሸፊኑ፡ ነቲ መጽናዕቲ ኸተናውሖ ኣየድልን እዩ። ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን እተፈላለዩ ኣሕዋት መጽናዕቲ ኺመርሑን ኬንብቡን ኣለዎም። ኣቦ መንበር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡ እቲ መጽናዕቲ ኺሓጽር ከም ዘለዎ መምርሒ እንተ ሂቡ፡ እቲ ዚመርሕ ሓው ነቲ መጽናዕቲ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜሕጽሮ ኺውስን ኣለዎ። ገሊኡ ሕጡብ ጽሑፋት ከይንበብ ኪውስን ይኽእል እዩ።

  መዛዘሚ ሓሳባት

17. ሰለስተ ደቒቕ። ኣቦ መንበር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡ ነቲ ኣብቲ ኣኼባ እተወስደ ጠቓሚ ነጥብታት ይኽልሶ። ኣብ ዚቕጽል ሰሙን ንዚቐርብ ትሕዝቶ ኼላሊ ኣለዎ። ግዜ እንተ ኣልይዎ፡ ስማት እቶም ኣብ ዚቕጽል ሰሙን ክፍሊ ዘለዎም ተምሃሮ ኺረቍሕ ይኽእል እዩ። ካልእ ሓበሬታ እንተ ዘይተዋሂቡ፡ ዝዀነ ይኹን ኣገዳሲ ምልክታታትን ንጉባኤ ዚንበብ ኣገዳሲ ደብዳበታትን፡ እቲ ኣቦ መንበር፡ መዛዘሚ ሓሳባት ኪህብ ከሎ ኼንብቦ ኣለዎ። ከም እኒ ንቡር መሰናድዎ ኣገልግሎት ወፍርን መደባት ጽሬትን ዝኣመሰለ ልሙድ ሓበሬታ፡ ኣብ ሰሌዳ ሓበሬታ ኺልጠፍ እምበር፡ ካብ መድረኽ ኪንበብ የብሉን። እቲ ንመዛዘሚ ሓሳባት እተመደበ ግዜ፡ ምልክታታት ወይ ደብዳበታት ንምንባብ ዘይኣክል እንተ ዀይኑ፡ እቲ ኣቦ መንበር ነቶም ኣብ ክርስትያናዊ ህይወት ክፍሊ ዘለዎም ኣሕዋት ክፍሎም ኣሕጽር ኣቢሎም ኬቕርቡ ኺሓትቶም ይኽእል እዩ። ( ሕጡብ ጽሑፍ 16 19ን ርአ።) እቲ ኣኼባ ድማ ብመዝሙርን ብጸሎትን ይዛዘም።

  ናእዳን ምኽርን

18. ኣቦ መንበር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡ ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ እቲ ኽፍልታት ተምሃሮ፡ ኣብቲ እተመደበ ነጥቢ መጽናዕቲ ተመርኲሱ ንዳርጋ ሓደ ደቒቕ ናእዳን ምኽርን ይህብ። እቲ ኣቦ መንበር ንኽፍሊ እቲ ተምሃራይ ኬፋልጥ ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ነጥቢ መጽናዕቲ ንሰማዕቲ ኣይሕብሮምን እዩ። ይኹን እምበር፡ ደድሕሪ እቲ ኽፍሊ ግቡእ ናእዳ ምስ ሃበ፡ እቲ ነጥቢ መጽናዕቲ ንሰማዕቲ ኺሕብሮም፡ እቲ ተምሃራይ ነቲ ምኽሪ ብኸመይ ብጽቡቕ ከም ዝዓየየሉ ኣነጺሩ ኺጠቅስ፡ ወይ ከኣ ነቲ ምኽሪ እቲ ስለምንታይን ብኸመይን ዝያዳ ኣቓልቦ ኺገብረሉ ኸም ዘለዎ ብለውሃት ኪገልጽ ኣለዎ። እቲ ኣቦ መንበር ነቲ ተምሃራይን ንኻልኦት ሰማዕትን ይጠቅም ኢሉ እንተ ሓሲቡ፡ ብዛዕባ ኻልእ መዳያት እቲ መርኣያ፡ ሓሳባት ኪህብ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ድሕሪ ኣኼባ ወይ ካልእ ግዜ፡ ነቲ ተምሃራይ ንበይኑ ገይሩ ኣብቲ እተመደበሉ ነጥቢ መጽናዕቲ ወይ ኣብ ካልእ ነጥቢ መጽናዕቲ እተመስረተ ዜድሊ ሃናጺ ምኽሪ ኻብ ብሮሹር ሰባት ኣፍቅር፡ ብሮሹር ምምሃር፡ ወይ መጽሓፍ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ኪህብ ይኽእል እዩ።—ኣቦ መንበር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ኰነ ሓጋዚ መኻሪ ዘለዎም ግደ ዚምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ  ሕጡብ ጽሑፍ 19 24 25ን ርአ።

     ግዜ

19. እቲ ዚቐርብ ክፍሊ ዀነ እቲ ብኣቦ መንበር ህይወትን ኣገልግሎትን ዚውሃብ ሓሳባት፡ ካብቲ እተመደበ ግዜ ኺሓልፍ የብሉን። ኣብ ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ንዅሉ ኽፍልታት ግዜ እኳ እንተ ተመደበሉ፡ እቲ ትምህርቲ ብጽቡቕ እንተ ተሸፊኑ፡ ነቲ እተመደበ ግዜ ንምምላእ ተባሂሉ ሓበሬታ ኺውሰኽ የብሉን። ገሊኡ ክፍልታት ካብቲ እተመደበሉ ግዜ ንላዕሊ እንተ ወሲዱ፡ እቲ ኣቦ መንበር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ወይ እቲ ሓጋዚ መኻሪ ብብሕቲ ምኽሪ ኺህብ ኣለዎ። ( ሕጡብ ጽሑፍ 24 25ን ርአ።) ብምሉኡ እዚ ኣኼባ እዚ፡ መዝሙርን ጸሎትን እውን ሓዊስካ፡ 1 ሰዓትን 45 ደቒቕን ጥራይ ይወስድ።

 ምብጻሕ ሓላው ወረዳ

20. ጉባኤኹም ምብጻሕ ሓላው ወረዳ እንተ ኣልይዋ፡ ኵሉ መደባት ከምቲ ኣብ ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን እተገልጸ ጌርካ ዚውሰድ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ኣብ ክርስትያናዊ ህይወት ዚውሰድ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ ግና በቲ ብሓላው ወረዳ ዚውሃብ ናይ 30 ደቒቕ መደረ ኣገልግሎት ኪትካእ ኣለዎ። ቅድሚ እቲ መደረ ኣገልግሎት፡ እቲ ኣቦ መንበር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ መደብ ይኽልሶ፡ ጽማቝ ትሕዝቶ ዚቕጽል ሰሙን ይገልጽ፡ ኣገዳሲ ዝዀነ ምልክታታት ይነግር፡ ኣገዳሲ ዝዀነ ደብዳበታት የንብብ፡ ነቲ ሓላው ወረዳ ድማ መደረ ኺህብ የፋልጦ። ድሕሪ እቲ መደረ ኣገልግሎት፡ እቲ ሓላው ወረዳ ነቲ ኣኼባ ባዕሉ ብዝሓረዮ መዝሙር ይዛዝሞ። ድሕርዚ፡ ንኻልእ ሓው፡ ብጸሎት ምእንቲ ኺዛዝም ኪዕድም ይኽእል እዩ። ሓላው ወረዳ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ብቛንቋ እታ ጉባኤ ኣብ ተወሳኺ ኣዳራሽ ክፍልታት ኪቐርብ የብሉን። ብኻልእ ቋንቋ እተወደበት ጕጅለ እንተ ኣልያ፡ ሓላው ወረዳ ንኣአንጋዲት ጉባኤ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን እውን ከይተረፈ ኣኼባታታ ኽትገብር ትኽእል እያ። ይኹን እምበር፡ እታ ጕጅለ ምስታ ኣአንጋዲት ጉባኤ ብምጽንባር፡ ነቲ ሓላው ወረዳ ዜቕርቦ መደረ ኣገልግሎት ክትሰምዖ ኣለዋ።

 ኣኼባ ወረዳ ወይ ዞባ ዚግበረሉ ሰሙን

21. ኣኼባ ወረዳ ወይ ዞባ ኣብ ዚግበረሉ ሰሙን፡ ኣኼባታት ጉባኤ ኣይህሉን። ኣብቲ ሰሙን እቲ ዚውሰድ ክፍልታት፡ ብብሕቲ ወይ ብስድራ ቤት ምእንቲ ኺውሰድ ነታ ጉባኤ መዘኻኽሪ ኺንገራ ኣለዎ።

 በዓል ዝኽሪ ዚብዓለሉ ሰሙን

22. በዓል ዝኽሪ ኣብ መንጎ ሰሙን ዚብዓል እንተ ዀይኑ፡ ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ኣይህሉን እዩ።

 ሓላው ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን

23. ብኣካል ሽማግለታት እተመርጸ ሽማግለ፡ ሓላው ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ኰይኑ የገልግል። እዚ ኣኼባ እዚ፡ ብዚግባእ ከም ዚውደብን ብመሰረት እቲ እተዋህበ መምርሒ ኸም ዚካየድን ይገብር። ምስቲ ሓጋዚ መኻሪ ጽቡቕ ገይሩ ሓሳብ ንሓሳብ ዚለዋወጥ ኪኸውን ኣለዎ። ሓላው ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡ ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን መምስ ወጸ፡ ንዅሉ ናይ ክልተ ወርሒ ኽፍልታት ይምድብ። እዚ ድማ፡ ክፍልታት ተምሃሮን ካልእ ክፍልታትን ኣቦ መንበር ምምዳብን የጠቓልል፣ ልክዕ እዩ፡ እቶም ኣቦ መንበር ዝዀኑ፡ ካብቶም ድሮ ብኣካል ሽማግለታት እተሓረዩ ኪኸውን ይግባእ። ( ሕጡብ ጽሑፍ 3-16 24ን ርአ።) ንተምሃሮ ኽፍልታት ኪምድበሎም ከሎ፡ ዕድሚኦምን ተመክሮኦምን ብዛዕባ እቲ ትምህርቲ ንምዝራብ ዘለዎም ናጽነትን ኣብ ግምት ኬእቱ ኣለዎ። ኣብ ኣኼባ ዚቐርብ ካልእ ኽፍልታት ኪምድብ ከሎ እውን፡ ተመሳሳሊ ነገራት ኣብ ግምት ኬእቱ ኣለዎ። እቲ ዚምደብ ክፍሊ፡ እንተ ወሓደ ሰለስተ ሰሙን ቅድሚ እቲ ዚቐርበሉ እዋን ኪውሃብ ኣለዎ። መውሃቢ ኽፍሊ ኣኼባ ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን (S-89) ዚብሃል ፎርም ንኽፍልታት ተምሃሮ ኺውዕል ኣለዎ። ኣቦ መንበር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ቅዳሕ እቲ መደብ ኣብ ሓበሬታ ሰሌዳ ኸም እተለጠፈ ኼረጋግጽ ኣለዎ። ኣካል ሽማግለታት ሓደ ኻልእ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኺሕግዞ ኺምድብ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ክፍልታት ተምሃሮ ዘይኰነ ኽፍሊ ኺምድቡ ዘለዎም ሽማግለታት ጥራይ እዮም።

    ኣቦ መንበር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን

24. ኣብ ሰሰሙን፡ ሓደ ሽማግለ ኣቦ መንበር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ኰይኑ ይዓዪ። (ሒደት ሽማግለታት ዘለወን ጉባኤታት፡ ከከም ኣድላይነቱ ብቕዓት ዘለዎም ኣገልገልቲ ጉባኤ ኺጥቀማ ይኽእላ እየን።) መእተውን መዛዘምን ሓሳባት ባዕሉ የዳሉ። ንዅሉ እቲ ኽፍልታት ከኣ የፋልጥ፣ ከከም ብዝሒ እቲ ኣካል ሽማግለታት ድማ ካልእ ክፍልታት እቲ ኣኼባ ኬቕርብ ይኽእል እዩ፣ ምናዳ ነቲ ቪድዮ ምርኣይ ደኣ እምበር፡ ተወሳኺ ምይይጥ ዘየድልዮ ኽፍልታት ኬቕርብ ይኽእል እዩ። ኣብ መንጎ ኽፍልታት ዚህቦ ሓሳባት ኣዝዩ ሓጺር ኪኸውን ኣለዎ። ኣካል ሽማግለታት፡ ነዚ ኽፍሊ እዚ ዜቕርቡ ብቑዓት ሽማግለታት ኪሓሪ ኣለዎ። እቶም ብቑዓት ሽማግለታት በብግዜኡ እናተቐያየሩ ኣቦ መንበር ይዀኑ። ኣብ ኵነታት እታ ጉባኤ ብምምርኳስ፡ እቲ ሓላው ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ካብቶም ካልኦት ብቕዓት ዘለዎም ሽማግለታት ብዝያዳ ኣቦ መንበር ኰይኑ ኺዓዪ ይኽእል እዩ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ ኺመርሕ ብቑዕ ዝዀነ ሽማግለ፡ ኣቦ መንበር ኣኼባ ዀይኑ ኺዓዪ እውን ብቑዕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣቦ መንበር ኰይኑ ዚዓዪ ሽማግለ ነቶም ክፍልታት ዘለዎም ተምሃሮ ፍቕራውን ጠቓምን ዝዀነ ናእዳ ኸም ዚህብ፡ እንተ ኣድልዩ እውን ምኽሪ ኸም ዚህብ ኪርሳዕ የብሉን። እቲ ኣኼባ፡ ኣብቲ እተመደበሉ ሰዓት ከም ዚዛዘም ኪገብር ከኣ ሓላፍነት ኣለዎ። ( ሕጡብ ጽሑፍ 17 19ን ርአ።) እቲ ኣቦ መንበር እንተ ደልዩ፡ እኹል ቦታ ድማ እንተ ኣልዩ፡ ኣብቲ መድረኽ ካልእ ማይክሮፎን ኪቕመጠሉ ይከኣል እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ ክፍሊ ዜቕርብ ነፍሲ ወከፍ ሓው ናብ መድረኽ ደዪቡ ኽሳዕ ዚዳሎ፡ እቲ ኣቦ መንበር ነቲ ዚቐርብ ክፍሊ ኼፋልጥ ይሕግዞ። ብዘይካዚ፡ እቲ ኣቦ መንበር፡ ሓደ ተምሃራይ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዜቕርበሉ ግዜን ኣብቲ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ ዚብል ክፋል እቲ ኣኼባን፡ ኣብቲ ኣብ መድረኽ ዘሎ መንበር ኮፍ ኪብል ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ግዜ ንምቝጣብ ይሕግዝ።

   ሓጋዚ መኻሪ

25. ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ ነዚ ሓላፍነት እዚ ዚምደብ ሓው፡ ሽማግለ ዀይኑ ተመክሮ ዘለዎ ተዛራባይ እንተ ዀነ ይምረጽ። ሓላፍነት ሓጋዚ መኻሪ፡ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ ንሽማግለታት ወይ ንኣገልገልቲ ጉባኤ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ክፍሊ ብብሕቲ ምኽሪ ምሃብ እዩ፣ እዚ ኽፍልታት እዚ ድማ፡ ኣብ ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ንዚቐርብ ክፍልታት፡ ንህዝባዊ መደረ፡ ከምኡ እውን ነቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዀነ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ ዚግበር ንባብን ምምራሕን የጠቓልል። ( ሕጡብ ጽሑፍ 19 ርአ።) ኣብ ጉባኤኹም ክኢላታት ተዛረብትን መምህራንን ዚዀኑ ብዙሓት ሽማግለታት እንተ ኣልዮም፡ ከም ሓጋዚ መኻሪ ዀይኖም ዜገልግሉ ብቑዓት ሽማግለታት በብዓመት ኪቀያየሩ ይኽእሉ እዮም። እቲ ሓጋዚ መኻሪ፡ ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ፡ ምኽሪ ኺህብ ኣየድልዮን እዩ።

 ኣብ ተወሳኺ ኣዳራሽ ዚቐርብ ክፍልታት

26. ጉባኤታት ብዙሓት ተምሃሮ እንተ ኣልዮምወን፡ ኣብ ተወሳኺ ኣዳራሽ ዚቐርብ ክፍልታት ተምሃሮ ኼዳልዋ ይኽእላ እየን። ኵሉ እዚ ኽፍልታት እዚ፡ ብቕዓት ዘለዎ መኻሪ ኺህልዎ ኣለዎ፣ እቲ መኻሪ ኸኣ፡ ሽማግለ እንተ ዀነ ይምረጽ። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ ብቕዓት ዘለዎ ኣገልጋሊ ጉባኤ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣካል ሽማግለታት፡ መኻሪ ዀይኑ ዚዓዪ ሓው ኪሓርዩን ካልኦት መኸርቲ ነቲ ዕዮ እናተቐያየሩ ኺሕዝዎ ዜድሊ እንተ ዀይኑ ኺውስኑን ኣለዎም። እቲ መኻሪ ነቲ ኣብ  ሕጡብ ጽሑፍ 18 ተገሊጹ ዘሎ መምርሒ ኺስዕብ ኣለዎ። ኣብ ተወሳኺ ኣዳራሽ ዚቐርብ ክፍልታት እንተ ኣልዩ፡ እቲ ኣብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ ዘርእስቱ ኽፋል ዚቐርብ መንፈሳዊ ሃብቲ ዚብሃል ክፍሊ ምስ ተወድአ፡ ተምሃሮ ናብቲ ተወሳኺ ኣዳራሽ ኪኸዱ ኺንገሮም ኣለዎ። እቲ ናይ መወዳእታ ኽፍሊ ተምሃራይ ምስ ቀረበ ድማ፡ ናብቲ ቐንዲ ኣዳራሽ ኪምለሱ ኣለዎም።

 ቪድዮታት

27. ኣብዚ ኣኼባ እዚ ዚርአ እተሓርየ ቪድዮታት ኪህሉ እዩ። ኣብ መንጎ ሰሙን ኣብ ዚግበር ኣኼባታት ዚርአ ቪድዮታት ኣብ ኣፕሊኬሽን JW Library® ኪርከብን ብእተፈላለየ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ጌርካ ኺርአን ይከኣል እዩ።

© 2023 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania

S-38-TI 11/23